
ስድራ-ቤት ንምቛም ዝምልከቱ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን መርምር
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ካብ ወጻኢ ሃገር መጻምድቲ ኣላትካ ድያ፣ መጻምድትኻ ናብ ኔዘርላንድ ክትመጽእ ድማ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ንመጻምድትኻ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክተላ ኣለካ። ነዚ መመልከቲ ናብ IND ኢኻ እተቕርቦ። ኣብ ኔዘርላንድ ስድራ-ቤት ንምቛም ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ኣየኖም ምዃኖም ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ስድራ-ቤት ንምቛም ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም እዮም
ዜጋ ኔዘርላንድ እንተድኣ ኮይንካ ወይ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ ኣብ ኔዘላንድ ስድራ-ቤት ንምቛም ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ናብ
ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጻእካ ምስ መጻምድትኻ ዝምድና ሃኒጽካ ኣለኻ። ንስኻትኩም ምርዑዋት ኢኹም፣ ምዝጉብ ሓዳር ወይ ኣብ ቀዋሚ (ዘይምርዑው) ዝምድና ኣለኩም።
መጻምድትኻ/ኺ ሕጋዊ ፓስፖርት ኣለዎ/ዋ።
ንስኻን መጻምድትኻን ክልተኹም ዕድመኹም 21 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ።
ንስኻን መጻምድትኻን ኣብ ኔዘርላንድ ብሓባር ኣብ ሓደ ኣድራሻ ኢኹም ክትነብሩ።
ንኣታዊ ዝምልከቱ ዝጥለቡ ረቛሒታት ተማሊእ ኢኻ፡
ኣታዊኻ ርእሱ-ዝኸኣለ እዩ፡ ስራሕ ኣለካ ወይ እቲ ኣታዊ ባዕልኻ እትረኽቦ እዩ፣ ካብኡ ድማ ግብሪን ኣበርክቶ ድሕነትን ትኸፍል ኢኻ።
ኣታዊኻ ዘላቒ እዩ፡ ነዚ ኣታዊ እዚ ምርካብ ንነዊሕ እዋን ክትቅጽሎ ኢኻ።
ኣታዊኻ እኹል እዩ፡ ሓፈሻዊ ወርሓዊ ኣታዊኻ እንተወሓደ € 2,245.80 ክኸውን ኣለዎ (ናይ ዕረፍቲ ክፍሊት ከይሓወሰ)፣ ስለዚ ዝኾነ ኮይኑ እኹል ኣታዊ ትረክብ ኢኻ። ሒደት ኣታዊ ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ፣ IND እዚ ንዓኻን ንመጻምድትኻን እኹል ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግም እዩ።
ንስኻ ንመጻምድትኻ ወግዓዊ ዓዳማይ ኢኻ። እዚ ማለት ድማ ሓላፍነት ናይቲ መመልከቲ ንስኻ ኢኻ እትስከም ማለት እዩ።
ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ፣ መጻምድትኻ ኣብ ወጻኢ ሃገር መሰረታዊ ናይ ምውህሃድ ፈተና ክትሓልፍ ኣለዋ። ናይ ዑቕባ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ መጻምድትኻ ነዚ መሰረታዊ ናይ ምውህሃድ ፈተና ምውሳድ ኣየድልያን እዩ። ኮይኑ ግን ሕድገት ንምርካብ ከተመልክት ኣለካ።
ናብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሐት፣ ኣብ ዜግነት መጻምድትኻ ዝምርኮስ፣ ንሕማም ዓባይ ሰዓል ዝምልከት ሕክምናዊ መርመራ
ክትገብር ኣለዋ።(መርመራ ቲቢ)