ምንጪ፡ Merkportaal
ዓንቀጽ

ስድራ-ቤት ንምቛም ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተመልክት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2025 6:21 ቅ.ቀ.

ንስኻን መጻምድትኻን፣ ስድራ-ቤት ንምቛም ንዘለዉ ኩሎም ቅድመ-ኩነታት ተማልኡ ዲኹም? ስለዚ ስድራ-ቤት ንምቛም ናብ IND ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ንመጻምድትኻ ዝኸውን መንበሪ ፍቓድን መእተዊ ቪዛን ድማ ተመልክት። ብኸመይን ስለምንታይን ነዚ ክትገብር ከምዘለካ ኣብዚ ገጽ ከተብብ ትኽእል ኢኻ።

ንመጻምድትኻ መንበሪ ፍቓድ ተመልክተላ

መጻምድትኻ ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ፣ ምስ መጻምድትኻ ንምንባር መንበሪ ፍቓድ ተመልክት። እዚ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ካብ 90 መዓልታት ንልዕሊ ክጸንሑ ንዝደልዩ ሰባት እዩ።

ንመጻምድትኻ ዝኸውን መእተዊ ቪዛ እውን ተመልክት

መብዛሕትኡ ግዜ መጻምድትኻ ፍሉይ መእተዊ ቪዛ እውን የድልያ እዩ። እዚ ድማ

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ (mvv)
ይበሃል።

መዘኻኸሪ ፦ ሓድሓደ ግዜ ግዚያዊ መንበሪ (mvv) ዚኸውን ቪዛ ኣየድልየካን እዩ። እዚ ኣብ ዜግነት ወይ ኵነታት መጻምድትኻ እዩ ዚምርኰስ ።

ስድራ-ቤት ንምቛም ብኸመይ ኢኻ እተመልክት?

ናይ mvv ቪዛን መንበሪ ፍቓድን ንኽልቲኡ ኣብ ሓደ እዋን ኢኻ እተመልክት። ነዚ ብኢንተርነት ክትገብሮ፣ ወይ ድማ ነቲ መመልከቲ ክትሓትሞ፣ ኣብ ወረቐት ክትመልኦን ብፖስታ ክትሰዶን ትኽእል ኢኻ።

ብኢንተርነት፡ "መመልከቲ ቅጥዒ ስድራ-ቤት ንምቛም "  ስድራ-ቤት ንምቛም ዝኸውን ናይ ኢንተርነት መመልከቲ ቅጥዒ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ 

DigiD
ከድልየካ እዩ።  

ብፖስታ፡ "መመልከቲ ቅጥዒ ስድራ-ቤት ንምቛም" ኣውርድ 

ስድራ-ቤት ንምቛም ዝኸውን መመልከቲ ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ከተውርዶ ትኽእል ኢኻ። ምሉእ ብምሉእ ምስ መላእካዮ፣ ሓቲምካን ክታምካ ኣንቢርካን፣ ብምዝጒብ ፖስታ ናብ IND ስደዶ።  ቅኑዕ ቅጥዒ ክትመርጽ ኣለካ። ክልተ ቅጥዕታት ኣለዉ፡  

  • መመልከቲ መንበሪ ፍቓድ፡ ምስ ምርዑው ወይ ምዝጉብ መጻምድቲ ንምንባር 

  • መመልከቲ መንበሪ ፍቓድ፡ ምስ ዘይምርዑው መጻምድቲ ንምንባር 

መመልከቲኻ ገንዘብ ይሓትት እዩ፡ እቲ መመልከቲ € 243 ገንዘብ ይሓትት። 

  • ብኢንተርነት ዲኻ እተመልክት? ስለዚ ብቐጥታ ብመንገዲ

    iDEAL
    ክትከፍል ኢኻ። 

  • ብፖስታ ዲኻ ክትሰዶ? ስለዚ ድሒሩ ብዛዕባ ክፍሊት ዝገልጽ ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር