ባዕልኻ ብወለንታ ምምላስ ኣንጎላ

ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ኣብዚ ብዛዕባ ኣንጎላ ዝምልከት ገጽ፣ ኣየኖት ካሕሳታት ከምዘለዉን፣ ኣየኖት ውድባት ኣብ ምምላስካ ክሕግዙኻ ከምዝኽእሉን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት

መሰረታዊ ካሕሳ (REAN)

ብመሰረት ደንቢ REAN መሰረታዊ ካሕሳ ክትቕበል ኢኻ። REAN ማለት ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ 'Return and Emigration Assistance from the Netherlands' እዩ፣ ትርጒሙ ድማ 'ናይ ምምላስን ስደትን ሓገዝ ካብ ኔዘርላንድ' ማለት እዩ። ደንቢ REAN ነዚ ዝስዕብ ይኽሕስ፡

  • ምርሒት

  • ናይ ነፋሪት ትኬት

  • ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ንምርካብ ሓገዝ

  • 200,- ጥረ ገንዘብ ንሓደ በጽሒ ሰብ፣ ከምኡ እውን ንሓደ ምሳኻ ዝጓዓዝ ቆልዓ €40። እዚ ገንዘብ ኣብታ እትብገሰላ መዓልቲ ኣብ ስኺፖል (Schiphol) ክትቅበሎ ኢኻ።

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ነዚ ካሕሳ እዚ ንኽትረክብ የዋድደልካ። እቲ ኣብ ምምላስካ ዝሕግዘካ ውድብ ድማ ካብ IOM ሳሕሳ ንኽትረክብ ክሓተልካ ይኽእል እዩ።

ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ

ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ካሕሳ እትረክብ ድማ በዚ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንኽትከፍል እዩ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።

ንኣብነት ነቲ ካሕሳ፣ ስልጠና ንምክትታል ወይ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ዝኸውን ኣቚሑት ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካሕሳ ንእሽቶ ክፋሉ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ካሕሳ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • € 3080 ንበጽሒ ሰብ፣ ካብዚ እንተበዝሐ € 630 ብጥረ ገንዘብ።

  • € 1860 ንትሕቲ ዕድመ፣ ካብዚ እንተበዝሐ € 630 ብጥረ ገንዘብ።

ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ

ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት

VluchtelingenWerk ኣብ ኣንጎላ ምስ ሓደ ካብ መንግስቲ ነጻ ኮይኑ ዝሰርሕ ናይቲ ከባቢ መሻርኽቲ ውድብ ብምትሕብባር ይሰርሕ እዩ። መሻርኽትና ንዝተመልሱ ሰባት (ውልቀሰባትን ስድራ-ቤታትን) ሓድሽ ህይወት ኣብ ምጥያስ ድማ ይመርሖም።

እቲ መሻርኽቲ ውድብ ካብ ምዕራብ ኤውሮጳ ንዝተመልሱ ሰባት ኣብ ምድጋፍ ብዙሕ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ። ንዝተመልሱ ሰባት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ክቅበሎም፣ (ግዝያዊ) መንበሪ ገዛ ንምርካብ ክሕግዞምን ንእሽተይ ትካል ኣብ ምቛም ወይ ስራሕ ኣብ ምርካብ ክድግፎምን ድማ ይኽእል።

ብተወሳኺ ዝሰማማዕ ስልጠና ወይ ትምህርቲ፣ ጠቓሚ ርክባትን መርበባትን ንምርካብ ክሕግዞምን፣ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ ንዓማዊል ናብ ተቕዋማት ጥዕና ከመሓላልፎምን ይኽእል። VluchtelingenWerk ከመይ ከምዘለኻ ንምስማዕ ድሕሪ ምምላስካ ክሳብ ሓደ ዓመት ምስቲ መሻርኽቲ ውድብ ርክብ ምግባር ክቕጽል እዩ። 

ካልኦት ውድባት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ናይ ከባቢ መሻርኽቲ ብሓባር ይሰርሓ እየን። እዚ ኣየናይ ምዃኑን፣ እቲ መሻርኽቲ እንታይ ክገብረልካ ከም ዝኽእልን ድማ ክፈላለይ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

ብኣስገዳድ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ዘለካ ምስ እትውኸን ውሑድ ሓገዝ

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንነፍስወከፍ ሃገር ዝምልከት ሓገዝ ንምርካብ ዝከኣል ናብ መበቆል ሃገርካ ባዕልኻን ብወለንታኻን ምስ እትምለስ ጥራይ እዩ። ብዛዕባ ምምላስካ ክትተሓባበር እንተድኣ ዘይደሊኻ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከገድደካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብኣስገዳድ ምምላስ ይበሃል። ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ውሑድ ሓገዝ ትረክብ፣ ወይ ዋላ ሓንቲ ሓገዝ ኣይትረክብን ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ እንተበዝሐ €1,000 ብመልክዕ ኣቑሑት ወይ ምርሒት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።