ምንጪ፡ Unsplash
ዓንቀጽ

ድሕሪ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምናልባት ናይ ባዕልኻ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/9/2026 10:53

ኣባል ስድራ-ቤትካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ስለ ዘመልከተልካ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ርእሱ-ዝኸኣለ መንበሪ ፍቓድ ዘይኮነስ፣ ምስ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝተኣሳሰር መንበሪ ፍቓድ ኢኻ እትረክብ። ናይ ገዛእ-ርእስኻ ፍቓድ ንምርካብ ድማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝመንጨወ መንበሪ ፍቓድ ትረክብ

ናብ ኔዘርላንድ ብመገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት እንተድኣ መጺእካ፣ መጀመርታ ጽግዕተኛ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኢኻ እትረክብ። እዚ ‘ዝመንጨወ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ’ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ። እዚ ምስ ናይቲ ምስኡ ክትነብር ዝመጻእካዮ ኣባል ስድራ-ቤት ፍቓድ ዝተኣሳሰር እዩ።

ድሒርካ ርእሱ-ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ትደሊ ዲኻ? ስለዚ ነዚ ንምካብ ባዕልኻ ናብ

ከተመልክት ኣለካ። ብድሕሪኡ IND ነዚ ንምርካብ ብቑዕ ምዃንካን ዘይምኳንካን፣ ከምኡ እውን ኣየናይ መንበሪ ፍቓድ ከም እትረክብን ይግምግም።

ኣብ መንጎ እቶም 2 ዓይነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘሎ ፍልልይ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

  • ዝመንጨወ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ዝመንጨወ መንበሪ ፍቓድ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝምርኮስ እዩ። መንበሪ ፍቓድካ ዘገልግለሉ ግዜ ድማ ኣብቲ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መንበሪ ፍቓድ ዘገልግለሉ ግዜ እዩ ዝምርኮስ። እቲ ፍቓድ ብስም ኣባል ስድራ-ቤትካ እዩ።

  • ርእሱ-ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ርእሱ-ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ማለት ንስኻ ባዕልኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ኣለኻ ማለት እዩ። ንዓኻ ንባዕልኻ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ከም ዝተዋህበካ ማለት እውን እዩ። እቲ መንበሪ ፍቓድ ድማ ብስምካ እዩ ዝወሃበካ።

ዝመንጨወ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ጽግዕተኛ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዝርከብ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኢኻ

ርእሱ-ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ን3 ዓመት ዘገልግል እዩ። እዚ ግዜኡ ክውድቕ እንተድኣ ቐሪቡ IND ንኸናውሓልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ዝመንጨወ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ፣ ነዚ ባዕልኻ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ምስ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዘለካ ዝምድና እንተድኣ ኣቋሪጹ፣ IND ንዘለካ ዝመንጨወ መንበሪ ፍቓድ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ኣባል ስድራ-ቤትካ ስለ ዝሞተ፣ ወይ ንስኻን መጻምድትኻን ስለ ዝተፈላለኹም። IND ፍቓድ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ደው ከብሎ ድዩ? ስለዚ IND ንዘለካ ዝመንጨወ መንበሪ ፍቓድ እውን ደው ከብሎ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ IND ርእሱ-ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ

ዝመንጨወ መንበሪ ፍቓድ ድዩ ዘለካ፣ ግን ድማ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ፍቓድ ክትረክብ ተደልይ ዲኻ? ሕጂ እውን ርእሱ-ዝኸኣለ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ እትገብሮ ባዕልኻ ናብ IND ዑቕባ ንምርካብ ብምምልካት እዩ። ብድሕሪኡ IND ርእሱ-ዝኸኣለ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ መሰል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግም እዩ። እዚ ዝከኣል ድማ ድሮ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ።

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ድማ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክግምግም እዩ። ብድሕሪኡ እውን IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ A ወይ B ክትቕበል ምኻንካን ዘይምዃንካን ይውስን።

እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር