
ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ይኽእል እዩ፣ ዋላ ገና ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ብኸመይ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እትገብር ግን መንግስቲ ቅድመ-ኩነታት ከቐምጥ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ይፍቀደሉ
ቅዋም ኔዘርላንድ (ዓንቀጽ 9) ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ ብዛዕባ ዝኾነ ዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ከምዝኽእል ይገልጽ። መንግስቲ ድማ ምስ ትሕዝቶ ወይ ምኽንያት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘይሰማማዕ ምስ ዝኸውን፣ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደው ከብሎ ኣይክእልን። ኮይኑ ግን መንግስቲ ንሰላማዊ ሰልፍታት ዝምልከቱ ሕግታት ክሕንጽጽ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ዕማም ናይ ምምሕዳር ከተማታትን ከንቲባታትን እዩ። እዚ ሕጊ ኣብ
ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ሰላማዊ ተቓውሞ ከተስምዕ ትኽእል
ኣብ ኔዘርላንድ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር እዩ ዝካየድ። ብጽሑፍ እውን ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊታት ጎነጽ ክጥቀሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ሰልፈኛታት ብዛዕባ ካልኦት ሰባት፣ መበቆሎም፣ ዓሌቶም ወይ ሃይማኖቶም ጽልኢ ክገልጹ እውን ኣይፍቀደሎምን። ልክዕ ከም ጽልእን ጎነጽን ኣድልዎ ምግባር እውን ኣይፍቀድን እዩ። እዚ እንተድኣ ኣጋጢሙ ግን መንግስቲ ነቲ ሰልፊ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ታሕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብረሎም እትኽእል ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክተርእይ ትኽእል ኢኻ፡
ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊታት
ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት
ምስ ጉጅለ ሰባት ብሓባር ብሰልፊ ብእግርኻ ብከተማ ወይ ዓዲ ክትሓልፍ ትኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ እዋን ናይ እግሪ ጉዕዞ ይደርፉን ባንዴራታት ወይ ባነራት ይሕዙን።
ናይ ስቕታ ሰልፊ
ኣብዚ ሰልፊ እዚ እውን ምስ ጉጅለ ሰባት ብሓባር ብከተማ ወይ ዓዲ ትሓልፍ፣ እንተኾነ ግን ብስቕታ። ንምንታይ ሰላማዊ ሰልፊ ትገብር ምህላውካ ድማ ብባነራት ወይ ባንዴራታት ከተርእይ ትኽእል ኢኻ።
ብስቕታ ደው ኢልካ ተቓውሞ
እዚ ንኣብነት ኣብ ዓቢይ ህዝባዊ ቅርዓት ወይ ሜዳ ዝግበር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ዝዛረቡሉ መድረኽ ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ ድማ ብሰንኪ ውሕስነት ነቲ ቦታ ወይ ግዜ ከስተኻኽል ይኽእል እዩ።
ናይ ጽሑፍ ተቓውሞ፡ ኣቤቱታ
ምስ ውጥናት መንግስቲ ኔዘርላንድ ዘይትሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ፣
ኣቤቱታ ብዛዕባ ብዙሓት ሰባት ዝሓስብዎ ነገር ክኸውን ኣለዎ። ብዙሓት ሰባት ዘካፈሉኻ ውልቃዊ ጥርዓን እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕላማ ናይቲ ኣቤቱታ እውን ንጹር ክኸውን ኣለዎ።
ነፍስወከፍ ሰብ ኣቤቱታ ናይ ምልኣኽ መሰል ኣለዎ።
ገሊኦም ኣገባባት ሰልፊ ብሕጊ ዘቕጽዑ እዮም
ህዝባዊ ጽርግያ ምዕጋት ወይ ህንጻታት ምሓዝ እውን ኣብ ትሕቲ መሰል ሰልፊ ኔዘርላንድ እቱዋት እዮም። ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ዕንቅፋት የስዕቡ እዮም። ስለዚ ድማ ከንቲባ ነዞም ሰልፍታት ዝምልከቱ ሕግታት ከውጽእ ይኽእል እዩ። ነዞም ሕግታት እንተድኣ ዘይተኸቲልካ ድማ ብሕጊ የቕጻዓካ እዩ።
ንኣብነት ናይ ፍጥነት ጽርግያ ምዕጋት ወይ ዋና ዘይደልዮ ክነሱ ህንጻ ምሓዝ ብሕጊ ክልኩል እዩ። እዚ እንተድኣ ገይርካ ብፖሊስ ክትቅየድን ክትቅጻዕን ትኽእል ኢኻ።
ሰልፊ ክትገብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ
ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር እንተድኣ ደሊኻ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዚኡ ናብቲ ሰልፊ ትገብረሉ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብር ኣለካ። ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብር ከም እትደልይ
እቲ ከንቲባ ንኣብነት እቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ቦታ ክቕይር ይኽእል እዩ። ብድሕነት ምኽንያት ናይቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ግዜ እውን ክቕይር ይኽእል እዩ። ንትሕዝቶ ናይቲ ሰልፊ ክቕይር ግን ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እዚ ሰልፊ እንተድኣ ዘይሓቢርካ፣ ከንቲባ ነቲ ሰልፊ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ጣልቃ ክኣቱው ይኽእል እዩ፡
ናይ ሰልፈኛታት ወይ ሓለፍቲ መንገዲ ድሕነትን ጥዕናን ኣብ ሓደጋ እንተድኣ ወዲቑ፤
እቲ ሰልፊ ኣብ ትራፊክ ጸገም እንተድኣ ፈጢሩ፤
ናዕቢ፣ ጎነጽ ወይ ገበናዊ ተግባራት ክፍጸሙ ትጽቢት ምስ ዝህሉው።
መንግስቲ ኔዘርላንድ ንሰልፈኛታት ክከላኸለሎም ኣለዎ
መንግስቲ ኔዘርላንድ ንተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክከላኸለሎም ኣለዎ። ንኣብነት ኣንጻሮም ተቓወምቲ ምስ ዝህልዉ፣ ወይ ድማ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ናይ ጽልኢ ግብረ-መልሲ እንተሃልዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣብ ነፍስወከፍ ሰልፊ ፖሊስ ዝርከቡ። ፖሊስ እቲ ሰልፊ ውሑስን ሰላማዊን ከምዝኸውን የረጋግጹ። ስለዚ ንድሕነትካ እዮም ኣብኡ ዘለዉ።