
ንጥፈታት ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ኣብ እዋን Pride
ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ "Gay Pride"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ክትረክብ ኢኻ።
ሮዛዊት ቀዳም
ሮዛዊት ቀዳም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዘላ ቀዳም እያ። ከምኡ እውን ዓመታዊ ንመሰላት ግብረ-ሰዶማዊት፣ ግብረ-ሰዶመኛ፣ በሃግቲ ክልቲኡ ጾታን፣ ዘይክልቲኡ ጾታን ኣቓልቦ ዝስሕብ ጽንብልን ሰላማዊ ሰልፍን እዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ክረምቲ ድማ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ መደባት Pride ይዳሎ።
ሮዛዊት ቀዳም ኣብ 1969 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ 'ስቶንዎል' ንዝተፈጸመ ናዕቢ ንምዝካር ዝተፈጥረ እዩ። እዚ ናዕቢ እዚ ኣብ ታሪኽ ምንቅስቓስ ግብረ-ሰዶማውያን ንኣገዳሲ ህሞት ዝውክል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ፖሊስ ኣብ 'Stonewall Inn' ዝበሃል ናይ ግብረ-ሰዶማውያን ባር ጎነጻዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣጥቂዖም። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ግብረ-ሰዶማውያን መንእሰያትን ጓል-ጓሎ ሰብኡትን ድማ ንዓመታት ብፖሊስ ዝፍጸም ዝነበረ ወጽዓን ዓመጽን ስለዝመረሮም ምክልኻላዊ ባእሲ ጀመሩ።
ኣብ 2025 ሮዛዊት ቀዳም 'Roze Zaterdag' ኣብ Zaanstad ዕለት 28 ሰነ ክካየድ እዩ።
'ፕራይድ ኣምስተርዳም'
ፕራይድ ኣምስተርዳም 'Pride Amsterdam' ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ን2 ሳምንታት ዝጸንሕ መደብ ኮይኑ፣ ኣብ መሰላት LHBTQIA+ ሰባት ዘተኮረ እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ LHBTQIA+ ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ጉጅለታት ፍሉይ ቆላሕታ ንኽግበር ዝሓትት እዩ። ንኣብነት ኣብ ዙርያ ኤይድስን መሰላት
ኣብ መወዳእታ ናይተን 'Pride Amsterdam' ዝካየደለን 2 ሳምንታት፣ ኣብ ኣምስተርዳም ዓመታዊ ምርኢታዊ ሰልፊ መትረብ 'Canal Pride' ይካየድ። 'Canal Parade' ኣብ ኣምስተርዳም 1 ካብቶም ዝበዝሐ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎም መዓልታት እዩ። ሽዕኡ ኣሽሓት ሰባት ብዙሕነትን ኹሉ ሓቋፍነትን ንምጽንባል ኣብ ዙርያ መትረባት ይእከቡ። ብዙሓት ሰባት እውን ብሕብራዊ ጀላቡ ብመትረባት ይጅልቡ።
ካልኦት ንጥፈታት
ኣብዚ ክረምቲ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኔዘርላንድ ናይ ፕራይድ ፍጻመታት 'Pride-evenementen' ክካየዱ እዮም። እዚኦም ኣብ ክረምቲ 2025 ኣብ ነፍስወከፍ ከተማ ዝካየዱ ዝዓበዩ ፍጻመታት እዮም፡፡
Utrecht
ቀዳም 7 ሰነ፡ ኣብ እዋን 'Utrecht Pride' ጀላቡ ብካናላት ኡትሬኽት ክጓዓዛ እየን።
Eindhoven
ሰሙን ፕራይድ 'Pride Week' ካብ 14 ክሳብ 22 ሰነ ኣብ ኣይንድሆቨን ክካየድ እዩ።
Groningen
ፕራይድ ካብ ዓርቢ 20 ክሳብ ቀዳም 21 ሰነ ኣብ ኽሮኒንገን ክካየድ እዩ።
Nijmegen
ኣብ ነፍስወከፍ ሳልሳይ ረቡዕ ናይ ወርሒ ሓምለ ኣብ Nijmegen 'ሮዛዊት ረቡዕ' እዩ።
Zwolle
Rotterdam
ካብ መስከረም 19 ክሳብ 28 መስከረም 2025፣ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዘለዎ ሰሙን ፕራይድ ሮተርዳም 'Rotterdam Pride Week' ክካየድ እዩ።
ከም መዛዘሚ ሰሙን ፕራይድ ኣብ ሰንበት 27 መስከረም፣
ንLHBTQIA+ ፍጻመታት ዝዓለሙ ኣገደስቲ ውድባት
ብፍላይ ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ዝዓለሙ መዳባት ዘዳልዋ ውድባት እውን ኣለዋ።
COCktail
Respect2love
Transgender Infopunt Nederland