ምንጪ፡ Google images
ዓንቀጽ

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/26/2026 15:39

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺግዎ ድዩ? ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ይግባይ እንታይ ማለት ምዃኑ፣ ስለምንታይ ምስ ጠበቓኻ ቀልጢፍካ ርክብ ክትገብር ከም ዘለካን፣ ዳኛ እንታይ ክውስን ከም ዝኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከተንብብ ኢኻ።

ብዛዕባ እቲ ውሳነ ቀልጢፍካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ

ብዛዕባ ናይ

ውሳነ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ኣብቲ ካብ IND ዝተቐበልካዮ ደብዳቤ፣ ይግባይ ክትብል ክንደይ ግዜ ከም ዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ።

ኣብቲ ስሩዕ መስርሕ ዑቕባ፣ ይግባይ ንኸተቕርብ መብዛሕትኡ ግዜ 2 ሳምንታት ኣለካ። ኣብቲ ቅልጡፍ መስርሕ ዑቕባ መብዛሕትኡ ግዜ 1 ሰሙን ኣለካ። ንኣብነት IND ኔዘርላንድ ንመመልከቲ ዑቕባኻ ከተመስርሖ ከም ዘይትግደድ እንተድኣ ኣሚኑ። እዚ ድማ 'መስርሕ ተቐባልነት' ይበሃል።

ስለዚ ክንደይ ግዜ ከም ዘለካ ንምርኣይ ኩሉ ግዜ ነቲ ካብ IND ዝመጸ ደብዳቤ ብጥንቃቐ መርምሮ። ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ጠበቓኻ ደውል፣ ወይ ብኢ-መይል መልእኽቲ ስደደሉ።

ጠበቓኻ ዳኛ ነቲ ውሳነ ክምርምሮ ክሓትት ይኽእል እዩ

ይግባይ ምቕራብ ማለት ዳኛ ንውሳነ ናይ IND ንኽግምግሞ ምሕታት ማለት እዩ። እዚ ክትገብር ትደሊ ምዃንካን ዘይምዃንካን ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ጠበቓኻ ነዚ ከዋድደልካ ይኽእል እዩ።

እቲ ዳኛ፣ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብግቡእ ዘካየዶ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምር። እቲ ዳኛ IND ነቲ ውሳነ ብግቡእ መብርሂ ዝሃበሉን፣ ብምቕጻል ድማ ብመሰረት ሕጊ ዝወሰዶ ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን ይምርምር።

ሓደ ሓደ ግዜ ውሳነ ናይ ዳኛ እናተጸበኻ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ይፍቀደልካ እዩ። እዚ ኣብ ኩነታትካን መስርሕካን እዩ ዝምርኮስ። ኣብ እዋን ይግባይ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንጠበቓኻ ሕተት።

ዳኛ እቲ ዘቕረብካዮ ይግባይ ‘ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ’ ማለት ቅቡል ኢሉ ድዩ ወሲኑ? ስለዚ እቲ ዳኛ ሓቅነት ከምዘለካ ውሳነ ይህብ። ብድሕሪኡ IND መብዛሕትኡ ግዜ ንጉዳይካ እንደገና ክምርምሮ ወይ ሓድሽ ውሳነ ክወስድ ኣለዎ።

ዳኛ እቲ ዘቕረብካዮ ይግባይ ‘ጽቡቕ መሰረት ዘይብሉ’ ማለት ዘይቅቡል ኢሉ ድዩ ወሲኑ? ስለዚ እቲ ዳኛ ሓቅነት ዘለካ ምዃንካ ውሳነ ኣይህብን እዩ። ሽዕኡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ IND ውሳነ ይጸንዕ።

ብዛዕባ እቲ ውሳነ ኩሉ ግዜ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ጠበቓኻ እቲ ውሳነ እንታይ ማለት ምዃኑን፣ ቀጺልካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ክገልጸልካ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ላዕለዋይ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ

ምስቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ስለዚ ጠበቓኻ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ

ከቕርብ ይኽእል እዩ። IND እውን ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ክገብር ይኽእል እዩ።

ቤት-ምኽሪ መንግስቲ፣ እቲ ቤት-ፍርዲ ቅኑዕ ውሳነ ዝሃበ ምኻኑን ዘይምዃኑን ይምርምር። ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ዑቕባ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ እዩ። ድሕሪ ውሳነ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።

ውሳነ ናይ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ኩሉ ግዜ ኣይፍቀደልካን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ጠበቓኻ ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ንዳኛ ክሓትት ኣለዎ። እዚ ድማ መባእታዊ ትእዛዝ ይበሃል።

ኣብ ጉዳይ ዑቕባ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ምቕራብ ብነጻ እዩ። ምጥራዝ ንምክልኻል ዝውሰድ ግዝያዊ ትእዛዝ እውን ብነጻ እዩ። ኣብ ኩነታትካ ይግባይ ንምቕራብ ገንዘብ ምኽፋል ዘድሊ ምዃንኑን ዘይምዃኑን ንጠበቓኻ ሕተት።

ብዛዕባ ካልኦት ኣማራጺታት ምስ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk ተዘራረብ

ይግባይካ እንተድኣ ዘይተዓዊቱ፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምስ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk ተዘራረብ።

ሓደ ሓደ ግዜ ካልኦት ተኽእሎታት እውን ኣለዉ። ንኣብነት ምምላስ፣ ወይ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራብ፣ ሓድሽ ሓቅታት ወይ ኩነታት ምስ ዝህሉ ጥራይ። ኩሉ ግዜ ሓድሽ መመልከቲ ቅድሚ ምቕራብካ ምኽሪ ሕተት።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር