ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ስደተኛታት ዝምዝገብሉ ነቚጣ
ምንጪ፡ IND
ዓንቀጽ

ኣብ ተር ኣፐል ትምዝገብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/5/2025 2:13 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ገጠር ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ትምዝገብ። ኣብዚ ዑቕባ ንምርካብ ናብ IND ተመልክት፣ ፖሊስ ኔዘርላንድ ድማ ንመመልከቲኻ ክምዝግቦ እዩ።

ኣብ IND ተመዝገብ

ኣብ ተር ኣፐል ምስ ኣተኻ፣ ኣብ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ክትምዝገብ ኣለካ። IND ድማ ነዚኦም ዝስዕቡ ይሓተካ፡

  • ስምካ 

  • ዕለት ልደትካ

  • መቦቆል ሃገርካ

  • ኣየኖት ኣባላት ስድራ-ቤት ምሳኻ ከምዝተጓዕዙ

  • ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ

  • ንምንታይ ከምዝሃደምካ

ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብዚ ደብዳቤ ድማ ዘመልከትካሉ ዕለት ተጠቒሱ ይርከብ።

ገና ናብ ፖሊስ እንተድኣ ዘይበጻሕካ ኮይንካ ናብ VluchtelingenWerk ሓብር

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ምዝገባኻ ኣብ INDን ምስ ፖሊስ ዝግበር ዝርርብን ግዜ ይወስድ እዩ። ገና ናብ ፖሊስ ኣይከድካን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ተር ኣፐል ወይ ቡደል ናብ ፖሊስ ንኽትከይድ ቆጸራ የብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ

VluchtelingenWerk
ኪድ። ኣብቲ መዕቆቢ ቦታኻ ቤት-ጽሕፈት ኣለዎም። ሰራሕተኛታት ናይ VWN ገና ንምዝገባ ትጽበይ ከምዘለኻን ክምዝግቡኻ ከምዘለዎምን ንፖሊስ ክሕብሩ ይኽእሉ እዮም። 

ሓደ ሓደ ግዜ እኹል መዕቆቢ ቦታታት የለን

ኣብ ተር ኣፐል እውን ሓደ ሓደ ግዜ እኹል መዕቆቢ የለን። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕ ምዝገባኻ፣ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ

ግዝያዊ መዕቆቢ
ክትውሰድ ኢኻ። ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት፣ ኣብዚ ብርክት ንዝበሉ ሳምንታት ክትጸንሕ ኢኻ። ተራኻ ምስ በጽሐ ድማ መስርሕ ምዝገባኻ ንምዝዛም ናብ ተር ኣፐል ወይ ቡደል ክትውሰድ ኢኻ።

ኣብ ተር ኣፐል ዝግበር ምዝገባ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ

INDን ፖሊስን ንዓኻ ቅድሚ ምምዝጋቦም ነዊሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ኣእቱው። INDን ፖሊስን ኣዝዩ ጻዕቂ ስራሕ ኣለዎም። ክልቲኦን ውድባት ንብዝሒ ሕቶታት ዑቕባ ንምምስራሕ እኹላት ሰራሕተኛታት የብሎምን፣ ስለዚ ድማ መስርሕ ምዝገባ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር