ምንጪ፡ Goedele Monnens / VluchtelingenWerk
ዓንቀጽ

ምስ IND ቃለ-መሕትት ንምግባር ክትጽበይ ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/1/2026 06:51

ኣብ ተር ኣፐል ድሕሪ ምምዝጋብካ፣ ብዛዕባ ናይ ህድማ ታሪኽካ ምስ IND ቃለ-መሕትት ንምግባር ክትጽበይ ኣለካ። እዚ ድማ ሓያሎ ሳምንታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

መጀመርታ መርመራ ዓባይ ሰዓል (TBC) ክግበረልካ ይኽእል

ሕማም ዓባይ ሰዓል (tbc) ካብ ዘጋጥመላ ሃገር ዝመጽኡ ሓተቲ ዑቕባ መጀመርታ ኣብ ኔዘርላንድ

ይግበረሎም እዩ። ኣብዚ መርመራ ክትሳተፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ሕማም ዓባይ ሰዓል እንተሃልዩካ ናብ ካልኦት ሰባት ከተመሓላልፍ ስለ እትኽእል። ዋላ ንባዕልኻ ምልክታት እቲ ሕማም እንተዘይብልካ እውን ክትተሓባበር ኣለካ፣ ምኽንያቱ ከይፈለጥካዮ ሕማም ዓባይ ሰዓል ክህልወካ ስለዝኽእል።

VluchtelingenWerk መስርሕ ዑቕባኻ ብኸመይ ከምዝካየድ የብርህ 

ኣገባብ ዑቕባ ዝተሓላለኸ እዩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ቅልጡፍ መስርሕ ዑቕባ፡ ምስ IND ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብዝምልከት ሓደ ቃለ መሕትት ጥራይ ኢኻ ዘለካ። ስለዚ እንታይ ከም ዝኸውንን ብኸመይ ዝበለጸ ክትዳሎ ከም እትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ወለንተኛታት ካብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ኣገባብ ዑቕባ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ምስ ኣየኖት ትካላት ከም እትራኸቡን ክገልጹ እዮም። ብተወሳኺ ብቋንቋኻ ሓበሬታ ዝህብ ፊልም ክረኣየካ እዩ።

ምስ IND ቅድሚ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ምስ ጠበቓኻ ትራኸብ  

ምስ

ቅድሚ እትገብሮ ቃለ-መሕትት፣ ምስ ጠበቓኻ ክትራኸብ ኢኻ። ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ድማ ምስ IND ንዝግበር ቃለ-መሕትት ትዳሎ። ነቲ ዝርርብ ኣተርጓሚ (ብተሌፎን) ክትርጒመልካ እዩ። ጠበቓኻ ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ኣይርከብን እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር