ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ምምላስ ናብ ኣፍጋኒስታን

ናብ ኣፍጋኒስታን ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ካሕሳታት ከምዘለዉን፣ ኣየኖት ውድባት ኣብ ምምላስካ ክሕግዙኻ ከምዝኽእሉን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ

ባዕልኻ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግብራዊ ምኽንያታት ምምላስ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት ናይ መገሻ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ። 

ሓደ ሓደ ግዜ ንምምላስ ንኽትመርጽ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ስምዒታዊ ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕፍረት ስምዒታት፣ ፍሽለት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉው ዘይርጉጽነት። ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ ማሕበራዊ መርበብ ክትሃንጽን፣ ገዛን ስራሕን ክትደልይን ኣለካ።

ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ውድባት ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ውድባት እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ። 

ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት

ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ

ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብእኡ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎት ንኽትከፍል ድማ ካሕሳ ትረክብ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።

ንኣብነት ነቲ ካሕሳ፣ ስልጠና ንምክትታል ወይ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ዝኸውን ኣቚሑት ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካሕሳ ንእሽቶ ክፋሉ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ካሕሳ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • € 1.800,- ንበጽሒ ሰብ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

  • € 2.800,- ንሓደ ምሳኻ ዝጎዓዝ ቆልዓ ወይ ንውልቁ ዝኾነ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዓ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት

VluchtelingenWerk ናብ ኣፍጋኒስታን ንምምላስ ዘሎ ኩነታት ከም ውሑስ ኣይቆጽሮን እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሕግዘካ ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ የብልናን።

ካልኦት ውድባት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ምምላስካ ክሕግዘካ ዝኽእል መሻርኽቲ ኣለወን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስዘን ውድባት ርክብ ግበር፣ ወይ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።