መጻምድቲ ኣብ እዋን ፍትሕ ደገፍ ይጥቀሙ።
ምንጪ፡ Pexels / Cottonbro Studio

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:43 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ክትፋታሕ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ብኸመይ ከምዝካየድ ግን ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት ፍትሕ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ፍቓድካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምቕማጥካን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ፍትሕ ብኸመይ ከምካየድ ኣብዚ ኣንብብ።

ንኽትፋታሕ ቅድሚ ምውሳንካ፣ ፍወሳ ዝምድና ንምግባር ኣብ ግምት ከተእቱው ትኽእል ኢኻ

ንኽትፋታሕ ቅድሚ ምውሳንኩም፣ ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ጸገማትኩም ምስ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ድማ ንጸገማት ዝምድናኹም መፍትሒ ንምርካብ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ 'ፍወሳ ዝምድና' ይበሃል።

ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት ኣብ እዋን ዝምድናዊ ጸገማት ካብ ኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ንላዕሊ ካብ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ሓገዝ ንኽሓቱ ዝያዳ ይመርጹ። ኣብ ኔዘርላንድ ንጸገማት ሓዳር መፍትሒ ንምርካብ ምስ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ወይ ኣሰልጣኒ ናይ ዝምድና ፍወሳ ምግባር ኣዝዩ ንቡር እዩ። ካብ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ሓገዝ ንምርካብ ንሓኪምካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ ብሓገዝ ናይ ጠበቓ ኢኻ እትፋታሕ

ንኽትፋታሕ ስቕ ኢልካ ባዕልኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ፍትሕ እንተድኣ ደሊኻ ጠበቓ የድልየካ። ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ምስ ዘይህልወካ ድማ ናይ ፍትሕ ፍሉይ-ሞያ ዘለዎን ብዛዕባ ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣፍልጦ ዘለዎን ጠበቓ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ጠበቓ ነቲ ፍትሕ ናብ ቤት-ፍርዲ ከመልክት ኣለዎ። 1 ካብቶም መጻምድቲ ክፋታሕ እንተድኣ ዘይደልዩ ድማ ዳኛ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ይውስን። ስለዚ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ ሕጋዊ ኩነት እዩ። ጠበቓኻ ኣብ ኩነትካ እንታይ ከተዋድድ ከምዘለካን፣ ብኸመይ ክትገብሮ ከምዘለካን ምሳኻ ክዘራረብ እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ኣለዉኹም ድዮም? ስለዚ ንኣብነት ብዛዕባ ምክንኻኖም ስምምዓት ክትገብሩ ኣለኩም።

ምስ መጻምድትኻ ባእሲ ምስ ዝህልወካ መንጐኛ ክድግፈካ ይኽእል እዩ

ምስ መጻምድትኻ ፍትሕ ንምውዳድ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ከቢድ ባእሲ ኣለካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ሓደ መንጐኛ ከተሳትፍ እውን ትኽእል ኢኻ። መንጐኛ ገለልተኛ እዩ፣ ከምኡ እውን ንፍትሕኩም ብዝምልከት ጽቡቕ ስምምዓት ኣብ ምግባር ንዓኻን ንመጻምድትኻን ይድግፈኩም።

Het Juridisch Loket ወይ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ክድግፈካ ይኽእል እዩ

ኣብ እዋን ፍትሕ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ። ባዕልኻ ጠበቓ ወይ መንጐኛ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን ካብዚ ዝስዕብ ሓገዝ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ፡ 

  • ናይ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    VWN
    ኣማኻሪኻ ብዛዕባ ፍትሕ ዝያዳ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኩነትካ ድማ ይመኽረካ።

  • ሰደቓ ሕጊ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'Het Juridisch Loket'
    እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታኦም ብዛዕባ ኣብ ጥቓኻ ዝርከቡ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ዝርርብ ኣተርጓሚ ምስ ዘድልየካ ክትነግር እውን ትኽእል ኢኻ።

ፍትሕ ገንዘብ ይሓትት እዩ

ንኽትፋታሕ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ንጠበቓ ምናልባት እውን ንመንጐኛ ክትከፍሎም ኣለካ። መጠን ናይዚ ገንዘብ ኣብ ኣታዊኻን ውህሉል ገንዘብካን ዝምርኮስ እዩ። ዳኛ ድማ ብመንገዲ ናይ ጠበቓኻ ሓገዝ ነቲ ፍትሕ ክትከፍሎ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ወይ ኣብ እዋን ፍትሕ ገንዘባዊ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።

መጻምድትኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይትነብር ምስ እትኸውን እውን ክትፋታሕ ትኽእል ኢኻ

መጻምድትኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይትነብር ምስ እትኸውን እውን ክትፋታሕ ትኽእል ኢኻ። መጻምድትኻ ብጻውዒት ቪድዮ ብቐሊሉ ክትርከብ እትኽእል ክትከውን ድማ ኣገዳሲ እዩ። መጻምድትኻ ግድን ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእ ኣየድልያን እዩ።

ፍትሕ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ፍቓድካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ

እንተድኣ ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኮይንካ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ፣ ፍትሕ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ፍቓድካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እንታይ ከምዘጋጥም ድማ ኣብ ዘለካ ዓይነት ፍቓድ እዩ ዝምርኮስ።

1. ኣብ መጻምድትኻ ዝምርኮስ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ

መጻምድትኻ ድሮ ኣብ ኔዘርላንድ ድያ ትነብር ነይራ፣ ከምኡ እውን ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ምናልባት ካብ መጻምድቲ ዝመንጨወ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እዩ ዘለካ። እዚ ማለት ድማ ናይ ባዕልኻ መንበሪ ፍቓድ ኣይኮነን ረኺብካ ዘለኻ፣ የግዳስ ናይ መጻምድትኻ መንበሪ ፍቓድ ትጥቀም ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ዘለካ፣ መጻምድትኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ስለዘለዋ እዩ።

ንኽትፋታሕ እንተድኣ ወሲንካ፣

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንፍቓድካ ክስርዞ ይኽእል እዩ። ስለዚ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ናብ IND ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ግን ነፍስወከፍ ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽአ ሰብ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንኽረክብ መሰል የብሉን። ስለዚ ብዛዕባ ኩነትካ ምስ ናይ VWN ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ተዘራረብ።

2. ናይ ባዕልኻ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ

ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ከም በዓል መጻምድቲ ወይ ኣባል ስድራ-ቤት ዝኣመሰለ ካልእ ሰብ ዘይምርኮስ መንበሪ ፍቓድ እዩ። ናይ ባዕልኻ መንበሪ ፍቓድ ድዩ ዘለካ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ንምጽናሕ ዝኾነ ሳዕቤናት ከይሃለወካ ክትፋታሕ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?