ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእን ዑቕባ ንምርካብ ምምልካትን
ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምሕታት፡ መን ክሕግዘካ ይኽእል፣ ብኸመይ ትዳሎው፣ መርስሕ ዑቕባ' ኸ ከመይ ይመስል?
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓትት ኣለኻ። እዚ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። ኣብዘን ቪድዮታት እዚኣተን፡ ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፡ ዝምልከቶ ስጉምትታትን መን ከም ዝሕግዘካን ደረጃ ብደረጃ ንገልጽ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተሃሊኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ዑቕባ ክትሓትት ምስ እትደልይ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ኣተኻ ነዚ ክትገብር ኣለካ
ኣብ ኔዘርላንድ በጺሕካ ዲኻ፣ ብመንገዲ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ወይ ብወደብ ድማ ኣይኮንካን ዲኻ መጺእካ? ስለዚ ዑቕባ ንኸተመልክት ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ተጓዓዝ። ካብቲ ዘለኻዮ ቦታ ናብ ተር ኣፐል ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ኔዘርላንድ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ምምጻእ
ብነፋሪት ብስኺፖል (Schiphol)፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ኣቲኻ? ናብ ኔዘርላንድ ንምእታው ዘኽእል ሕጋዊ ቪዛን ፓስፖርትን ድማ የብልካን ድዩ? ስለዚ ኣብኡ ኢኻ ዑቕባ እትሓትት። ብድሕሪኡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ኮይንካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ትጽበይ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።