LHBTI ሰባት ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ኣድልዎ፣ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ድሮ 'Roze in Blauw' ዝኾና ውድባት ድማ ክሕግዛ ይኽእላ እየን።
ምንጪ፡ Veiligheid voor lbhtqia+-personen
ዓንቀጽ

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/25/2025 12:50 ድ.ቀ.

ኣብ መዕቆቢ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ኣድልዎ፣ ምጒብዕባዕ፣ ምፍርራሕ ወይ ጎነጽ ከጋጥመካ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብኻልኦት ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ቦታ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ። እዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ባህሪ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ናብ ፖሊስ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።

ደገፍ ንምርካብ ናብዚ ክትከይድ ትኽእል

ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ውሕስነት ዘይብልካ ኮይኑ ይስምዓካ ድዩ? ብኻልኦት ነበርቲ ምድሃል፣ ምፍርራሕ፣ ምጒብዕባዕ፣ ወይ መጥቃዕቲ የጋጥመካ ድዩ? ስለዚ ኣብ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
፣ ወይ ኣብ
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ (VWN)
ናብ ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ኪድ፣ ከምኡ እውን ውሕስነት ዘይስምዓካ ምዃኑን፣ ገለ ነገር ከየጋጥመካ ከም እትፈርሕን ንገሮም። እንታይ ክገብሩልካ ከም ዝኽእሉ ድማ ምስኣቶም ተዘራረብ።

ብፍላይ ድሮ ንውሕ ዝበለ እዋን ውሕስነት ዘይስምዓካ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ከበድቲ ፍጻመታት እውን ምስ ጠበቓኻ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ድማ ንሱ ናብ ካልእ ቦታ ንኽትምደብ ክሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።

ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትሕብር እውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ፖሊስ ብኢንተርነት፣ ወይ ብቁጽሪ ተሌፎን 0900 - 8844 ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ናብ ፖሊስ ጥርዓን እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ ፖሊስ ነቲ ፈጻሚ ብሕጊ ንኽቐጽዖ ትሓትት ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ዝከኣል እቲ ገበን ስርቂ፣ ብኢንተርነት ዝተፈጸመ ምትላል፣ መጥቃዕቲ፣ ምፍርራሕ፣ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ኣብ ገሊኦም ኩነታት፡ ንኣብነት ኣብ መጻኢ ገለ ነገር ከየጋጥመካ ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናብ ፖሊስ ክትሕብር እውን ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክከታተሎ ይኽእል። ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ገበን ክትሕብር እንተድኣ ደሊኻ፣ ምስ COA ወይ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ተመያየጥ። ንበይንኻ ናብ ፖሊስ ክትከይድ ዘይትመርጽ እንተድኣ ኮይንካ ድማ፣ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ እንተኾኑ ሕተት።

LHBTI እንተድኣ ኮይንካ LGBT Asylum Support ክድግፈካ ይኽእል እዩ

LHBTI ዲኻ፣ ከምኡ እውን COA ወይ VWN እኹል ደገፍ ክህቡ ኣይከኣሉን ድዮም? ስለዚ ክትውከሶም እትኽእል ናይ LHBTQIA+ ውድባት እውን ኣለዉ። ብዛዕባ ኣድልዎ ህጹጽ ሓገዝ ክትረክብ፣ ወይ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብ እንተድኣ ደሊኻ፣ ምስ LGBT Asylum Support ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ

። ንሳቶም ክድግፉኻን፣ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ምስ COA ወይ ካልኦት ውድባት ክዘራረቡን ይኽእሉ እዮም።

LHBTI ከም ምዃንካ መጠን ምስ 'Roze in Blauw' ርክብ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ

Roze in Blauw

ኣብ ውሽጢ ፖሊስ ዝርከብ LHBTQIA+ ንዝኾኑ ሰባት ዝኸውን ፍሉይ ጉጅለ እዩ። ኣድልዎ፣ ወይ ኣብ እዋን ናይ ዕርክነት ቆጸራ ምዕማጽ ወይ ንኽትቃላዕ ምፍርራሕ ዝኣመሰሉ ካልኦት ጸገማት ኣጋጢሙካ ድዩ? ስለዚ ንኣታቶም ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ። ኣባላት ፖሊስ Roze in Blauw ክሰምዑኻ እዮም፣ ጥርዓን ኣብ ምቕራብ ወይ ኣብ ምሕባር ድማ ክሽምግሉኻን ክድግፉኻን እዮም። ብቁጽሪ ተሌፎን (088) 169 12 34 ናብ Roze in Blauw ደውል፣ ወይ ድማ ናብ rozeinblauw@politie.nl ኢ-መይል ለኣኽ።

ኣብ ሓደጋ ዘለኻ ምስ እትኸውን ኩሉ ግዜ 112 ብምድዋል ርክብ ግበር

ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተሃሊኻ ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውል። 112 ኣብ ኔዘርላንድ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት እዩ። ምስ እትድውል ብኡንብኡ ምስ ኣባል ማእከል ህጹጽ-ምላሽ ክትዛረብ ኢኻ። እዚ ኣበይ ከምዘለኻን፣ ምስ ኣምቡላንስ፣ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ወይ ፖሊስ ክትዛረብ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክሓተካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቅኑዕ ሓገዝ ከም እትረክብ ንምርግጋጽ ገለ ተወሰኽቲ ሕቶታት ክትምልስ ኣለካ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር