ሮዛ ዝሕብሩ ክዳን ዝተኸድኑ ጉጅለ ሰባት ብካናል ኣምስተርዳም ይጅልቡ። ኣብ ደንደስ ጻዕቂ ሰባት ኣሎ፣ ብሓጎስ ድማ ይጭድሩ ኣለዉ።
ምንጪ፡ Flickr / Kitty Terwolbeck
ዓንቀጽ

ንጥፈታት ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ኣብ እዋን Pride

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/6/2025 8:45 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ "Gay Pride"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ክትረክብ ኢኻ።

ሮዛዊት ቀዳም

ሮዛዊት ቀዳም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዘላ ቀዳም እያ። ከምኡ እውን ዓመታዊ ንመሰላት ግብረ-ሰዶማዊት፣ ግብረ-ሰዶመኛ፣ በሃግቲ ክልቲኡ ጾታን፣ ዘይክልቲኡ ጾታን ኣቓልቦ ዝስሕብ ጽንብልን ሰላማዊ ሰልፍን እዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ክረምቲ ድማ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ መደባት Pride ይዳሎ።

ሮዛዊት ቀዳም ኣብ 1969 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ 'ስቶንዎል' ንዝተፈጸመ ናዕቢ ንምዝካር ዝተፈጥረ እዩ። እዚ ናዕቢ እዚ ኣብ ታሪኽ ምንቅስቓስ ግብረ-ሰዶማውያን ንኣገዳሲ ህሞት ዝውክል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ፖሊስ ኣብ 'Stonewall Inn' ዝበሃል ናይ ግብረ-ሰዶማውያን ባር ጎነጻዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣጥቂዖም። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ግብረ-ሰዶማውያን መንእሰያትን ጓል-ጓሎ ሰብኡትን ድማ ንዓመታት ብፖሊስ ዝፍጸም ዝነበረ ወጽዓን ዓመጽን ስለዝመረሮም ምክልኻላዊ ባእሲ ጀመሩ።

ኣብ 2025 ሮዛዊት ቀዳም 'Roze Zaterdag' ኣብ Zaanstad ዕለት 28 ሰነ ክካየድ እዩ።

'ፕራይድ ኣምስተርዳም'

ፕራይድ ኣምስተርዳም 'Pride Amsterdam' ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ን2 ሳምንታት ዝጸንሕ መደብ ኮይኑ፣ ኣብ መሰላት LHBTQIA+ ሰባት ዘተኮረ እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ LHBTQIA+ ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ጉጅለታት ፍሉይ ቆላሕታ ንኽግበር ዝሓትት እዩ። ንኣብነት ኣብ ዙርያ ኤይድስን መሰላት

ሞንጎ-ጾታ ዝኾኑ ሰባትን
ዝግበር ህዉኽ ኣረኣእያ ብዝምልከት። ኣብ 2025 ሰሙን ፕራይድ ኣምስተርዳም ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 3 ነሓሰ ክካየድ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይተን 'Pride Amsterdam' ዝካየደለን 2 ሳምንታት፣ ኣብ ኣምስተርዳም ዓመታዊ ምርኢታዊ ሰልፊ መትረብ 'Canal Pride' ይካየድ። 'Canal Parade' ኣብ ኣምስተርዳም 1 ካብቶም ዝበዝሐ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎም መዓልታት እዩ። ሽዕኡ ኣሽሓት ሰባት ብዙሕነትን ኹሉ ሓቋፍነትን ንምጽንባል ኣብ ዙርያ መትረባት ይእከቡ። ብዙሓት ሰባት እውን ብሕብራዊ ጀላቡ ብመትረባት ይጅልቡ። ኣብ 2025፡ ምርኢታዊ ሰልፊ መትረብ ኣምስተርዳም 'Amsterdamse Canal Parade' ንቀዳም 2 ነሓሰ ክካየድ እዩ።

ካልኦት ንጥፈታት

ኣብዚ ክረምቲ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኔዘርላንድ ናይ ፕራይድ ፍጻመታት 'Pride-evenementen' ክካየዱ እዮም። እዚኦም ኣብ ክረምቲ 2025 ኣብ ነፍስወከፍ ከተማ ዝካየዱ ዝዓበዩ ፍጻመታት እዮም፡፡

Utrecht

ቀዳም 7 ሰነ፡ ኣብ እዋን 'Utrecht Pride' ጀላቡ ብካናላት ኡትሬኽት ክጓዓዛ እየን። ኣብታ ከተማ ሓያሎ ሙዚቃዊ ፍጻመታት ክካየድ እዩ።

Eindhoven

ሰሙን ፕራይድ 'Pride Week' ካብ 14 ክሳብ 22 ሰነ ኣብ ኣይንድሆቨን ክካየድ እዩ። ዕለት 14 ሰነ ሰልፋዊ ምርኢትን ፈስቲቫልን 'Pride Vibes Festival' ክህሉው እዩ።

Groningen

ፕራይድ ካብ ዓርቢ 20 ክሳብ ቀዳም 21 ሰነ ኣብ ኽሮኒንገን ክካየድ እዩ። ብከተማ ኣቢሉ ዝሓልፍ ምርኢታዊ ሰልፊ፣ ዕዳጋ ሓበሬታን ድግሳትን ክህሉው እዩ።

ፊልምታትን መደባት ሕጻናትን እውን ክህሉው እዩ።

Nijmegen

መደብ ናይመኸን ፕራይድ 'Nijmeegse Pride' ረቡዕ 16 ሓምለ 2025 ኣብ ሮዛዊት ረቡዕ 'Roze Woensdag' ክካየድ እዩ።

ኣብ እዋን 'Vierdaagsefeesten' ድማ ንኹሉ ዝኸውን ድግስ እዩ።

ኣብ ነፍስወከፍ ሳልሳይ ረቡዕ ናይ ወርሒ ሓምለ ኣብ Nijmegen 'ሮዛዊት ረቡዕ' እዩ።

Zwolle

ናይ ዝቮለ ሰልፊ ፕራይድ 'Zwolse Pride Parade' ሰንበት 24 ነሓሰ ክካየድ እዩ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፣ ኣብ ጽምብል 'Zwolle Pride Festival' ዝካየዱ ፍጻመታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

Rotterdam

ካብ መስከረም 19 ክሳብ 28 መስከረም 2025፣ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዘለዎ ሰሙን ፕራይድ ሮተርዳም 'Rotterdam Pride Week' ክካየድ እዩ።

ከም መዛዘሚ ሰሙን ፕራይድ ኣብ ሰንበት 27 መስከረም፣ ፈስቲቫል ፕራይድ ሮተርዳም 'Rotterdam Pride Festival'

ኣብ Willemsplein ክካየድ እዩ።

ንLHBTQIA+ ፍጻመታት ዝዓለሙ ኣገደስቲ ውድባት

ብፍላይ ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ዝዓለሙ መዳባት ዘዳልዋ ውድባት እውን ኣለዋ።

COCktail

COCktail ንሓደ LHBTQI+ ስደተኛ/ሓድሽ-መጻኢ ምስ ሓደ ኔዘርላንዳዊ LHBTQI+ ሰብ ዘተኣሳስር ናይ ብጻይነት ፕሮጀክት እዩ።

Respect2love

Respect2Love ማሕበራዊ ፍጻሜታትን ናይ ምሕያል ዓውደ-መጽናዕትታትን ይውድብ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ካልኦት ክልተ-ባህላዊ LHBTQI+ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

Transgender Infopunt Nederland

ናይ ጾታውነት ሕቶታት ንምሕታት፣ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ወይ ሰማዒ እዝኒ ንምርካብ ጥራይ ናብ Transgender Infopunt Nederland [ነቚጣ-ሓበሬታ ስግረ-ጾታ ኔዘርላንድ] ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። እቲ ነቚጣ-ሓበሬታ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ 17፡00 ብቁጽሪ ተሌፎን 085 13 03 84 6 ንምርካቡ ይከኣል እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር