• ጀምር
  • ብናይ 1 ዓመት W-document ወለንታዊ ስራሕ ምድላይ
ክልተ ሰባት ኣብ ናይ ተሳትፎ ሰደቓ ሰሌዳ ደው ኢሎም።
ምንጪ፡ Nino van den IJssel / COA

ብናይ 1 ዓመት W-document ወለንታዊ ስራሕ ምድላይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/5/2024 9:07 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ 1 ዓመት W-document ኣለካ ድዩ፣ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ድማ ትደልይ ዲኻ? ኣበይ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትኽእልን፣ ብኸመይ ወለንታዊ ስራሕ ከም እትረክብን ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብዚኦም ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ኮማዊ ማእከል፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ። ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ወይ ኣብ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ንዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራጺታት ክትሓትት ድማ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ሰደቓ ተሳትፎ 'Meedoenbalie' ክትከይድ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ COA ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከባ ናይ ወለንተኛታት ውድባት ብምትሕብባር (ወለንታዊ) ስራሕ ዘቕርበሉ ሰደቓ እዩ። ኣብ 40 ናይ COA መዕቆቢ ቦታታት ድማ ናይ ተሳትፎ ሰደቓ ኣሎ። መዕቆቢ ቦታኻ እውን ከምዚ ዓይነት ሰደቓ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንሰራሕተኛ ናይ COA ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መዕቆቢ እውን ወለንታዊ ስራሕ ይከኣል እዩ

ኣብ ናይ COA መዕቆቢ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንህንጻታት ወይ ጀርዲን ኣብ ምጽራይን ምክንኻንን ብምሕጋዝ። ወይ ኣብ ምትርጓም ብምሕጋዝ። ነዚ ስራሕ ኣብ ሰሙን እንተበዝሐ ን25 ሰዓታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ዝለዓለ ገደብ ክፍሊት €14 ኣብ ሰሙን ድማ ትረክብ። ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ካብ ሰደቓ ሓበሬታ ናይ COA ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ብናይ 1 ዓመት W-document ወለንታዊ ስራሕ ምስራሕ