ክልተ ሶርያውያን ኣወዳትን ሓደ ካብ የመንን ኣብ ሮተርዳም ኣብ ጎደና እናተዛረቡን እናሰሓቑን ይኸዱ
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland

ካብ ሶርያ ዝመጻእካ ምስ እትኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 4/4/2024 2:24 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ ሶርያ ዲኻ መጺእካ፣ ቅድሚ 1 ግንቦት 2023 ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ሓቲትካ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ካብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዝሓተትካዮ ዑቕባ ዝምልከት ደብዳቤ ክመጸካ ይኽእል እዩ።

IND ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ሶርያ ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ብዝቐልጠፈ የመስርሕ

ካብ ሶርያ ዲኻ መጺእካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ዑቕባ ሓቲትካ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ንኽትሳተፍ ዝዕድም ደብዳቤ ምናልባት ካብ IND ክመጸካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን IND ዝበዝሑ ካብ ሶርያ ብዝመጽኡ ሰባት ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ብዝቐልጠፈ የመስርሕ ኣሎ።

ነቲ ቅልጡፍ መስርሕ ዝምልከት ዕድመ ካብ IND እንተድኣ መጺኡካ ንኽትሳተፍ ግዴታ ኣለካ። ጠበቓኻ እውን ልክዕ ከም ናትካ ደብዳቤ ክቕበል እዩ። ኣብቲ ደብዳቤ መዓስን ኣበይን ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ IND ዝርርብ ከምዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ። ነዚ ዝርርብ ንምግባር ድማ ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ትዳለው።

ሽዕኡ ምናልባት ኣብ መዕቆቢ ቦታኻ ሓጺር ቃለ-መሕትት ክትገብር ኢኻ

ካብ ሶርያ ዝመጻእካ እንተድኣ ኮይንካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ዕድልካ ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እዋን ውሕስቲ ካብ ዘይኮነት ሃገር ዝመጻእካ ስለ ዝኾንካ። ስለዚ IND ብዛዕባ ምኽንያታት ሕቶ ዑቕባኻ ዝሓጸረ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ክዕድመካ ይኽእል እዩ። IND ንኸምዚ ዝበለ ዝርርብ ቃለ-መሕትት ኢሉ ይጽውዖ። ብድሕሪኡ IND ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ውሳኔ ክህብ እዩ።

ሰራሕተኛታት ናይ IND ምሳኻ ቃለ-መሕትት ንምግባር ናብ መዕቆቢኻ ዝመጽኡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ IND ምኻድ ኣየድልየካን እዩ።

ኩሉ ካብ ሶርያ ዝመጽአ ሰብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ኣይረክብን እዩ

ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ምስ IND ድማ ገና 1ይ ቃለ-መሕትትካ ኣይገበርካን ዲኻ? ስለዚ IND ዝተጸንበረ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ክዕድመካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ሽዕኡ 1ይን 2ይን ቃለ-መሕትትካ ኣብ ሓደ ግዜ ይፍጸም። እዚኦም ዝርርባት “ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት” ከምኡ እውን “ተወሳኺ ቃለ-መሕትት” ይበሃሉ። ኣብቲ ምናልባት ከመጽኣካ ዝኽእል ዕድመ፣ ብዛዕባ ዝተጸንበረ ቃለ-መሕትትካ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ተጠቐሱ ይርከብ።

ካብ ሶርያ ዲኻ መጺእካ፣ ግን ድማ ኣይተዓደምካን ዲኻ? IND ንኹሉ ካብ ሶርያ ዝመጽአ ሰብ ነዚ ቅልጡፍ መስርሕ ዑቕባ ንምግባር ኣይዕድምን እዩ። ቕልጡፍ መስርሕ ንምግባር መን ከምዝዕደምን ከምዘይዕደምን ንጹር ኣይኮነን።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?