ዜናዕዳጋ
ክልተ ሰባት ምስ ፋይላት ኣብ ኣኼባ
ምንጪ፡ pexels / Christina Morillo
ሓበሬታ
ካብ ውሕስቲ መበቆል ሃገር ዝመጻእካ ምስ ትኸውን ቅልጡፍ መስርሕ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 21/5/2024 10:47 ቅ.ቀ.

ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ካብ ውሕስቲ ዝኾነት ሃገር እንተድኣ ኮይንካ መጺእኻ፣ ሕቶ ዑቕባኻ ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ክምስራሕ እዩ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኔዘርላንድ (IND) ንሕቶ ዑቕባኻ ንኽነጽጎ ድማ ዓቢይ ዕድል ኣሎ።

ዝርዝር ውሑሳት ዝኾና መበቆል ሃገራት

ውሑሳት መበቆል ሃገራት
መንግስቲ ኔዘርላንድ ውሑሳት ናይ ዝኾና መበቆል ሃገራት ዝርዝር ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ዝርዝር ድማ ክቕየር ይኽእል እዩ።

መበቆል ሃገርካ ኣብዚ ዝርዝር ትርከብ ድያ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ካብቶም

ፍሉያት ጉጅለታት
ኣይትምደብን ዲኻ? ስለዚ
IND
ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ ከካይዶ እዩ።

ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ

IND ብዛዕባኻ፣ ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ጉዕዞን ንምንታይ ከም ዝሃደምካን ዝምልከቱ ሕቶታት ይሓትት። ንስኻ መን ምዃንካን ስለምንታይ ከም ዝሃደምካን ብንጹር ንኽትገልጽ ድማ 1 ዕድል ትረክብ። ኣብታ ዝመጻእካላ ሃገር ንምንታይ ንዓኻ ብውልቂ ሓደጋ ዘጋጥመካ ምዃኑ ንIND ብዝርዝር ንገር። ከምኡ እውን ንምንታይ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ከም ዘድልየካ።

  • ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት፣ ነቲ ናይ ህድማ ታሪኽካ ዘረጋግጹ ሰነዳት ከም መርትዖ ናብ IND ከተረክብ ትኽእል ኢኻ። IND ሰነዳትካ ምስ ዝወስደልካ መረጋገጺ ብወረቐት ክትቕበል ኢኻ።

  • ኩሉ ግዜ ሓቀኛ ስምካ ሃብ። ኣብ ናይ ሓሶት ወረቐት መንነት ዝርከብ ስም ኣይትሃብ። ኣብ እዋን ህድማ ቅጽል ስም እንተድኣ ተጠቒምካ ንIND ንገር። IND ወረቓቕትኻ ሓቀኛ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ክምርምር እዩ። ብዛዕባ መንነትካ እንተድኣ ሓሲኻ፣ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ጎዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ሓደ-ሓደ ግዜ ብዛዕባ ህድማኻ ንኽትዛረብ ኣጸጋሚ እዩ። ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ክትዛረብ እንተድኣ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብካዮ ብዛዕብኡ ብንጹር ንIND ንገር። ንሓደ ነገር ደጊም ዘይትዝክሮ እንተድኣ ኮይንካ እውን።

  • ምስ ህድማኻ ዝተኣሳሰሩ በሰላታት ወይ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ነቲ ሰራሕተኛ ናይ IND ንገሮ። IND ሕክምናዊ መርመራ ንኽትረክብ ከቕርበልካ ይኽእል እዩ።

  • እንተደሊኻ ልክዕ ከም ናትካ ጾታ ብዘለዎም ኣተርጓሚን ሰራሕተኛ ናይ INDን ቃለ-መሕትት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  • እንተደሊኻ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ

    VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
    ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ምሳኻ ክህሉው ይኽእል እዩ።

  • IND ናይቲ ቃለ-መሕትት ጸብጻብ ከዳሉው እዩ። ድሕሪ እቲ ቃለ-መሕትት ንስኻን ጠበቓኻን ብዛዕባ እቲ ናይ IND ጸብጻብ ትዘራረቡ። ኣብቲ ናይ IND ጸብጻብ ሓበሬታ እንተድኣ ጎዲሉ ወይ ቅኑዕ ምስ ዘይከውን ንጠበቓኻ ንገር።

IND 1ይ ውሳኔ ይወስድ

IND ኣብቶም ቃለ-መሕትታት፣ ሰነዳትካን ካልኦት መርትዖታትን ምርኲስ ብምግባር ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ 1ይ ውሳኔ ክህብ እዩ። 3 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡ ምጽዳቕ፣ ምንጻግ ወይ ተወሳኺ ግዜ የድልይ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ምስ ዝህልዎ እትህቦ መልሲ

ብዛዕባ እቲ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ፣ ጠበቓኻ ብደብዳቤ ንIND መልሲ ንኽህብ 1 መዓልቲ ኣለዎ። እዚ ደብዳቤ 'ርእይቶ' ይበሃል። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ርእይቶ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ ዘኸትሎ ሳዕቤናት

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺጉዎ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።

ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)
ድማ ብዛዕባ ምምላስካ ብዝምልከት ምሳኻ ክዘራረብ እዩ። 

ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል
ኣብዚ ገጽ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽግዎ ብዛዕባ ኣንጻር IND ይግባይ ምባል ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?