
መሓመድ (45)፡ “እንታይ ከም ዝወረደኒ ኣይፈለጥኩን፣ ዳርጋ ልዕሊ ዓቐን ውጥረት ድማ ፈጢሩለይ።”
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት ኣበላት ክመልሱ ይግደዱ ስለዘለዉ፣ ፋይናንሳዊ ጸገማት ዘጋጥሞም ሰባት እናበዝሑ ይመጹ ከምዘለዉ መጽናዕትታት ይሕብሩ። መሓመድ (45) እውን እዚ ኣጋጢምዎ እዩ፡ "ስራሕ ክጅምር እንከለኹ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ዝገለጸለይ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።"
ሓድሽ ምጅማር ኣብ ኔዘርላንድ
መሓመድ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሆርን መንበሪ ገዛ ድሕሪ ምርካቡ፣ ከም ብዙሓት ካልኦት ስደተኛታት ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክወሃሃድ ደለየ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ተማሂሩ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን እውን ህይወቱ ዳግማይ ክሃንጽ ፈቲኑ። ድሕሪ ምግዓዙ ድማ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ይቕበል ነይሩ። ንገዝኡ ዝኸውን ኣቑሑት ገዛ ክገዝእ እውን ልቓሕ ተቐቢሉ።
እቲ ምምሕርዳር ከተማ፣ ስደተኛታት ስራሕ ክረኽቡ ንምሕጋዝ ምስ
ብዘይ ግቡእ ምርሒት ምስራሕ
ድሕሪ ዓመትን ፈረቓን መሓመድ ናይ ጋዜጠኛ ስራሕ ቐሪብሉ። እቲ ደሞዝ ትሑት እዩ ነይሩ፣ ናይ ዓመታት ተመኩሮኡ ድማ ኣይቁጸርን ነይሩ። መሓመድ፡ "ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበረኒ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ብዕቱብ ኣይተወሰደን። ኣይፋል ክብል ኣይደፈርኩን። ኣንጻር ሰብ-መዚ ክትዛረብ ካብ ዘይትኽእለሉ ባህሊ እየ መጺአ።"
ስራሕ ምስ ጀመረ መሓመድ ኣበላት ምቕባል ቀጸለ። ኣታዊኡ ትሑት ስለዝነበረ እዚ ዝፍቀድ መሲልዎ ነይሩ። "ስራሕ ምስ ጀመርኩ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ዝገለጸለይ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን፣" ድማ ይብል። "ዝኾነ ምኽሪ ይኹን ምርሒት ኣይረኸብኩን።"
ዘይተጸበዮ ዕዳ
ድሕሪ ሓደ ዓመት መሓመድ ካብ ምምሕዳር ከተማ ደብዳቤ ተቐበለ። ነቲ ናይ ገዛ ልቓሕ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክመልሶ ነይርዎ። ከም ንቡር ኣሰራርሓ ድሕሪ 3 ዓመት ናይዚ ልቓሕ ሕድገት ይግበር እዩ፣ እንተኾነ ግን ደጊም ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ስለዘይረክብ፣ እዚ ኣይምልከቶን ነይሩ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፣ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ እውን ደብዳቤታት በጽሖ። ኣበላት እውን ክመልስ ነይርዎ። "እዚ ዓቢይ ስንባደ እዩ ነይሩ" ይብል መሓመድ። "እንታይ ከም ዝወረደኒ ኣይፈለጥኩን። ዳርጋ ልዕሊ ዓቐን ውጥረት ድማ ፈጢሩለይ።”
ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ናይ ኣበላት ጸገም ኣለዎም
እዚ ናይ ኣበላት ጸገም ብብዝሒ የጋጥም ኣሎ። ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጀሚሩ፣ ቁጽሪ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ኣበላት ዕዳ ዘለዎም ስድራ-ቤታት ዳርጋ ብ3 ዕጽፊ ወሲኹ። ሰባት ኣቀዲሞም ካብ ዝግብኦም ንላዕሊ ኣበል ስለ ዝተቐበሉ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ኣበላት
ብመሰረት ኣገልግሎት ኣበላት -Dienst Toeslagen- እዚ ብቐንዱ ብሰንኪ እቲ ዝተሓላለኸ ስርዓተ-ኣበላት ዝሰዓበ እዩ። ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ መንግስቲ ንግዚኡ ገንዘብ ክምለሰሉ ምሕታት ደው ኣቢልዎ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ዕዳታት ከይተኸፍሉ ተሪፎም፣ ስለዚ ድማ ሰባት ሕጂ እዮም ብዛዕባኡ መልእኽትታት ዝቕበሉ ዘለዉ።
ምስ ዕዳታት ምንባር
መሓመድ ካብ ዕዳ ንኽገላገል መደብ ኣውጺኡ። ድሮ ንሰለስተ ዓመት ድማ ወርሓዊ ዕዳኡ ክመልስ ጸኒሑ። "ክሳብ 2027 ምኽፋል ክቕጽል ኣለኒ፣" ይብል። "ዕድለኛ ኮይነ በዓልቲ ቤተይ እውን ትሰርሕን ትሕግዘንን እያ። ብዘይ ንሳ ክገብሮ ኣይምኸኣልኩን ነይረ።"
ንመሓመድ ኩሉ ከይተረድኦ እዩ ጀሚሩ። ሕጽረት ሓበሬታ፣ ንኽሰርሕ ዝነበሮ ጸቕጢን ዝተሓላለኸ ስርዓትን ተደሚሩ ፋይናንሳዊ ጸገማት ኣስዒብሉ።
ሕጂ ነቲ ጸገማት ብንጹር ክርእዮ ክኢሉ ኣሎ። "ግዜኻ ክትወስድ ኣለካ፣" ይብል መሓመድ። "መሰላትካን ግዴታታትካን ምፍላጥካ ኣረጋግጽ፣ ኩሉ ግዜ ድማ እንታይ ትቕበል ከምዘለኻ ተቖጻጸር። እዚ ንዓይ ዘጋጠመኒ፣ ንኻልእ ሰብ ከየጋጥሞ ድማ ተስፋ እገብር።"
ንዓኻ እውን ተመሳሳሊ ጸገማት እንተድኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ብጥቕሚ ድዩ ወይስ ብዕዳ ትሽገር ኣለኻ? ድሕሪኡ ኣብ ግዚኡ ሓገዝ ሕተት። ንምምሕዳር ከተማኻ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት ንኣገልግሎት ምኽሪ ዕዳ ወይ ድማ ምስ ናይ ማሕበራዊ ከባቢ ጉጅለ። ክድግፉኻ ዝኽእላ ትካላት እውን ኣለዋ።