• ጀምር
  • ስራሕ
  • ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት
DigiD ንኽትረክብ ንምምልካት ሓበሬታ ናይ ዝሓዘ ደብዳቤ ስእሊ።
ምንጪ፡ Flickr / Mystic_Mabel

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/5/2024 9:14 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

DigiD ዲጂታላዊ መለለዪ መንነትካ እዩ

DigiD ማለት "digitale identiteit" [ዲጂታላዊ መንነት] ማለት እዩ። ነፍስወከፍ ብኢንተርነት ጉዳያቱ ዘሳልጥ ሰብ ናይ ባዕሉ DigiD ክህልዎ ኣለዎ። ምኽንያቱ ጉዳያትካ ብውሑስ ብኢንተርነት ንምስላጥ መንነትካ ብኢንተርነት ከተረጋግጽ ክትክእል ኣለካ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ጉዳያትካ ተሳልጥ ዘለኻ ብሓቂ ንስኻ ባዕልኻ ምዃንካ መንግስቲ ክርእይ ይኽእል። DigiD ንምጥቃም ኣካውንት ክትፈጥር ኣለካ።

ብDigiD ናብ ከምዞም ዝስዕቡ ዝተፈላለዩ መርበባት-ሓበሬታ ክትኣቱው ትኽእል፡

  • እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ፈጻሚ ተቕዋም መድሕን ሰራሕተኛታት (UWV)

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ባንኪ ማሕበራዊ መድሕን (SVB)

  • ፖሊስ፣ ንኣብነት ጥርዓን ከተቕርብ ምስ እትደልይ

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    በዓል-መዚ ግብሪ

  • መድሕን ጥዕናኻ

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ቤት-ምኽሪ ንግዲ (KvK)

DigiD ተጠቂምካ ክትኣትዎም ዘለካ መርበባት-ሓበሬታ ብጸሊም-ኣራንሾኒ ኣርማ ናይ DigiD ከተለልዮም ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣርማ ኣብቲ ክትኣትወሉ ዘለካ እዋን እዩ ዝኽሰት።

DigiD ንምርካብ ንኸተመልክት እዚ ሓበሬታ የድልየካ

DigiD ንምርካብ ከተመልክት እትኽእል

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ። ብተወሳኺ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት የድልዩኻ፡ 

  • ዕለት ልደትካ

  • ፖስት ኮድካን ቁጽሪ ገዛኻን

ገና BSN የብልካን ዲኻ? ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ተመዝገብ። ሽዕኡ ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP)
ክትምገብ ኢኻ። ብድሕሪኡ ንኹሉ ጉዳያት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ባዕልኻ ሕሳብ ባንክ ክትከፍት ትኽእል።

DigiD ብኸምዚ ኢኻ እትፈጥር

DigiD 1 ግዜ ጥራይ ኢኻ ከተመልክት ዘለካ። DigiD ንምምልካት ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል፡

  1. ናብ www.digid.nl ኪድ።

  2. ኣብቲ 'Aanvragen of activeren' ዝብል ጠውቕ።

  3. ኣብቲ 'Aanvraagformulier DigiD' ዝብል ጠውቕ።

  4. ናትካ ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)፣ ዕለት ልደትካ፣ ፖስት ኮድካን ቁጽሪ ገዛኻን ምላእ።

  5. ስም ተጠቃሚን ፓስዎርድን ምረጽ።

  6. ቁጽሪ ሞባይልካን ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻን ምላእ።

  7. ብመልእኽቲ ተሌፎንን (sms) ብኢ-መይልን ብዝመጽኣካ ኮዳት ቁጽሪ ሞባይልካን ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻን ኣረጋግጽ።

  8. ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት መንጠፊ ኮድ ዘለዎ ደብዳቤ ብፖስታ ክመጽኣካ እዩ። በዚ ኮድ ድማ ናትካ DigiD ከምዝነጥፍ ክትገብሮ ትኽእል።

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ፣ DigiD ንምርካብ ኣብ ምምልካት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ናትካ DigiD ብኸምዚ ከምዝነጥፍ ትገብሮ

መንጠፊ ኮድ ብፖስታ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ንናትካ DigiD ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ከምዝነጥፍ ግበር። እንተዘይኮይኑ ከም ብሓድሽ ከተመልክት ኣለካ። ንናትካ DigiD ከምዝነጥፍ ንምግባር ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል፡

  1. ናብ www.digid.nl ኪድ፣ ኣብቲ 'Aanvragen of activeren' ዝብል ድማ ጠውቕ።

  2. ኣብቲ 'Activeringscode invoeren' ዝብል ጠውቕ።

  3. ናትካ ስም ተጠቃሚን ፓስዎርድኻን ምላእ።

  4. ነቲ ብመልእኽቲ ተሌፎን (sms) ዝመጽኣካ ኮድ ምላእ።

  5. ነቲ ብፖስታ ዝተቐበልካዮ መንጠፊ ኮድ ምላእ።

  6. ኣብቲ 'Activeren' ዝብል ጠውቕ።

ሕጂ ናትካ DigiD ከምዝነጥፍ ኮይኑ ኣሎ፣ ናብ መንግስታዊ መርበባት-ሓበሬታ ድማ ብውሑስ ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ናትካ DigiD ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መርበባት-ሓበሬታ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ VWN ርክብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ናትካ DigiD ከምዝነጥፍ ንምግባር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ናትካ DigiD ብሕታዊ እዩ

ናትካ DigiD ባዕልኻ ዝመረጽካዮ ስም ተጠቃሚን ፓስዎርድን ዝሓዘ እዩ። መንግስታዊ ትካላት ብዛዕባኻ ውልቃዊ ሓበሬታታት ስለዘለወን ድማ ናትካ ስም ተጠቃሚን ፓስዎርድኻን ብምስጢር ብሕታዊ ጌርካ ምሓዙን ንኻልኦት ሰባት ዘይምሃብን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ክንዳኻ ካልእ ሰብ ምስ መንግስቲ ጉዳያት ከሳልጠልካ እንተድኣ ደሊኻ፣ ነቲ ሰብ ስልጣን ውክልና ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ስልጣን ውክልና ምሃብ ማለት እቲ ሰብ ብናይ ገዛእ-ርእሱ DigiD ተጠቒሙ ኣብ ክንዳኻ ነገራት ንኸሳልጠልካ ፍቓድ ትህቦ ማለት እዩ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ እቲ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ሓበሬታታት ብሕታዊ ገይርካ ዓቂብካዮ እናሃለኻ ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?