ምንጪ፡ Pheelings media | Shutterstock
ዓንቀጽ

IND ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ውሳኔ ይወስድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/22/2026 08:24

IND ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ውሳነ ዝህብ ምሳኻ ብዝገበሮ ቃለ መሕትትን ዘቕረብካዮም ሰነዳትን ከምኡ እውን ብናይ ገዛእ ርእሱ መርመራን ሓበሬታን መሰረት እዩ።

ክወስዶም ዝኽእል 3 ውሳኔታት ኣለዉ፡ 

  • IND ውሳነ ቅድሚ ምሃቡ ተወሳኺ መርመራ ዘድልይ ኮይኑ ይረኽቦ። ስለዚ ድሕሪኡ ብምቕጻል

    ንመመልከቲኻ ኣብቲ ዘይቅልጡፍ መስርሕ ዑቕባ ከመስርሖ እዩ። ናብ ካልእ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ድማ ትሰጋገር።  

  • IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ይነጽጎ። ስለዚ ኣሉታዊ ውሳኔ ትቅበል፣ ካብ ኔዘርላንድ ድማ ክትወጽእ ኣለካ። ጠበቓኻ ገና ኣብ ክንዳኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ። ሽዕኡ ቤት-ፍርዲ፣ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከምቲ ሕጊ ኔዘርላንድ ዝጠልቦ ብግቡእ ዘመስርሖ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንውሳኔ ቤት-ፍርዲ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበን፣ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ምንባር ክትቅጽልን ትኽእል ኢኻ።

    • ቤት-ፍርዲ ምስ ውሳኔ ናይ IND ይሰማማዕ ድዩ?  

      ስለዚ ብቕጽበት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ። ደጊም መዕቆቢ ክትረክብ መሰል የብልካን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይ ምእታው እገዳ ይግበረልካ። እዚ ማለት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምውጻእካ ደጊም ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትኣቱው ኣይፍቀደልካን ማለት እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ድማ ናብ ሓደ ማእከል መዕቆቢ ትግዕዝ።  

    • ቤት-ፍርዲ ምስ ውሳኔ ናይ IND ኣይሰማማዕን ድዩ?  

      ስለዚ IND ንመመልከቲኻ ብኻልእ መስርሕ እውን ከመስርሖ እዩ። ናብ ካልእ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ትሰጋገር፣ ከምኡ እውን IND ሓድሽ ውሳኔ ይወስድ።  

  • IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ። ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ድማ ይፍቀልደካ።  

    ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳበ ክመጸካ እዩ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ካብታ ዑቕባ ዘመልከትካላ ዕለት ጀሚሩ ን3 ዓመት ዝጸንሕ እዩ። ድሕሪ 3 ዓመት መንበሪ ፍቓድካ ከተሐድሶ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ውን ን3 ዓመት።



እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር