
ኣብ ኔዘርላንድ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ብኸመይ ይሰርሕ?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ልዕሊ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ እንተወሓደ ን3 ዓመት ተመዝጊብካ እትርከብ ምስ እትኸውንን፣ እዚ ከም ዘይትደልይ ክሳብ ዘይሓበርካ ለጋሲ ክፍለ-ኣካል ኢኻ። ልግሲ ክፍለ-ኣካል ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ለጋሲ ክትከውን ከም ዘይትደልይ ብኸመይ ክትሕብር ከም እትኽእልን ንምፍላጥ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ልዕሊ 18 ዓመትን፣ ኣብ ኔዘርላንድ እንተወሓደ ን3 ዓመት ዝተቐመጥካን እንተድኣ ኮይንካ፣ ለጋሲ ክፍለ-ኣካል ክትከውን ትኽእል ኢኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዕድመኡ 18 ዓመት ዝኾነ ሰብ፣ ድሕሪ ሞቱ ለጋሲ ክፍለ-ኣካል ክኸውን ዝደልይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝሓትት ደብዳቤ ካብ መንግስቲ ይቕበል። ልግሲ ክፍለ-ኣካል ማለት፣ ክፍላተ-ኣካልካ ወይ ኣካሊታትካ ንኻልእ ሰብ ምልጋስ ማለት እዩ። እቲ ካልእ ሰብ ንኽሓዊ ወይ ብህይወት ንኽጸንሕ፣ እዞም ክፍላተ-ኣካል ወይ ኣካሊታት የድልይዎ እዮም።
ቅድሚ 3 ዓመት ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡን፣ ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ዝተመዝገቡን ሰባት እውን፣ ዕድመኦም 18 ዓመትን ልዕሊኡን እንተድኣ ኮይኑ፣ ለገስቲ ክፍለ-ኣካል ክኾኑ ዝደልዩ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ሕቶ ይቐርበሎም እዩ።
ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብወለንታኦም ለጋሲ ንምዃን ዘለዎም ድሌት ክሕብሩ ይኽእሉ እዮም። እንተወሓደ ን3 ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ ዝተቐመጡ ድማ ክኾኑ ኣለዎም።
ኣብ ኔዘርላንድ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ዝከኣል፣ ኣብ ሆስፒታል እንተድኣ ሞይትካ ጥራይ እዩ። ስለዚ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ዝኾነ ካልእ ቦታ እንተድኣ ሞይትካ እዚ ኣይከኣልን እዩ። እዚ ዝኾነ ምኽንያት ድማ ኣብ መንጎ ግዜ ሞትን ምስግጋር ክፍላተ-ኣካልን ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ክፍላተ-ኣካል ተወሳኺ ደም የድልዮም ስለዝኾነ እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድ ን6 ኣዋርሕ እንተድኣ ተቐሚጥካ እውን ለጋሲ ክፍለ-ኣካል ክትከውን ትኽእል
ዜግነት ኔዘርላንድ ዘይብልካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ን6 ኣዋርሕ እንተድኣ ተቐሚጥካን፣ ሞት ምስ ዘጋጥመካ እቲ ሆስፒታል መጀመርታ ለጋሲ ክትከውን ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ዝገልጽ ክታምካ ዘንበርካሉ ደብዳቤ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክምርምር ኣለዎ። እቲ ሆስፒታል
ንዕረፍቲ ኣብ ኔዘርላንድ እንተሃሊኻ እውን ለጋሲ ክትከውን ትኽእል ኢኻ
ንኣብነት ንዕረፍቲ ንግዚኡ ኣብ ኔዘርላንድ እንተሃሊኻ እውን ለጋሲ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ ስድራ-ቤትካ ልግሲ ንኽፍጸም ፍቓድ ክህቡ ኣለዎም። ስድራ-ቤትካ ክርከብ እንተድኣ ዘይተኻኢሉ ግን ልግሲ ክግበር ኣይፍቀድን እዩ።
ለጋሲ ክፍለ-ኣካል ክትከውን ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣብ መዝገብ ለገስቲ ትሕብር
ኣብ መዝገብ ለገስቲ 4 ኣማራጺታት ኣለዉ፡
1. እወ፣ ለጋሲ ክትከውን ትደልይ ኢኻ።
በዚ ኣማራጺ እዚ፣ ድሕሪ ሞትካ ኣየኖት ክፍላተ-ኣካል ወይ ኣካሊታት ክትልግስ ከም እትደልይ ወይ ከም ዘይትደልይ ክትሕብር ትኽእል።
2. ኣይፋል፣ ለጋሲ ክትከውን ኣይትደልይን ኢኻ።
እቲ ሆስፒታል ድሕሪ ሞትካ ልግሲ ክፍላተ-ኣካል ኣይክገብርን እዩ።
3. ድሕሪ ሞትካ መጻምድትኻ ወይ ስድራ-ቤትካ ይውስኑ።
መጻምድቲ ምስ ዝህልወካ/ኪ፣ ድሕሪ ሞትካ ብዛዕባ ልግሲ ክፍለ-ኣካል ንኽውስኑ ክትሓድጎም ትኽእል ኢኻ። መጻምድቲ ምስ ዘይህልወካ/ኪ ድማ ስድራ-ቤትካ/ኪ ብዛዕባ እቲ ልግሲ ክውስኑ እዮም።
4. ድሕሪ ሞትካ ዝውስን 1 ሰብ ትመርጽ።
ዓርክኻ፣ መሓዛኻ ወይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝኣመሰለ 1 ሰብ ድሕሪ ሞትካ ብዛዕባ ልግሲ ንኽውስን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ስሙን ናይ ርክብ ሓበሬታታቱን ኣብ መዝገብ ለገስቲ ትመልኦ። ድሕሪ ሞትካ ድማ እቲ ሆስፒታል ነቲ ሰብ ክረኽቦ እዩ።
ዝኾነ ነገር እንተድኣ ዘይመላእካ ብኣውቶማቲክ ለጋሲ ኢኻ
ምርጫኻ እንተድኣ ዘይመላእካ፣ ኣብ መዝገብ ለገስቲ ‘ተቓውሞ የለን' ብዝብል ክምዝገብ እዩ። እዚ ማለት ድማ ኩሉ ክፍላተ-ኣካልካን ኣካሊታትካን ድሕሪ ሞትካ ክልገስ ይኽእል እዩ ማለት እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ብኣውቶማቲክ ለጋሲ ክፍለ-ኣካል ኢኻ።
ስድራ-ቤትካ ድሕሪ ሞትካ ኣብ ምርጫ ጽልዋ ኣለዎም
ሓኪም ኣብቲ ሆስፒታል፣ እቲ መዋቲ ብዛዕባ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ዝገበሮ ምርጫ ብዝምልከት ምስ ስድራ-ቤት ይዘራረብ። እቲ ሓኪም ኣብ መዝገብ ለገስቲ እንታይ ተመዝጊቡ ከም ዝርከብ እዩ ከም መበገሲ ነጥቢ ዝጥቀም። እቲ መዋቲ ለጋሲ ክኸውን ከም ዘይደልይ ኣብ መዝገብ ለገስቲ ሓቢሩ ዝርከብ ምስ ዝኸውን፣ ኣባላት ስድራ-ቤት ነዚ ክቕይርዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣብኡ ‘እወ’ ወይ ‘ተቓውሞ የለን’ ዝብል ዝርከብ እንተድኣ ኮይኑ ግን፣ ክፍላተ-ኣካል ወይ ኣካሊታት ክልገስ ይኽእል እዩ፣ ብዘይካ እቲ ስድራ-ቤት ኣንጻር እቲ ውሳኔ ተቓውሞ ምስ ዘቕርብ።
ኣብ ገሊኦም ኩነታት ኣባል ስድራ-ቤት መዋቲ ከም ምዃንካ መጠን፣ ኣንጻር እቲ መዋቲ ዝገበሮ ምርጫ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፡
እቲ መዋቲ ለጋሲ ክኸውን ዘይደልይ ምንባሩ ብርግጽ ትፈልጥ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ መዝገብ ለገስቲ ግን ‘እወ’ ወይ ‘ተቓውሞ የለን' ዝብል ዝርከብ እንተድኣ ኮይኑ። ስለዚ ሽዕኡ ንሓኪም መርትዖ ከተርእይ ኣለካ። ንኣብነት ውልቃዊ ደብዳቤታት።
እቲ መዋቲ ትሕቲ 16 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ። ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ብወለንታኦም ምርጫኦም ኣብ መዝገብ ለገስቲ ክመልኡ ይኽእሉ እዮም። ‘እወ’ ኢሎም መሊኦም እንተሃልዮምን፣ ምስኡ ዘይትሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካን፣ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኩነታት ኣባል ስድራ-ቤት መዋቲ ከም ምዃንካ መጠን፣ ኩሉ ግዜ ንስኻ ብዛዕባ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ትውስን፡
ኣብ መዝገብ ለገስቲ፡ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ብዝምልከት ድሕሪ ሞቱ መጻምድቲ፣ ስድራ-ቤት ወይ ንስኻ ከም እትውስን ተመዝጊቡ ዝርከብ እንተድኣ ኮይኑ።
እቲ መዋቲ ዕድመኡ ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ።
እቲ መዋቲ ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኡን፣ ምርጫ ዘይገበረን እንተድኣ ኮይኑ።
እቲ መዋቲ ገና ኣብ መዝገብ ለገስቲ ዘይርከብ እንተድኣ ኮይኑ፣ ንኣብነት ሽዕኡ 18 ዓመት ስለዝመልአ፣ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ትሕቲ 3 ዓመት ስለዝተቐመጠ።
እቲ መዋቲ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበራ 4 ሳምንታት ብመንገዲ ናይ ወረቐት ቅጥዒ ኣቢሉ ምርጫኡ እንተድኣ ቐይሩ። ስለዚ ሽዕኡ እቲ ዝተቐየረ ምርጫ ገና ኣብ መዝገብ ለገስቲ ኣይርአን እዩ።
እቲ ዝሞተ ሰብ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ብዝምልከት ኣብ ዝመረጸሉ እዋን፣
እንተድኣ ነይሩ።ናይ ምውሳን ዓቕሚ ዘይብሉብዛዕባ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ናይ ምውሳን ዓቕሚ ንዘይብሎም ሰባት ዝያዳ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ መዝገብ ለገስቲ ኣንብብ።