• ጀምር
  • IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ብኸምዚ እዩ ዝግምግሞ

IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ብኸምዚ እዩ ዝግምግሞ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 11:17 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ድሕሪ ከባቢ 6 ኣዋርሕ ክግምግሞ እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝያዳ ግዜ ይወስድ እዩ። ነቲ ውሳኔ ድማ ብፖስታ ክትቅበሎ ኢኻ።

ንመመልከቲኻ ዝምልከት ውሳኔ ናይ IND ምጽባይ

IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ንኽህብ እንተበዝሐ 6 ኣዋርሕ ኣለዎ። ነዚ ውሳኔ ድማ ብፖስታ ክትቅበሎ ኢኻ። ንኩነት መመልከቲኻ ብኢንተርነት ኣብ 'Mijn IND' ክትርእዮ እውን ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ IND ንመመልከቲኻ ዝያዳ ግዜ የድልዮ እዮ። ንኣብነት መመልከቲኻ ምሉእ ስለዘይኮነ። እንተድኣ ብመሰረት IND ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብሓቂ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ምዃኖም ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ዘየለ ኮይኑ፣ IND ንመመልከቲኻ ንኸካይዶ ዝያዳ ግዜ ክወስድ እውን ይኽእል እዩ።

ከምዚ እንተኾይኑ ካብ IND ክንደይ ተወሳኺ ግዜ ከምዘድልዮም ዝገልጽ ደብዳቤ ክመጸካ እዩ። ስለዚ IND ኣብቲ ደብዳቤ ተወሰኽቲ ሰነዳት ንኽትሰድድ ክሓቱኻ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ እውን መርመራ ዲ. ኤን.ኤ ወይ ምሳኻን ምስ ኣባል ስድራ-ቤትካን (ብኢንተርነት) ቃለ-መሕትት ክገብሩ ይሓቱ እዮም።

2 ክውሰዱ ዝኽእሉ ውሳኔታት ኣለዉ

IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ፣ ነቲ ውሳኔ ብደብዳቤ ክትቕበሎ ኢኻ። እዚ ውሳኔ እዚ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ እዩ፡

  • ኣወንታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ይፍቀደሉ እዩ። 

  • ኣሉታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ኣይፍቀደሉን እዩ።

IND ኣወንታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ እዩ ዝኸውን

IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ኣጽዲቕዎ ድዩ? ስለዚ ድሕሪኡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ መበቆል ሃገር ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ክረክብ እዩ። እዚ ድማ ንመገሻ ዝኸውን ቪዛ እዩ። 

ኣብ መበቆል ሃገርካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ የለን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ናብ ዝርከበሉ ጎረቤት ሃገር ክጎዓዝ ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ IND ክሕብረካ እዩ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽአ ፍቓድ መንበሪ ክረክብ እዩ።

IND ኣሉታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ እዩ ዝኸውን

IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ኣየጽደቖን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ቪዛ ኣይክረክብን እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልክት