ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል
ምንጪ፡ John Gomez / Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/4/2025 9:20 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ይኽእል እዩ፣ ዋላ ገና ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ብኸመይ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እትገብር ግን መንግስቲ ቅድመ-ኩነታት ከቐምጥ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።

ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ሰላማዊ ተቓውሞ ከተስምዕ ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር እዩ ዝካየድ። ብጽሑፍ እውን ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። 

ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊታት ጎነጽ ክጥቀሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ሰልፈኛታት ብዛዕባ ካልኦት ሰባት፣ መበቆሎም፣ ዓሌቶም ወይ ሃይማኖቶም ጽልኢ ክገልጹ እውን ኣይፍቀደሎምን። ልክዕ ከም ጽልእን ጎነጽን ኣድልዎ ምግባር እውን ኣይፍቀድን እዩ። እዚ እንተድኣ ኣጋጢሙ ግን መንግስቲ ነቲ ሰልፊ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። 

ኣብዚ ታሕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብረሎም እትኽእል ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክተርእይ ትኽእል ኢኻ፡  

ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊታት

ናይ ጽሑፍ ተቓውሞ፡ ኣቤቱታ

ገሊኦም ኣገባባት ሰልፊ ብሕጊ ዘቕጽዑ እዮም

ሰልፊ ክትገብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ

ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር እንተድኣ ደሊኻ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዚኡ ናብቲ ሰልፊ ትገብረሉ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ። ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ከም እትደልይ

ንከንቲባ
ትሕብር፣ እዚ ‘መፍለጢ' ይበሃል። እዚ ድማ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ወይ ናብ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ብምኻድ ክግበር ይከኣል። 

እቲ ከንቲባ ንኣብነት እቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ቦታ ክቕይር ይኽእል እዩ። ብድሕነት ምኽንያት ናይቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ግዜ እውን ክቕይር ይኽእል እዩ። ንትሕዝቶ ናይቲ ሰልፊ ክቕይር ግን ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እዚ ሰልፊ እንተድኣ ዘይሓቢርካ፣ ከንቲባ ነቲ ሰልፊ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ጣልቃ ክኣቱው ይኽእል እዩ፡  

  • ናይ ሰልፈኛታት ወይ ሓለፍቲ መንገዲ ድሕነትን ጥዕናን ኣብ ሓደጋ እንተድኣ ወዲቑ፤ 

  • እቲ ሰልፊ ኣብ ትራፊክ ጸገም እንተድኣ ፈጢሩ፤  

  • ናዕቢ፣ ጎነጽ ወይ ገበናዊ ተግባራት ክፍጸሙ ትጽቢት ምስ ዝህሉው። 

መንግስቲ ኔዘርላንድ ንሰልፈኛታት ክከላኸለሎም ኣለዎ

መንግስቲ ኔዘርላንድ ንተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክከላኸለሎም ኣለዎ። ንኣብነት ኣንጻሮም ተቓወምቲ ምስ ዝህልዉ፣ ወይ ድማ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ናይ ጽልኢ ግብረ-መልሲ እንተሃልዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣብ ነፍስወከፍ ሰልፊ ፖሊስ ዝርከቡ። ፖሊስ እቲ ሰልፊ ውሑስን ሰላማዊን ከምዝኸውን የረጋግጹ። ስለዚ ንድሕነትካ እዮም ኣብኡ ዘለዉ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር