ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኔዘርላንድ

ብዛዕባ ናብራ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዚ ኣንብብ። ንኣብነት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣንብብ።

ሓበሬታ

ድሕነት ኣብ ኔዘርላንድ

ኣብ ሓደጋ ዲኻ ዘለኻ፣ ቅጽበታዊ ሓገዝ ድማ የድልየካ ድዩ? ናብ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት 112 ደውል። ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣይትዛረብን ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 112NL ኣፕ ብቋንቋኻ ርክብ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። ቅጽበታዊ ሓደጋ የልቦን ድዩ፣ ግን ድማ ውሕስነት ኣይስምዓካን ድዩ? ስለዚ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብኸምዚ ኢኻ ሕጋዊ ደገፍ ትረክብ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብሒደት ገንዘብ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል፣ ወይ ድማ ኣብ ስራሕካ ወይ ብዛዕባ መንበሪ-ቤትካ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል። ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ብኸምዚ ኣብ ኔዘርላንድ ተኣማኒ ዜና ክትረክብ ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ፕረስ ናጽነት ስለዘሎን፣ ፕረስ ኣካል ዲሞክራሲ ኔዘርላንድ ስለዝኾነን ተኣማኒ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜናታት እውን ኣሎ። ናይ ኔዘርላንድ ፕረስ ማዕረ ክንደይ ተኣማኒ ምዃኑ ብዝምልከት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ብኸመይ ባዕልኻ ተኣማኒ ዜና ከም እትረክብ እውን።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ይኽእል እዩ፣ ዋላ ገና ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ብኸመይ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እትገብር ግን መንግስቲ ቅድመ-ኩነታት ከቐምጥ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።

ዓንቀጽ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ

ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ክትፋታሕ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ብኸመይ ከምዝካየድ ግን ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት ፍትሕ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ፍቓድካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምቕማጥካን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ፍትሕ ብኸመይ ከምካየድ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሳተፉሎም እትኽእል ኣገደስቲ ናይ LHBTQIA+ ንጥፈታት

ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ "Pride"፣ "Canal Parade"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን። ብተወሳኺ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ኣለዉ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር