ምንጪ፡ Shutterstock
ዓንቀጽ

ጠበቓ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ነዚ ይገብረልካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 3/19/2025 10:20 ቅ.ቀ.

ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ ብነጻ ጠበቓ ክረክብ መሰል ኣለዎ። እዚ ጠበቓ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክሕግዘካን ሕጋዊ ምኽሪ ክህበካን እዩ። ጠበቓኻ መሰላትካ ከም ዝሕሎ ከረጋግጽ እውን እዩ።

መስርሕ ዑቕባ ብወግዒ ምስ ጀመረ ጠበቓ ክምደበልካ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ብኣውቶማቲክ ካብ

ብነጻ ጠበቓ ክትረክብ ኢኻ። ባዕልኻ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ። መስርሕ ዑቕባኻ ብወግዒ ቅድሚ ምጅማሩ ንመጀመርታ ግዜ ነዚ ጠበቓ ክትረኽቦ ኢኻ። መስርሕ ዑቕባኻ ድማ ምስ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) 2ይ ቃለ-መሕትት ኣብ እትገብረሉ እዋን እዩ ዝጅምር። 

ጠበቓኻ ምስ

ንእትገብሮ ን2ይ ቃለ-መሕትት ክረኽበካ እዩ። ሽዑኡ እቲ ጠበቓ ውልቃዊ ዝርርብ ከዳልወልካ እዩ። እዚ ኣብ መዕቆቢኻ ወይ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ወይ ኣብ ማእከል ምዝገባ ዝርከብ ክፍሊ ዝኣመሰለ ካልእ ቦታ ዝካየድ ክኸውን ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ዝርርብ ብተሌፎን ወይ ብኢንተርነት ኢኻ እትገብሮ። ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ድማ ነቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ትዳለው። ምእንቲ ነንሓድሕድኩም ክትረዳድኡን፣ እቲ ጠበቓ ናይ ህድማ ታሪኽካ ብንጹር ክርድኦን ድማ ኣብ ቆጸራኹም ኩሉ ግዜ ኣተርጓሚ ኣሎ።     

ጠበቓኻ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ መሰላትካ ይሕሉ

ጠበቓኻ ንዓኻ ንምሕጋዝ እዩ ኣብ ጎንኻ ዘሎ፣ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ድማ መሰላትካ ይሕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ጠበቓታት ካብ መንግስቲ ገለልተኛ እዮም። እዚ ማለት እቲ ጠበቓ ንዓኻ ንኽሕግዘካ ደኣ እዩ ዝከኣሎ ዝገብር እምበር ንመንግስቲ ኣይኮነን ማለት እዩ። ጠበቓ ብዛዕባ ጉዳይካ ሓበሬታ ንIND ከካፍል ዝኽእል ድማ ብዛዕባ እዚ ፍቓድ እንተድኣ ሂብካ ጥራይ እዩ።

ጠበቓ ቅድሚ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት እዚ ክገብረልካ እዩ

ምስ IND 2ይ ቃለ-መሕትት ቅድሚ ምግባርካ ጠበቓ ነዚ ዝስዕብ ክገብረልካ እዩ፡ 

ጠበቓ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ነዚ ይገብረልካ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ጠበቓ ነዚ ክገብረልካ እዩ፡ 

ጠበቓ ካባኻ እዚ ይጽበይ

እቲ ጠበቓ ካባኻ ብርክት ዝበሉ ነገራት እውን ይጽበይ እዩ፣ ንሳቶም ድማ፡

ንጠበቓኻ ክንደይ ግዜ ትረኽቦ ወይ ተዘራርቦ

ንጠበቓኻ እንተወሓደ 3 ግዜ ክትረኽቦ ኢኻ፣ ማለት ቅድሚ ምስ IND እትገብሮ 2ይ ቃለ-መሕትት፣ ድሕሪ ምስ IND እትገብሮ 2ይ ቃለ-መሕትትን፣ IND ውሳኔ ምስ ሃበን። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ጠበቓ ብብዝሒ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ መስርሕ ዑቕባኻ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ኣብ ምዃኑ እዩ ዝምርኮስ።  

ናብ ጠበቓ ንምጒዓዝ፣ ካብ

ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ (OV) ናይ መዓልቲ ትኬት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። በዚ ናይ መዓልቲ ትኬት ብነጻ ናብ ጠበቓኻ ክትጎዓዝ ትኽእል ኢኻ። ካብን ናብን መዕቆቢኻ ክትጎዓዝ እንከለኻ ድማ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ትኬት የድልየካ። 

ብጠበቓኻ እንተድኣ ዘይዓጊብካ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ

ጠበቓኻ ስርሑ ብግቡእ ዘይሰርሐ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ጠበቓ ብሰንኪ ዝገበሮ ሸለልትነት፣ ወይ ኣብ ጉዳይካ መልሲ ስለ ዘይሃበ፣ ወይ ድማ ደንጉዩ መልሲ ስለ ዝሃበ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ዝተነጽገ እንተመሲሉካ። ብዛዕባ እዚ ምስ ጠበቓኻ ምዝርራብ ጽቡቕ እዩ። ምስ ጠበቓኻ ድሕሪ ምዝርራብካ ገና ስርሑ ብግቡእ ኣይሰርሐን ኢልካ ትሓስብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ (VWN) ድማ ጥርዓን ንምቕራብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር