
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንታይ ይገብር?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ብዛዕባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዙሕ ግዜ ኣብ ናይ ኔዘርላንድ መርበባት ዜና ተንብብ ኢኻ። ንኣብነት ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ወይ ሓደስቲ ሕግታት ኣብ ዝፍጠሩሉ እዋን። ንምዃኑ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብልክዕ እንታይ እዩ? ዕማማት ናይ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንታይ እዩ? ናይዚ መልሲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ክትረኽቦ ኢኻ።
ዕማማት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሰለስተ ቀንዲ ዕማማት ኣለዎ፡ ሕግታት ምፍጣር፣ ንመንግስቲ ምክትታልን ንህዝቢ ኔዘርላንድ ምውካልን።
1. ሕግታት ምፍጣር
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ
ሕጊ ብኸመይ ከም ዝፍጠር ዝያዳ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ?
2. ንመንግስቲ ምክትታል
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ መንግስቲ ግቡእ ስርሑ ዘካይድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይከታተል። ኣባላት ባይቶ፣ ሓደ ጉዳይ ኣቓልቦ ንኽግበረሉ ክሓቱ ምስ ዝደልዩ፣ ንሚኒስተራት ሕቶታት ክሓቱን ነጥበ-ምይይጥ ከቕርቡን ይኽእሉ። ሓደ ሚኒስተር ውሳኔ ኣብ ዝወስደሉ እዋን፣ ብዛዕብኡ ምስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግሉጽን ንጹርን ክከውን ኣለዎ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ዝሃቦ እምነት ብምስሓብ ድማ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ሚኒስተር ወይ ምክትል ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ከገድድ ይኽእል እዩ።
3. ንህዝቢ ኔዘርላንድ ምውካል
ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ንህዝቢ ኔዘርላንድ እዮም ዝውክሉ። ምስ ዜጋታት፣ ማሕበራዊ ውድባት፣ ከምኡ እውን
መን ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክኸውን ይኽእል?
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክኸውን ዝፍቀደሉ ነፍስወከፍ ሰብ ኣይኮነን። ብመሰረት
ኣባላት ባይቶ እንታይ ክገብሩ ይፍቀደሎም?
ኣባላት ባይቶ ስርሖም ብግቡእ ንኽሰርሑ ዝሕግዝዎም ዝተወሰኑ መሰላት ኣለዎም። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ይፍቀደሎም፡
ንሚኒስተራት ሕቶታት ምሕታት፤
ነጥበ-ምይይጥ ምቕራብ፤
ናይ ሕግታት እማመታት ምቕራብ፤
ብዛዕባ ዝተኣመሙ ሕግታት
ንኽግበር እማመ ምቕራብ፤ምምሕያሻትካብ ሚኒስተራት ሓበሬታ ምሕታት፣ ንሳቶም ድማ መልሲ ክህቡ ግዴታ ኣለዎም፤
ምጽዳቕ ወይ ምንጻግ፤ሃገራዊ ባጀትንሓደ ሚኒስተር ወይ
ህጹጽ ዘተ ንምክያድ ከም ዝመጽእ ምግባር።ምክትል ሚኒስተር
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፖለቲካ ብኸመይ ይሰርሕ?
ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣባላት ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ እውን እዮም። ነፍስወከፍ ሰልፊ ኣብ ሕብረተሰብ ንፍሉያት ጉጅለታት ንምውካል ዝዓለመ እዩ። ድሕሪ ምርጫ፣ እቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ፣ ንረብሓታት ናይዞም ጉጅለታት ብዝበለጸ ዝውክሉ ምርጫታት ይገብሩ። ነዞም ምርጫታት ድማ ኣብ ውሽጢ
ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ሰልፊታት ብምትሕብባር ይሰርሑ። ብሓባር ካብቶም 150 መናብር እንተወሓደ 76 መናብር ብምዕዋት ኣብዝሓ ድምጺ እንተድኣ ረኾቦም፣
እቶም ካልኦት ሰልፊታት ደምበ