
IND ንመመልከቲ ዑቕባኻ ብዘየማትእ መንገዲ እንተነጺጉዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሓድሽ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ናይ ስደት ታሪኽካ ዘረጋግጹ ሓደስቲ ሓቅታት ኣለዉ ድዮም? ወይ እቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ኩነታት (ንዓኻ) ተቐይሩ ድዩ? ስለዚ ከም ብሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራብ ብልሒ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ንምፍላጥ ነዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ቅድሚ ምቕራብካ ግዜ ወሲድካ ምስ ጠበቓኻ ተማኸር
ካብ 12 ሰነ 2026 ጀሚሩ ሓድሽ ውዕል ዑቕባን ፍልሰትን ኤውሮጳ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ማለት ዝኾነ ከተቕርቦ እትደልይ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ብመሰረት እቲ ሓድሽ መስርሕ ዑቕባ ይፍጸም ማለት እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ድማ ዝያዳ ጽኑዕ እዩ። ድሕሪ ደጊም IND ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ መመልከቲኻ ኣብቲ ስሩዕ መስርሕ ዑቕባ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ቅልጡፍ መስርሕ ዑቕባ እዩ ዘመስርሖ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ እዋን እቲ መስርሕ፣ ንመመልከቲኻ ብግቡእ ንምግላጽን ንምድራዕን እኹል ግዜ ዘይክህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፣ መመልከቲኻ ብጽቡቕ ከም እተዳልዎ ኣረጋግጽ። ቅድሚ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ምቕራብካ ግዜ ወሲድካ ምስ ጠበቓኻ ተማኸር። ነዚ ብታህዋኽ ቀልጢፍካ ኣይትግበሮ።
ሓድሽ ሓቅታት ወይ ኩነታት ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።
1ይ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ድሕሪ ምንጻጉ ዳግማይ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ትደሊ ዲኻ? ስለዚ ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ኩነታት ከምዘለዉ ከተርኢ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ።
ሓደስቲ ሓቅታትን ኩነታትን እንታይ እዮም?
ሓደስቲ ሓቅታትን ኩነታትን IND ገና ዘይገምገሞ ሓበሬታ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ 1ይ ናይ ዑቕባ መስርሕካ ዘይነበረካ ሰነዳት በጺሑካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን እዞም ሓደስቲ ሰነዳት፣ እቲ ኣቐዲምካ ንIND ዝሃብካዮ ሓበሬታ ቅኑዕ ምንባሩ ዘርእዩ እዮም። ንኣብነት ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፊ፣ ወይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወይ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ምዃንካ ዘረጋግጽ ናይ ኣባልነት ካርድታት ሕሰብ። ወይ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ኣኼባታት ወይ ፍጻመታት ከም ዝተሳተፍካ ዘረጋግጹ ሰነዳት። ብዛዕባ መጉዳእቲ ዝምልከት ሕክምናዊ ጸብጻባት እውን ሓድሽ ሓቅታት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ከምኡ እውን ዓመጽ ወይ ምፍርራሕ ብዝምልከት ናይ ፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪብካ ምንባርካ ዘረጋግጹ ሰነዳት።
ሓድሽ ኩነታት ኣብ ሃገርካ ሓድሽ ኲናት ምውላዕ፣ ወይ ካልእ ነቲ ኩነታት (ንዓኻ) ኣዝዩ ዝኸፍአ ወይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ዝገብር ኣብ ሃገርካ ዝመጽእ ለውጢ ከጠቓልል ይኽእል።.
ነቲ ሓድሽ ሓበሬታ ኣቀዲምካ ከተቕርቦ ዘይትኽእል ምንባርካ ኣገዳሲ እዩ
2ይ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ብዝምልከት እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነጥቢ፣ እቲ ሓድሽ ሓበሬታ ንIND ሓድሽ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ድሮ (ብኣኻ) ዝፍለጥ ዝነበረ ግን ድማ ገና ንIND ዘየካፈልካዮ ሓበሬታ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፣ ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ኣብ ዘቕረብካሉ እዋን፣ ስለምንታይ ነዚ ሓበሬታ ንIND ዘየካፈልካዮ ክትገልጽ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፣ ኣብቲ ሓድሽ መስርሕ ዑቕባ፣ ሓደስቲ ሓቅታትን መርትዖታትን ኣብቲ 1ይ መስርሕ ዑቕባኻ ከተቕርቦ እንተድኣ ዘይክኢልካ ጥራይ እዩ ተቐባልነት ዝረክብ። ብተወሳኺ ድማ ከምኡ ዘይምግባርካ ናትካ ጥፍኣት እንተድኣ ዘይኮይኑ እውን እዩ። ነዚ ንIND ብንጹር ክትገልጸሉ ክትክእል ኣለካ። ከምኡ ክትገብር ኣይከኣልካን ዲኻ? ስለዚ IND ነቶም ሓቅታት ንኸይርእዮም ክውስን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ብመሰረት IND እቲ ሓበሬታ ሓድሽ ኣይኮነን።
እቶም ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ኩነታት ኣገደስቲ ክኾኑን፣ ፍቓድ ናይ ምርካብ ዕድልካ ብዓቢኡ ዝውስኹን ክኾኑ ኣለዎም።
ሓድሽ መመልከቲ ኣብ እተቕርበሉ እዋን፣ እቶም ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ኩነታት ክህልዉ ጥራይ ኣይኮነን ዘድልይ። እዞም ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ኩነታት ፍቓድ ዑቕባ ናይ ምርካብ ዕድልካ ብዓቢኡ ክውስኹ ዝኽእሉ ክኾኑ እውን ኣለዎም። ስለዚ እቶም ሓደስቲ ሓቅታትን ኩነታትን ንመስርሕ ዑቕባኻ ዘገድሱ ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ማለት ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ዝተወስደ ናይ IND ውሳነ ክቕይሩ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም። ነዚ ብደቂቕ ርኣዮ፣ ምኽንያቱ ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ኩነታት ኩሉ ግዜ ንሕቶ ዑቕባኻ የገድሱ እዮም ማለት ኣይኮኑን።
ንኣብነት ኣብ መበቆል ሃገርካ ዘሎ ኩነታት ስለ ዝተቐየረ፣ ንጋዜጠኛታት፣ ንLHBT ሰባት ወይ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝያዳ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግና ጋዜጠኛ፣ LHBT ሰብ፣ ወይ ጓል ኣንስተይቲ እንተድኣ ዘይኮይንካ/ኪ፣ እዞም ሓደስቲ ኩነታት ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣገደስቲ ኣይኮኑን። ነዚ ኣቓልቦ ግበረሉ። ምኽንያቱ IND፣ ብዛዕባ ሓድሽ መመልከቲኻ ዝቐርቡ ሞጎተታት፣ ሓደስቲን ኣገደስትን ኮይኖም እንተድኣ ዘይረኺብዎም፣ IND ንመመልከቲኻ ኣየመስርሖን እዩ።
IND ንፍረ-ነገር ናይቲ 1ይ መመልከቲኻ ኣይገምገሞን ድዩ?
እቲ 1ይ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ 'ዘይቅቡል' ተባሂሉ ዝተኣወጀ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ IND ንዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ኣየመስርሖን እዩ። ንኣብነት፣ IND ንሕቶ ዑቕባኻ ካልእ ሃገር ከተካይዶ ኣለዋ ኢሉ ስለ ዝኣምን፣ ወይ ድማ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር መንበሪ ፍቓድ ስለዘለካ። ብድሕሪኡ ሓድሽ መመልከቲ እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ እቶም እተቕርቦም ሓደስቲ ሓቅታት፣ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቕረብካዮ መመልከቲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዝተኣወጀሉ ምኽንያት ዝዛመዱ ክኾኑ ኣለዎም።
ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ቀልጢፍካ ወይ ብታህዋኽ ኣይተቕርብ
በዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምኽንያታት፣ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ተሃዊኽካ ከይተቕርብ ኣገዳሲ እዩ። ጽቡቕ ምድላው ክትገብር የድሊ። ቅድሚ ሓድሽ መመልከቲ ምቕራብካ፣ ነቲ 1ይ መመልከቲኻ ዘካየደ ጠበቓ ተወከስ። ንሱ ድማ እቲ ሓድሽ ሓበሬታ፣ ሓድሽ መመልከቲ ንኸተቕርብ እኹል ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግሞ ይኽእል እዩ። እቲ ጠበቓ ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ንምምላእ እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ጠበቓኻ ነዚ ክገብር ፍቓደኛ እንተድኣ ዘይኮይኑ ወይ እንተድኣ ዘይክኢሉ፣ ነቲ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ብዝምልከት ዝሕግዘካ ሓድሽ ጠበቓ ባዕልኻ ክትረክብ ኣለካ። ነቲ ሓድሽ ጠበቓ ክትከፍሎ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ልዑል መጠን ገንዘብ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራብ ትርጉም ከም ዘለዎ ርግጸኛ ክትከውን ኣለካ። ብዛዕባ እዚ ብግቡእ ሕሰብ።
መመልከቲኻ ብዛዕልኻ ኣብ ተር ኣፐል ከተቕርብ ኣለካ
መመልከቲኻ ንምቕራብ ብኣካል ናብ ተር ኣፐል ክትከይድ ኣለካ። ነዚ ንምግባር ቆጸራ ምሓዝ ኣየድልየካን እዩ። ነቲ ድሮ ዝመላእካዮ ቅጥዒን ነቲ 2ይ መመልከቲኻ ዝድግፉ ሰነዳትን መርትዖታትን ሒዝካ ናብ ተር ኣፐል ብምኻድ ትሕብር። ናብ ተር ኣፐል ኣይከድካን ዲኻ፣ ግን ድማ ነቲ መመልከቲኻ ናብ IND ሰዲድካዮ ዲኻ? ስለዚ ካብ IND ገና ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት ናብ ተር ኣፐል ክትመጽእ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ክመጸካ እዩ። እዚ እንተድኣ ዘይገበርካ፣ መመልከቲኻ ኣይቀርብን እዩ።
እቶም ናብ ተር ኣፐል እትወስዶም ሰነዳት IND ከንብቦም ዝኽእል ክኾኑ ኣለዎም
ናብ ተር ኣፐል ኦርጅናል ሰነዳት ጥራይ ክትማላእ ኣገዳሲ እዩ። ቅዳሓት ወይ ስእልታት ኣብ እዋን ምምልካት ከም መርትዖ ከተምጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ምኽንያቱ ሓቅነቶም ክረጋገጽ ስለዘይክእል።
ከምኡ እውን እቶም እተምጽኦም ሰነዳት፣ ምእንቲ IND ከንብቦምን ክርድኦምን ክኽእል፣ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ጀርመን፣ ወይ ፈረንሳ (ዝተተርጎሙ) ምዃኖም ኣረጋግጽ። እቶም ሓደስቲ ሰነዳት ከምኡ እንተድኣ ዘይኮይኖም፣ መጀመርታ '