
ኑሪ ንሓደስቲ መጻእቲ ብዛዕባ ዋኒን ትካል ይመክር፡ "ኔዘርላንድ ናይ ወረቓቕቲ ሃገር እያ"
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ መደበር ባቡር ኣልካማር ኣብ ዝርከብ ፍጹም ሓድሽ ዝኾነ ኤርትራዊ ቤት-መግቢ፣ ኑሪን ናርዶስን ብኸመይ ኣብ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ትካል ክትጅምር ከም እትኽእል ብዝምልከት ይዛረቡ። ንባዕሉ ኣብ ኔዘርላንድ ትካል ዝጀመረ ኑሪ ድማ ንኤርትራዊት በዓልቲ ዋኒን ምኽሪ ይህብ።
"ሳላ Stichting Pangea ሕልመይ ጋህዲ ክገብሮ ክኢለ"
"እቲ ናይ ደገ ማዕጾ ብዙሕ ቀልጢፉ ከምዘይክፈት ግበርዮ" ኑሪ ናብቲ ሰንሰር እናኣመልከተ ንናርዶስ መኸራ። "እንተዘይኮይኑ ንኣጋይሽ ኣዝዩ ቚሪ ክኾኖም እዩ፣ ንመውዓዪ ድማ ብዙሕ ትኸፍሊ። ነዚ ከስተኻኽሎ ዝኽእል ሰብ እፈልጥ እየ።" ድሒሩ ድማ "ፍርያትኪ ኣብ ዝያዳ ጎሊሑ ክረኣየሉ ዝኽእል ቦታ ኣቐምጥዮ፣ ስለዚ ድማ ምናልባት ዝያዳ ክትሸጢ ትኽእሊ" ይብል።
ኑሪ ኣብ Stichting Pangea ከም ኣሰልጣኒ ንግዲ መጠን ንናርዶስ ትካል ኣብ ምምስራት ብዛዕባ ዘለዎ ተመኩሮ የካፍላ። ናብ መርበቡ ንኽትጽንበር ድማ ኣኽእሎ ይህባ። እዚ ትካል ግብረ-ሰናይ እዚ ቅድሚ 2 ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ባዕሉ ናይ ተምሪ ትካል ይጅምረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝሓገዞ እዩ። "ሳላኦም ሕጂ ኩሎም ዘድልዩ ምስክር ወረቓቕቲን ከም ዓማዊል ድማ ዓበይቲ ኩባንያታትን ኣለኒ።"
ኤርትራዊት ናርዶስ፡ "ንምኽሪ ናይ ኑሪ ክብሪ ኣለኒ። እቲ ትካል ግብረ-ሰናይ ኣብ ምቛም ቤት-መግበይ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ ምምሕዳራዊ ክፋል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ምልካይ ቀለምን ኣቑሑት ገዛን እውን። ሳላኦም እቲ ኣዝየ ዝደልዮ ዝነበርኩ ክገብር ክኢለ እየ። ሰባት ጥዑም መግቢ ከም ዘስተማቕሩ ምግባር ባህታ ዝፈጥረለይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኔዘርላንዳውያን ምስ ባህሊ ኤርትራ ንምልላይ እውን ብሉጽ መንገዲ እዩ ኢለ ይሓስብ።"
"ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ ወረቓቕቲ ዋላ ሓንቲ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ"
ኣብ የመን ዝተወልደ ኑሪ፣ ድሮ ኣብ AZC እንከሎ ንግዲ ንምጅማር ክውጥን ጀሚሩ። ስድርኡ ኣብ የመን ተምሪ እዮም ዝነግዱ፣ ኑሪ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ልክዕ ከምኡ ክገብር ደለየ።
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፣ ገና ኣብ መዕቆቢ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዛዕባ ዋኒን ትካል ትምህርቲ ተኸታቲሉ። ኣብኡ እውን ውጥን ንግዲ ጽሒፉ። መንበሪ ፍቓዱ ምስ ተቐበለ ድማ ኣብ
"ኣብ የመን ብኸመይ ናይ ባዕለይ ትካል ከም ዝጅምር እፈልጥ ነይረ እየ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ግን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ።" ንኣብነት ኑሪ ንፍርያትካ ዝኸውን መኽዘንን ቅኑዕ ምስክር ወረቓቕትን ኣለካ ድዩ ተባሂሉ ተሓቲቱ። "ኣብ የመን ንግዲ ምግባር ዝያዳ ምስ ስምዒትን ተመስጦን ዝተሓሓዝ እዩ። ኣብዚ ንኹሉ ኣብ ወረቐት ከተስፍሮ ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ርሑቕ ኣይትኸይድን ኢኻ።"
"ብኸመይ ከም ዝጀመርኩ ምልስ ኢለ ክሓስቦ እንከለኹ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ንግዲ ምጅማር ሒደት ኣፍልጦ እዩ ነይሩኒ። ኩሉ ነገር ንበይነይ እየ ገይረዮ፣ ዋላ ብጭቡጥ ግዜ ንዘይነበረኒ ነገራት እውን። ተልመዴን እየ ነይረ፣ ብዙሕ ናይ ጀማሪ ጌጋታት እውን ፈጺመ እየ። ግን ድማ ካብኡ እውን ብዙሕ ተማሂረ፣ ተስፋ ኸኣ ከይቆረጽኩን" ይብል ብኹርዓት።
"ካብ ናይ ምምሕዳር ከተማ ኮንታክትፐርሶንካ ደገፍ የድልየካ"
ናይ ናርዶስ ኮንታክትፐርሶን ኣብቲ ንግዲ ንምጅማር ዝነበራ ውጥን ብቐጥታ ደጊፍዋ። ምስ Stichting Pangea ድማ ኣተሓሒዞማ። እንተኾነ ግን ናይ ምምሕዳር ከተማ ኮንታክትፐርሶን ኩሉ ግዜ ክሳብ ክንድኡ ሓጋዚ ኣይኮነን ይብል ኑሪ። "ብሓቂ ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል እንተድኣ ደሊኻ፣ ክትነግሮ ጥራይ ዘይኮነስ ከተርእዮ እውን ኣለካ"።
"ኔዘርላንድ ናይ ወረቓቕቲ ሃገር እያ። ውጥን ንግዲ ኣዳሉው። ውጥን ባጀት ግበር። እንታይ ከም ዘድልየካን ነዚ ብኸመይ ክትበጽሖ ከም እትደልይን ኣርእይ። ሓደ ኮንታክትፐርሶን ዘለካ ዘይሕለል ጽንዓት ምስ ዝርእይ ብርግጽ ምሳኻ ብምዃን ኣብ ምሕሳብ ክሕግዘካ እዩ። ኣርእይ፡ ኣነ እዚ እየ ዝደልይ!"
ንስኻ እውን ናይ ባዕልኻ ትካል ክትጅምር እንተደሊኻ ምኽርታት ካብ ኑሪ
ኑሪ፣ ናይ ባዕሎም ንግዲ ክጅምሩ ንዝደልዩ ካልኦት ሰባት ዝኾኑ ገለ ኣገደስቲ ምኽርታት ኣለዎ፡
ቋንቋ ኔዘርላንድ ብግቡእ ተማሃር
"ቋንቋ ጽቡቕ ትዛረብ ምስ እትኸውን ብዙሕ ማዕጾታት ክኽፈተልካ እዩ። ዝነበረኒ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምስ ተመሓየሸ ትካላት ዝያዳ ብዕቱብ ክርእያኒ ከምዝጀመራ ኣስተብሂለ። ኣብ ክንዲ ንሳተን ክድግፋኒ ዘለወን ዝኾና፣ ኣነ ገለ ነገር ከበርክት ከም ዝኽእል ተገንዚበን።"
እኹል ግዜ ውሰድ
"ትካልካ ተሃዊኽካ ዘይምጅማር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ነገር ህድእ ኢልካ ምጽራይን፣ ጽቡቕ ውጥን ምግባርን ዝሓሸ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ ውጥንን መርትዖን ናብ ዝኾነ ቦታ ኣይትበጽሕን ኢኻ።"
ጌጋታት ንኸይትፍጽም ኣይትፍራሕ
"ጭርሖይ፡ ፈትን፣ ፈትን፣ ፈትን እዩ። ሓደስቲ ሕግታት ኣብ ዘለዋ ሓዳስ ሃገር ኢኻ ዘለኻ፣ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትጅምር ድማ ትፍትን ኣለኻ። ብርግጽ እዚ ብቕጽበት ፍጹም ኣበር ዘይብሉ ኣይከይድን እዩ። ጌጋታት ግበር፣ ካብኡ ተማሃር፣ ንገዛእ-ርእስኻ ድማ ኣማዕብል።"
መርበብ ህነጽ
"ቅኑዓት ሰባት ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ነገር ንበይንኻ ክትገብሮ ኣየድልየካን እዩ። ሓቂ ክንዛረብ እንተድኣ ኮይንና ድማ ብኸምኡ ኣይሰልጠካን እዩ። ስለዚ ስልጠናታት ተኸታተል፣ ካብ ካልኦት ሰብ ዋኒን ምኽሪ ሕተት፣ ከምኡ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ጽላት ምስ ዝነጥፉ ሰባት ተራኸብ"።
ምስ ኔዘርላንድ ዝሰማማዕ ሓሳብ ኣምጽእ
"ንዕዳጋ ኔዘርላንድ ኣጸቢቕካ ክትፈልጦን ምስኡ ዝሰማማዕ ትካል ክትጅምርን ኣለካ።"