
IND ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ምውሳን ኣዝዩ እንተድኣ ደንጒዩ ከምዚ ክትገብር ትኽእል
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብዛዕባ መመልከቲኻ ኣብ እዋኑ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። እዚ እንተድኣ ዘይገበረ፣ IND ሕጂ እውን ገና ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓት ትኽእል ኢኻ። እዚ "ምሃብ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ" ይበሃል።
ሕጂ IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ግዜ ኣለዎ
IND ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ንኽውስን ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ከምዘለዎ ኣብ ሕጊ ተጠቒሱ ይርከብ። ይኹን እምበር IND ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከምኡ ንምግባር ኣይሰለጦን። IND ከመስርሖም ካብ ዝኽእል ንላዕሊ መመልከቲታት ኣለዉ። ከም ውጽኢቱ ድማ መስርሕ ዑቕባ ክሳብ ዝጅምር ቀጻሊ ነዊሕ ግዜ ይወስድ ኣሎ። እቲ ናይ ምጽባይ ግዜታት ድማ ቀጻሊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
IND ኣድላዪ ክሳብ ዝኾነ ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ንምውሳን 9 ኣዋርሕ ተወሳኺ ግዜ ከም ዝተዋህቦ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣብ መወዳእታ 2023 ወሲኑ ኣሎ። IND ሕጂ በዚ ምኽንያት 15 ኣዋርሕ ኣለዎ። ከምኡ እውን ኣብ ፍሉይ ኩነታት IND ነዚ ገደብ-ግዜ እዚ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ብ3 ኣዋርሕ ከናውሖ እውን ይኽእል እዩ።
ብዝኾነ IND ውሳኔ ንኽህብ ብወግዒ ሕተቶ
ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ምሃብ ተመራጺ ድዩ ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ኣብ VluchtelingenWerk ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ተመያየጥ። ኣብዚ ታሕቲ ኣብ ዝርከብ መተሓላለፊ ሊንክ ንዘሎ ቅጥዒ ተጠቒምካ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትልእኾ ትኽእል ኢኻ፡
Immigratie- en Naturalisatiedienst Postbus 14 9560 AA TER APEL
ነቲ ናትካ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ድሕሪ ምቕባሉ፣ IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ንኽወስድ 2 ሳምንታት ኣለዎ።
IND ሕጂ እውን ገና ውሳኔ ዘይሃበ እንተድኣ ኮይኑ ከምዚ ክትገብር ትኽእል
IND ንናትካ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ድሕሪ ምቕባሉ ገና ውሳኔ ኣይሃበን ድዩ? ስለዚ IND መቕጻዕቲ ንክኸፍለካ ግዴታ ኣለዎ። ከምኡ እውን ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።
ቤት-ፍርዲ ንስኻ ቅኑዕ ምህላውካ ምስ ዝውስን ከምዚ ይኸውን
ቤት-ፍርዲ ንስኻ ቅኑዕ ምህላውካ ምስ ዝውስን፣ IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ብቕልጡፍ ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ንኽገብር ቤት-ፍርዲ ንIND 2 ሳምንታት ይህቦ። IND ኣብዚ ገደብ-ግዜ እንተድኣ ዘይወሰነ፣ ብመሰረት እቲ ቤት-ፍርዲ ዝሰርዖ ገደብ-ግዜ ንነፍስወከፍ ዝደንጎየሉ መዓልቲ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ንክኸፍል ቤት-ፍርዲ ኣብ ልዕሊ IND ክብይን ይኽእል እዩ።
መጋባእያ እንተድኣ ዘይተኻይዱ፣ ቤት-ፍርዲ እቲ ናይ ይግባይ ምልክታ ድሕሪ ምቕባሉ ኣብ ውሽጢ 8 ሳምንታት ውሳኔ ይህብ። መጋባእያ እንተሃልዩ ግን፣ ቤት-ፍርዲ ድሕሪ እቲ መጋባእያ ኣብ ውሽጢ 6 ሳምንታት ውሳኔ ይህብ። ቤት-ፍርዲ ተወሳኺ ግዜ ዘድልዮ እንተድኣ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ክሕብረካ እዩ። እቲ ውሳኔ ድማ ናብ ኣድራሻኻ ክለኣኸልካ እዩ።