ምንጪ፡ E. Dronkert
ዓንቀጽ

ንህዝባዊ መጓዓዝያ ምኽፋል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/23/2026 13:14

ኣብ ኔዘርላንድ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ እትጎዓዘሉ እዋን ኩሉ ግዜ ብቚዕ ትኬት ከተርእይ ክትክእል ኣለካ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ

ዳርጋ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኔዘርላንድ ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ ክትጽዕነሉ እትኽእል ፍሉይ ካርድ እዩ። እቲ ኣብቲ ካርድ እትጽዕኖ ገንዘብ ድማ ሚዛን ሕሳብ ይበሃል።

ንጉዕዞኻ እትኸፍል ኣብቲ እትጥቀመሉ ዓይነት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብካርድኻ ብምእታውን ብምውጻእን እዩ። ኣብተን ናይ ትካል መጎዓዝያ ናይ መኽፈሊ ማሽናት ድማ ሚዛን ሕሳብካ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ሱፐርማርኬታት እውን።

2 ዓይነት ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ኣለዉ፡ ውልቃውን ስም-ኣልቦን። ኣብዚ ታሕቲ ነፍስ​​ወከፍ ካርድ እንታይ ማለት ምዃኑ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ

ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ እዞም ዝስዕቡ ውልቃዊ ሓበሬታታት ዝሓዘ እዩ፡

  • ስምካ

  • ዕለት ልደትካ

  • ጉርዲ ስእሊ

ብሽክለታ ናይ OV-fiets ንምክራይ ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ቺፕ ካርድ የድልየካ። ወይ ድማ ውዕል ወይ ጎደሎ ዋጋ ንኽትጽዕነሉ። ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ቺፕ ካርድ ካብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ናይ ባንክ ሕሳብ ክትገዝእ ኣለካ።

ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ምግዛእ

ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።

ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ

ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ፣ ስም ወይ ስእሊ የብሉን። ኣብ መደበር ባቡር ወይ ኣብ ሱፐርማርኬት ካብ ዝርከብ መሸጢ ማሽን ድማ ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ክትገዝእ ትኽእል።

ብልጫ ናይ ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ፣ ዝተፈላለዩ ሰባት ነቲ ስም-ኣልቦ ካርድ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ሓደ እዋን ክግበር ኣይክእልን እዩ። ምስ ሓያሎ ሰባት ዲኻ ትጓዓዝ? ስለዚ ነፍስወከፍ ሰብ ብናይ ባዕሉ ካርድ ክኣቱው ኣለዎ።

OV-pas ተጠቒምካ ክትጓዓዝ እውን ትኽእል ኢኻ

እቲ OV-pas

ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ካርድ እዩ። እዚ ካርድ ንOV-chipkaart እዩ ዝመስል፣ እንተኾነ ግን ካብኡ ብዝተፈልየ እዩ ዝሰርሕ። OV-pas ተጠቒምካ ብባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራምን ሜትሮን ክትጓዓዝ ትኽእል።

ብመንገዲ ናይ OVpay ኣካውንትካ ኣቢልካ ንOV-pas ገንዘብ ትጽዕኖ። ኣውቶማቲክ ክትጽዕኖ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ሚዛን ሕሳብካ ኣዝዩ ትሑት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብኣውቶማቲክ ክምላእ እዩ።

እቲ OV-pas ብናይ ባንክ ካርድኻ ክትጓዓዝ እንተድኣ ዘይደሊኻ ምቹእ እዩ። OV-pas ንምርካብ ብኢንተርነት ብመንገዲ OVpay ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነቲ ካርድ Primera ካብ ዝኣመሰሉ ድኳናት እውን ክትገዝኦ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ OVpay ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ነቲ OVpay፡ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት ኣብ ኔዘርላንድ ዝብል ዓንቀጽ ኣንብብ።

ካልኦት ኣማራጺታት ክፍሊት

ብተወሳኺ በዚ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ፡

ምእታውን ምውጻእን

ብኣውቶቡስ፣ ባቡር፣ ትራም ወይ ሜትሮ ትጓዓዝ እንተድኣ ኮይንካ፣ ቅድሚ ምእታውካ ኩሉ ግዜ ሓደ ነገር ክትገብር ኣለካ። ኣብ መእተዊ ኣብ ዝርከብ ማሽን ብቚዕ ካርድኻ ኣመዝጊብካ ክትኣቱው ኣለካ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ኣብ ዓንዲ ወይ ኣብ ኣፍደገ ኢኻ እትገብሮ። ከተመዝግቦ እንከለኻ ድማ ድምጺ ክትሰምዕ ኢኻ፣ ብድሕሪኡ ዕዉት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ መሳርሒ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ጉዕዞኻ ምስተወድአ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትመጽእ ኣለካ። ንካርድኻ እንደገና ኣብ ቅድሚ እቲ መሳርሒ ትሕዞ። ምውጻእካ ከተመዝግብ እንከለኻ ድምጺ ክትሰምዕ ኢኻ፣ ብድሕሪኡ ዕዉት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ መሳርሒ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ካልእ ትካል መጎዓዝያ ምስግጋር

ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ ክትሰጋገር ኣለካ። ናብ ካልእ መጎዓዝያ ትሰጋገር እንተድኣ ኮይንካ ድማ መጀመርታ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትወጽእ ኣለካ።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ክትጥቀመሉ እትደልዮ መጎዓዝያ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ምእታው ኣይትረስዕ። ኣመዝጊብካ እንተድኣ ዘይኣቲኻ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ። ብዘይ ብቚዕ ትኬት ትጓዓዝ ኣለኻ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ ክልኩል እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?