
ኣብ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እትከታተሎ ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዲፕሎማኻ እዩ ዝምርኮስ። ኣብዚ ዓንቀጽ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትጅምር ምስ እትኸውን ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ላዕለዋይ ትምህርቲ
ኣብ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትከታተለሉ እትኽእል 3 ዝተፈላለዩ ደረጃታት ኣለዉ፡
ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (mbo)
ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (hbo)
ዩኒቨርሲቲ፣ እዚ ስነ-ፍልጠታዊ ትምህርቲ (wo) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ
ኣብዚ ታሕቲ ኣየኖት መለለይታት ምስ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ከም ዝተኣሳሰሩ ከተንብን ትኽእል ኢኻ።
Mbo
ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (mbo) ሞያ እትመሃረሉ ቤት-ትምህርቲ እዩ። ናይ vmbo ዲፕሎማ ድሕሪ ምርካብካ ናይ mbo ስልጠና ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን ትምህርትኻ ካብ ተግባር ብዙሕ ትመሃር
ኣብ mbo ኣብ እትመሃረሉ እዋን ካብ መጽሓፍ ጥራይ ኣይትመሃርን ኢኻ። ብተግባር እውን ብዙሕ ነገራት ትመሃር ኢኻ። ኣብ እዋን ትምህርትኻ ናብ ሓደ ትካል ትኸይድ እሞ ኣብኡ ከመይ ከም ዝሰርሑ ትመሃር። ብኸምዚ መንገዲ ኸኣ ምስራሕ ብሓቂ ከመይ ከም ዝመስል ክትመሃር ትኽእል። mbo ካብ ደረጃ 1 ክሳብ ደረጃ 4 ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ስልጠናታት ይህብ። ኣብ ደረጃ 1 ዝበዝሕ ካብ ልምምድ ኢኻ ትመሃር። ኣብ ደረጃ 4 ድማ ብዛዕባ እቲ ክልሰ-ሓሳብ ዝያዳ ትመሃር።
ድሕሪ ናይ mbo ትምህርትኻ
ናይ mbo ትምህርትኻ ምስ ወዳእካ ክትሰርሕ ወይ ትምህርቲ ክትቕጽል ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ክትመሃር እንተድኣ ደሊኻ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ወይ ካልእ ደረጃ ናይ mbo ስልጠና ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ናይ mbo ደረጃ 3 ወይ 4 ስልጠና ምስ እትውድእ እውን ናብ ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (hbo) ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ mbo
መንገዲ ሞያዊ ስልጠና (BOL)
መብዛሕትኦም ተማሃሮ ኣብ mbo ናይ BOL ስልጠና ይከታተሉ። ኣብ ስልጠና BOL፣ ተማሃሮ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ብዙሕ ክልሰ-ሓሳብ ይረኽቡን፣ ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገዛ ዕዮ-ገዛ የሰላስሉን። ብተወሳኺ ተማሃሮ ግብራዊ ተሞክሮ ንምርካብ ናይ ስራሕ ልምምድ እውን የካይዱ።
ስራሕ-ሰረት ሞያዊ ትምርህቲ (BBL)
ተማሃሮ ኣብ mbo እውን ዕድሚኦም 16 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኾኑ ናይ BBL ስልጠና ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም። ብቐንዱ ናብ ስራሕ እዮም ዝኸዱ፣ ን1 ወይ 2 መዓልቲ ድማ ናብ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። ተማሃሮ ብቐንዱ ባዕሎም ብምግባርን ብምምኳርን ብተግባር እዮም ዝመሃሩ።
ኣብነታት ኣብ mbo ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት
ኣብ mbo ንድሌታትካን ዕላማኻን መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ዓይነት ስልጠናታት ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡
ስልጠና ናይ ተሓጋጋዚ ምሕደራ
ስልጠና ናይ መካኒክ
ስልጠና ናይ ነርስ
ስልጠና ናይ ክኢላ ሕብስቲ
ስልጠና ናይ ነዳቓይ
ስልጠና ናይ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ
Hbo
ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (hbo) ናይ havo ዲፕሎማ ድሕሪ ምርካብካ ሞያ ወይ ዓውደ-ሞያ እትመሃረሉ ቤት-ትምህርቲ እዩ። ወይ ድማ ድሕሪ ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (mbo) ብዛዕባ ዓውደ-ሞያኻ ዝያዳ እትመሃረሉ ቦታ እዩ።
ኣብ እዋን ትምህርትኻ ካብ ተግባርን ክልሰ-ሓሳብን ብዙሕ ትመሃር
Hbo ካብ mbo ዝውሕድ ኣብ ተግባር ኣተኲሮ ዝገብር እዩ። ካብ ክልሰ-ሓሳብ ኢኻ ዝያዳ ትመሃር። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርእሲ እቲ ትምህርቲ፣ ኣብ ስራሕ ንዘጋጥመካ ሓቀኛ ኩነታት ዘዳልወካ ፕሮጀክትታትን ዕማማትን ተካይድ። ኣብ እዋን ስልጠናኻ 1 ወይ ልዕሊኡ ናይ ስራሕ ልምምድ እውን ክትገብር ኢኻ።
ድሕሪ ናይ hbo ትምህርትኻ
ልክዕ ከምቲ ናይ mbo፣ ድሕሪ hbo እውን በቲ ዝተማሃርካሉ ዓውደ-ሞያ ንኽትሰርሕ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ትምህርትኻ ንኽትቅጽል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ hbo
ኣብ hbo፣ 3 ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም ሰባት ናይ hbo ባችለር ዲግሪ እዮም ዝከታተሉ። ድሕሪ ባችለር ዲግሪ ንሞያ ትስልጥን፣ ከምኡ እውን ስራሕ ክትጅምር ትኽእል።
ናይ Hbo ባችለር
እዚ ስልጠና ኣብ ዙርያ ሓደ ቴማ ዝወሃብ ሓፈሻዊ ስልጠና እዩ። እዚ ን4 ዓመት ይጸንሕ። ዲፕሎማኻ ድሕሪ ምርካብካ ድማ ባችለር ዝብል ስም ክወሃበካ እዩ።
ናይ Hbo ማስተርስ
ባችለር ድሕሪ ምርካብካ፣ ማስተርስ ዲግሪ ንምርካብ ገና ካብ 1 ክሳብ 3 ዓመት ምምሃር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ስልጠና ድማ ናይ ሓደ ዝተወሰነ ዛዕባ ክኢላ ክትከውን ኢኻ።
ተሓጋጋዚ ዲግሪ
ናይ ተሓጋጋዚ ዲግሪ ስልጠና ናይ 2 ዓመት ስልጠና እዩ። ናይ መወዳእታ ደረጃ ናይቲ ተሓጋጋዚ ዲግሪ ኣብ መንጎ mbo-4ን ናይ hbo ባችለር ዲግሪን ዝርከብ እዩ። ነዚ ዲፕሎማ ድሕሪ ምርካብካ ድማ ልክዕ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ናይ hbo ባችለር ዲግሪ ንምርካብ ትምህርቲ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
ኣብነታት ኣብ hbo ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት
ኣብ hbo ልክዕ ከምቲ ናይ mbo ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። እዞም ስልጠናታት ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ዓውደ-ትምህርቲ ብዕምቆት ዝምርምሩ እዮም። ናይ ትምህርቲታት ኣብነታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ስልጠና ናይ ነርስ
ስልጠና ናይ መምህራን
ስልጠና ናይ ጋዜጠኛ
ስልጠና ናይ ኣማሓዳሪ/ኣካያዲ-ስራሕ
ዩኒቨርሲቲ (wo)
ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቅ ስነ-ፍልጠት ኢኻ እትኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ን1 ሞያ ጥራይ ኣይትመሃርን ኢኻ፣ የግዳስ ብዛዕባ ሓደ ዓውደ-ሞያ ወይ ዛዕባ ኣዝዩ ብዝሰፍሐ ኢኻ እትመሃር። ናይ vwo ዲፕሎማ ወይ ናይ hbo ዲፕሎማ ምስ ዝህልወካ ድማ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ቀዳማይ ዓመት ናይ hbo ስልጠናኻ እንተወዲእካ እውን ናብ ዩኒቨርሲቲ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን ትምህርትኻ ካብ ክልሰ-ሓሳብ ብዙሕ ትመሃር
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ እትመሃረሉ እዋን፣ ቴማታት ወይ ዛዕባታት ብሰፊሑ ተጽንዕን ትምርምርን። እዚ ማለት ብዙሕ ተንብብን ትመራመርን ማለት እዩ። ውሑድ ተግባራዊ ተመክሮ ኢኻ ትረክብ። ኣብ ገሊኦም ትምህርትታት ግን ሓደ ዓይነት ናይ ስራሕ ልምምድ ትገብር ኢኻ። እንተኾነ ግን እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ትምህርትኻ ክልሰ-ሓሳብ እዩ።
ድሕሪ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርትኻ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርትኻ ምስ ወዳእካ ስራሕ ክትጅምር ወይ ማዕርግ ዶክተርነት ንምርካብ ክትቕጽል ትኽእል ኢኻ። ማዕርግ ዶክተርነት ምርካብ ማለት ብዛዕባ 1 ፍሉይ ኣርእስቲ ን4 ዓመታት ምርምር ክትገብር ማለት እዩ። ማዕርግ ዶክተርነት ድሕሪ ምርካብካ ድማ ክኢላ ስነ-ፍልጠት ትኸውን።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ
ናይ ዩኒቨርሲቲ ስልጠና፣ ናይ ባችለርን ማስተርስን ዲግሪ ስልጠና ዝሓዘ እዩ። ናይ ባችለር ዲግሪ ስልጠና ጥራይ ንኽትከታተል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም ሰባት ግን ናይ ባችለርን ማስተርስን ዲግሪ እዮም ዝከታተሉ።
ባችለር
እዚ ስልጠና ኣብ ዙርያ ሓደ ቴማ ዝወሃብ ሓፈሻዊ ስልጠና እዩ። እዚ ን3 ዓመት ይጸንሕ። ድሕሪ 3 ዓመት ድማ ባችለር ዝብል ስም ክወሃበካ እዩ።
ማስተርስ
ባችለር ድሕሪ ምርካብካ፣ ማስተርስ ዲግሪ ንምርካብ ገና ካብ 1 ክሳብ 3 ዓመት ምምሃር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ስልጠና ናይ ሓደ ዝተወሰነ ዛዕባ ክኢላ ክትከውን ኢኻ።
ኣብነታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት
ስነ-ፍወሳ፣ በዚ ስልጠና ንኣብነት ሓኪም ክትከውን ትኽእል
ስነ-ኣእምሮ፣ በዚ ስልጠና ንኣብነት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ክትከውን ትኽእል
ሕጊ፣ በዚ ስልጠና ንኣብነት በዓል-ሞያ ሕጊ፣ ጠበቓ ወይ ዳኛ ክትከውን ትኽእል
ስነ-ህንጻ፣ በዚ ስልጠና ንኣብነት ክኢላ ንድፊ ህንጻ ክትከውን ትኽእል
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ እትመሃረሉ እዋን ሊቅ ስነ-ፍልጠት ወይ ተመራማሪ ንኽትከውን ኢኻ እትስልጥን። እዚ ማለት ሓደ ሞያ ንኽትመልኽ ኣይኮንካ እትስልጥን ማለት እዩ። ትምህርትኻ ምስ ወዳእካ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ሞያታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።