ፖለቲካ ኣብ ኔዘርላንድ
ብዛዕባ ሰኔትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን፣ ወይ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ምርጫ ኔዘርላንድ ዝያዳ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ወይ ሕግታት ብኸመይ ከም ዝፍጠሩ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ኣብዚ ገጽ እዚ ብዛዕባ ፖለቲካ ኔዘርላንድ ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ሓበሬታ

ጸጋምን የማንን፡ ፖለቲካ ኔዘርላንድ ብኸመይ ትርድኦ?
ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ፖለቲካ ኔዘርላንድ ክመያየጡ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ከም 'ጸጋም' 'የማን' 'ገስጋሳይ' ከምኡ እውን 'ዓቃባውያን' ዝኣመሰለ ስያመታት ኢዮም ዝጥቀሙ። እዞም ቓላት እዚኦም ብፍላይ ነቶም ገና ቛንቋ ዝመሃሩ ሰባት ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነዞም ቓላት እዚኦም ብቐሊሉ ኽንርድኦ ብዚኽእል መገዲ ኸነነጽሮ ኢና።
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከተድምጽ ትኽእል?
ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምድማጽ መሰል ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከም በዓል ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ባይቶ ምምሕዳር ከተማ፣ ወይ ባይቶ ኤውሮጳ ዝኣመሰሉ ምርጫታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ምድማጽ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ደረጃ ብደረጃ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዓንቀጽ
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።