
ቀብሪ ኣብ ኔዘርላንድ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፣ ሕግታትን ወጻኢታትን
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሓደ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ከተዋድዶም ዘለካ ነገራት ኣለዉ። ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ሞት እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ዝምልከቱ ሕግታት ኣለዉ። ኣብ ኔዘርላንድ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ እዋን እንታይ ክትፈልጦም ዘለካ ነገራት ከምዘለዉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ድሕሪ ሞት ብቐጥታ እንታይ ይኸውን?
ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ሰብ ኣብ ገዛ እንተድኣ ሞይቱ፣ መጀመርያ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ትድውል ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ድማ ተፈጥሮኣዊ ሞት ድዩ ኣይኮነን የረጋግጽ። እዚ ማለት እቲ ሰብ ብእርጋን ወይ ብሕማም ሞይቱ ማለት እዩ። ዝኾነ ጥርጣረ እንተሃልዩ ተወሳኺ መርመራ ናይቲ ሬሳ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም
ሞት ናብ ምምሕዳር ከተማ ምሕባር
ነቲ ሞት ባዕልኻ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣብቲ እቲ ሰብ ዝሞተሉ ምምሕዳር ከተማ ኢኻ እትገብሮ። እቲ ዝሞተ ሰብ ኣብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ተመዝጊቡ ዝርከብ እንተድኣ ኮይኑ፣ እቲ ሰብ ዝሞተሉ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ናብቲ መዋቲ ተመዝጊብሉ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ይሕብር። እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣዋዳዲ ቀብሪ እዩ ነቲ ሞት ናብ ምምሕዳር ከተማ ዝሕብር።
እቲ ሞት ኣብ ውሽጢ 6 ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ ምምሕዳር ከተማ ክሕበር ኣለዎ። ዝኾነ ኮይኑ እዚ ቅድሚ ቀብሪ ክግበር ኣለዎ። ብድሕሪኡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንቀብሪ ወይ ንምቕጻል ሬሳ ፍቓድ ይህብ። ቀብሪ ንምክያድ እዚ ፍቓድ የድሊ።
ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ካብ ምምሕዳር ከተማ
እቲ ሞት ምስተሓበረ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ይህብ። እቲ ምምሕዳር ከተማ፣ ነቲ ሞት ኣብ
ካብቲ መዋቲ ዝዓረፈሉ ምምሕዳር ከተማ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካልኦት ጉዳያት ንምውዳድ የድልየካ እዩ፣ ንኣብነት ናይ ባንክ፣ መድሕን፣ ክራይ ገዛ ጉዳያት ወይ ካልኦት ምምሕዳራዊ ጉዳያት።
ምስ መቕርብ ቤተሰብ ትመያየጥ
ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ሞት፣ እቲ ዝሞተ ሰብ እንታይ ከም ዝኸውን መቕርብ ቤተሰብ ይውስኑ። እዚ ድማ ምስ ኣዋዳዲ ቀብሪ ብምምኽኻር ይፍጸም።
ኣብተን ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘለዋ መዓልታት፣ እቲ ሬሳ ንኽረአ ይጋደም። እዚ ኣብ ገዛ ወይ ምናልባት ኣብ መዕቆቢ ቦታ ክካየድ ይኽእል። ኣብ ማእከል ቀብሪ እውን ሬሳ ተጋዲሙ ከምዝረአ ክግበር ይከኣል እዩ። ሰባት ብኸመይን መዓስን ነቲ ሬሳ ክፋነውዎ ከም ዝኽእሉ ምስቲ ኣዋዳዲ ቀብሪ ትዘራረብ። ኣዋዳዲ ቀብሪ፣ ማለት ነቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ምድላውን ምውዳድን ዝሕግዝ ሰብ እዩ።
ኣዋዳዲ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንምድላው ይሕግዘካ
መቕርብካ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ እዋን ብዙሕ ነገራት ከተዋድድ ኣለካ። ኩሉ ነገር ባዕልኻ ከተዋድዶ ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣዋዳዲ ቀብሪ እዩ ነዚዝገብሮ። ድሕሪ ሞት፣ ብዛዕባ ቀብሪ ወይ ምምቕጻል ሬሳ፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ምስኡ ዝተሓሓዝ ወጻኢታት ብዝምልከት፣ ኩሉ ድሌታትካ ምስ ኣዋዳዲ ቀብሪ ትዘራረብ። ኣዋዳዲ ቀብሪ ንምርካብ ንኽሕግዙኻ፣ ንሓፈሻዊ ሓኪምካ፣ ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ሰባት፣ ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኣማኸርቲ፣ ወይ ሰራሕተኛታት ናይ ምምሕዳር ከተማ ሕተት።
ምቕባር ወይ ሬሳ ምቕጻል
ኣብ ኔዘርላንድ፣ ምቕባር ወይ ሬሳ ምቕጻል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፣ እቲ መዋቲ ኣብ መቓብር ይቕበር። መብዛሕትኡ ግዜ ንመቓብር ትኸፍል። እቲ ወጻኢታት ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማን መቓብርን ይፈላለ እዩ።
ኣብ ገሊኦም ሃይማኖታትን ባህልታትን ምቕባር ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ንቀብሪ ዝምልከቱ ፍሉያት ባህጊታት ወይ ሕግታት እውን ኣለዉ።
ኣብ እዋን ምቕጻል ሬሳ፣ ሬሳ ናይቲ መዋቲ ኣብ መቃጸሊ ሬሳ ይቃጸል። ድሕሪ ምቕጻል ሬሳ፣ እቲ ማእከል መቓጸሊ ሬሳ ነቲ ሓሙኽሽቲ ናይቲ መዋቲ ን1 ወርሒ ይዕቅቦ። እቲ ሬሳ ድሕሪ ምቕጻሉ ካብ ድሕሪ 1 ወርሒ ጀሚሩ፣ እቶም መቕርብ ቤተሰብ ነቲ ሓሙኽሽቲ ክወስድዎ ይኽእሉ። ድሕሪኡ ነቲ ሓሙኽሽቲ እንታይ ክገብርዎ ከም ዝደልዩ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ። ንኣብነት፣ ነቲ ሓሙኽሽቲ ክዕቅብዎ፣ ክብትንዎ ወይ ናብ ወጻኢ ሃገር ክወስድዎ ይኽእሉ።
እቶም መቕርብ ቤተሰብ፣ ካብ ድሕሪ 1 ወርሒ ኣቀዲሞም ነቲ ሓሙኽሽቲ ክወስድዎ እንተድኣ ደልዮም፣ ካብ በዓል-መዚ ኣኽባር ሕጊ ፍቓድ ክሓቱ ኣለዎም።
እቲ ሓሙኽሽቲ ድሕሪ ዝተፈላለዩ መዘኻኸሪታትን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕን እንተድኣ ዘይተወሲዱ፣ እቲ ማእከል መቓጸሊ ሬሳ ባዕሉ ነቲ ሓሙኽሽቲ ክብትኖ ይኽእል።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ መዓስ እዩ ክካየድ ኣለዎ?
ኣብ ኔዘርላንድ፣ ሓደ ሬሳ መዓስ ክቕበር ወይ ክቃጸል ከም ዝኽእል ዝምልከት ሕግታት ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ዝስዕቡ ይምልከቱ፡
እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድሕሪ ሞት ካብ 36 ሰዓታት ኣቀዲሙ ክፍጸም ኣይክእልን እዩ። እዚ ድማ ሓደ ሰብ ከም ዝዓረፈ ብግቡእ ንምርግጋጽን ቅኑዕ ሰነዳት ንምውዳድን ግዜ ይህብ።
እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድሕሪ ሞት ካብ 6ይ ናይ ስራሕ መዓልቲ ከይደንጎየ ክፍጸም ኣለዎ።
ቀዳመ-ሰንበትን ህዝባዊ በዓላትን ከም ናይ ስራሕ መዓልታት ኣይቁጸሩን እዮም።
ቀብሪ ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት
ገሊኦም ሃይማኖታት ሓደ ሰብ ድሕሪ ሞት ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ ምቕባር ልምዲ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክትፍም ምስ እትደልይ፣ ካብ ከንቲባን በዓል-መዚ ኣኽባር ሕጊን ፍቓድ የድልየካ።
ምትሕልላፍ ስነ-ስርዓት ቀብሪ
ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቀብሪ ኣብ ውሽጢ 6 ናይ ስራሕ መዓልታት ክፍጸም ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ስድራ-ቤት መጀመርያ ናብ ኔዘርላንድ ክገሹ ስለዘለዎም። ኣብ ከምኡ ኩነታት ናብ ካልእ ግዜ ንኽተሓለልፍ ካብ ከንቲባን በዓል-መዚ ኣኽባር ሕጊን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ካብ ርሑቕ ዝጓዓዙ ኣባላት ስድራ-ቤት ዘለዎም፣ ወይ ሃይማኖታዊ ምኽንያት ዘለዎም ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ካልእ ግዜ ንኽተሓለልፍ ፍቓድ ክወሃቦም ይኽእል እዩ።
ወጻኢታት ናይ ቀብሪ
ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ቀብሪ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት € 10,000 ወጻኢታት ይሓትት። መብዛሕትኡ ግዜ ምቕጻል ሬሳ ዝሓሰረ ኮይኑ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት € 7,000 ወጻኢታት ይሓትት።
ቀንዲ ኣገደስቲ ወጻኢታት
ንኣብነት ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ትኸፍል፡
ንኣሳላጢ ቀብሪ
ንመቓብር
ናይ መቓብር እምኒ፣ ወይ ናይ መቓብር ሓወልቲ
ንሳንዱቕ
ካልእ ወጻኢታት እውን ክህሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ንዕምባባታት፣ መጓዓዝያ፣ ናይ ሓዘን ካርድ፣ ከምኡ እውን ድሕሪ ቀብሪ ንዝቐርብ መግብን ዝስተይን።
ቀብሪ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ቀብሪ መድሕን ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። እዚ መድሕን እዚ ናይቲ ድሕሪ ሞትካ ዝግበር ናይ ቀብሪ ወጻኢታት፣ ንገለ ክፋሉ ወይ ሓደ ሓደ ግዜ ንብምልኡ ይኸፍል።
ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ቀብሪ የዋድዶ
ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ቀብሪ ከዋድድ ዝኽእል ወይ ዝደሊ ሰብ ዘየለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ቀብሪ የዋድዶ። ከንቲባ ነፍስወከፍ ዝሞተ ሰብ ከም ዝቕበር ወይ ከም ዝቃጸል ከረጋግጽ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ምምሕዳር ከተማ ናይዚ ወጻኢታት እውን ይኸፍል።
ፍሉይ ማሕበራዊ ደገፍ
ነቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ባዕልኻ ከተዳልዎ ምስ እትደልይ፣ ግን ድማ እኹል ገንዘብ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ፍሉይ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ እቲ ወጻኢታት ክሕግዝ ይኽእል። እዚ ድማ ነቲ ቀብሪ ኣብ ምውዳድ ባዕልኻ ክትሳተፍ የኽእለካ።
ባህላዊን ሃይማኖታዊን ባህጊታት
ብዙሓት ሰባት ምስ እምነቶም ወይ ባህሎም ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክፋነዉ ይደልዩ እዮም። ንኣብነት ብጸሎት፣ ብወግዒ ምሕጻብ፣ ፍሉይ ክዳን ወይ ፍሉይ ኣገባብ ቀብሪ።
ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ግዜ ብዙሕ ምግባር ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር ንሕጊ ኔዘርላንድ፣ ከምኡ እውን ሕግታት መቓብር ወይ ማእከል ምቕጻል ሬሳ ኣብ ግምት ከተእቱ ኣለካ።
ስለዚ ብዛዕባ ባህግታትካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ኣሳላጢ ቀብሪ ተዘራረብ። ካብ እምነትካ ወይ ኣብ ማሕበረሰብካ ካብ ዝርከብ ሰብ ሓገዝ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ምቕባር
ገሊኦም ስድራ-ቤታት ነቲ መዋቲ ኣብ መበቆል ሃገሩ ክቐብርዎ ይምነዩ። ስለዚ ድማ እቲ መዋቲ ካብ ኔዘርላንድ ናብ ካልእ ሃገር ክጓዓዝ ኣለዎ። እዚ ድማ ምምላስ ሬሳ ይበሃል።
ናብ ወጻኢ ሃገራት ንዝግበር መጓዓዝያ ዝተፈላለዩ ሰነዳት የድሊ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሓደ ኣህጉራዊ ኣሳላጢ ቀብሪ እዩ ነዞም ሰነዳትን ነቲ መጓዓዝያን ዘዋድድ።
ናብ ብዙሓት ሃገራት ንምጉዕዓዝ፣ ናይ ሬሳ ይሕለፍ የድሊ። ነዚ ንምርካብ ኣብቲ እቲ ሰብ ዝሞተሉ ምምሕዳር ከተማ ኢኻ እተመልክት።
እቲ ሕግታት ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ይፈላለ እዩ። ስለዚ ኣብታ እቲ መዋቲ ዝቕበረላ ሃገር ኣየኖት ሕግታት ተፈጻምነት ከም ዘለዎም እውን መርምር።
እቲ መዋቲ፣ ንቐብሪ ወይ ሬሳ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምጒዓዝ ዝምልከት መድሕን ዝነበሮ ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን ተቖጻጸር። ምምላስ ሬሳ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድ ንዝሞተ ሰብ ምፍናው
ድሕሪ ሞት ግዜ ወሲድካ ነቲ መዋቲ ክትፋነዎ ትኽእል ኢኻ። ኣብተን ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘለዋ መዓልታት፣ ስድራ-ቤትን ፈተውትን ኣኽብሮቶም ክገልጹን ክፋነዉን ይኽእሉ። እዚ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ካብ ስድራ-ቤት ናብ ስድራ-ቤት ይፈላለ እዩ። ኣብዚ እምነትን ባህልን እውን ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ። ንኣብነት፣ ንጸሎት፣ ንወግዓዊ ስነ-ስርዓት፣ ወይ ንኻልእ ልምድታት ቦታ ኪህሉ ይኽእል እዩ።
ስድራ-ቤትን ፈተውትን ኣብ እዋን ቀብሪ ወይ ምቕጻል ሬሳ እውን እውን ክሰናበቱ ይኽእሉ። እዚ ስንብታ እዚ እንታይ ከም ዝመስል ብዓቢኡ ስድራ-ቤት ክውስን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ ድማ ባህጊ መዋቲ ኣብ ግምት ክኣቱ ይኽእል።
ኣብ ኔዘርላንድ ሰብ ምጽንናዕ
ኣብ ኔዘርላንድ ጽንዓት ይሃብኩም ምባል ማለት፣ ንሓደ ፈታዊኡ ወይ መቕርቡ ዝሞቶ ሰብ ምስኡ ከም እትሓዝን ንኽፈልጥ ምግላጽ ማለት እዩ። ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ጽንዓት ይሃብኩም ክትብል ድማ ትኽእል፣ ንኣብነት ብኣካል፣ ብካርድ፣ ወይ ብተሌፎን።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ቀብሪ፣ ቅድሚኡ ወይ ድሕሪኡ፣ ብውልቂ ንስድራ-ቤት ጽንዓት ይሃብኩም ክትብል እትኽእሉሉ ግዜ ኣሎ። ብዙሕ ክትብል ኣየድልየካን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ቀለልትን ቅንዕና ዝመልኦምን ቃላት እኹላት እዮም። ንኣብነት፡ ‘Gecondoleerd met je verlies’ ማለት 'ብዘጋጠመ ሞት ጽንዓት ይሃብካ'፣ ወይ ‘Heel veel sterkte' ማለት 'ብዙሕ ጽንዓት ክትረክብ ይምነየልካ' ክትብል ትኽእል ኢኻ።
ነቲ መዋቲ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ዝነበርካ እንተድኣ ኮይንካ ድማ ጽቡቕ ዝኽሪ እውን ከተካፍል ትኽእል ኢኻ። ነፍስወከፍ ሰብ ንሓዘን ብዝተፈላለየ ኣገባብ እዩ ዝገጥሞ። ስለዚ ንመቕርብ ቤተሰብ ማለት ንሓዘንተኛ ዕድል ሃብ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ክትሰምዕ ፈትን።
ኣገባብ ስንብታን ምጽንናዕን ኣብ ነፍስወከፍ እምነትን ባህልን ክፈላለይ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ስድራ-ቤታት ድሕሪ ሞት ፍሉይ ስርዓታት ወይ ልምድታት ኣለዎም። እቲ ልምዲ እንታይ ምዃኑ ዘይትፈልጥ እንተድኣ ኮይንካ፣ እቲ ስድራ-ቤት ዝደልዮ እንታይ ምዃኑ ሕተት።