
ጣሃ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ካብ ሶርያ ሃዲሙ፡ "ድሕሪ ነፍስወከፍ ፋይል ሰብ ኣሎ"።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ጣሃ (19) ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ካብ ሃማ ሶርያ ብዘይ ወለዱ ናብ ኔዘርንድ መጺኡ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ተማሂሩ፣ ከምኡ እውን ናይ መጀመርታ ዲፕሎማ ረኺቡ። ሕጂ ድማ ዳርጋ 2.5 ዓመት ድሕሪ ምጽባይ፣ ኣብ ብዛዕባ ዘመልከቶ ዑቕባ ኣሉታዊ ውሳነ ተቐቢሉ። “ስለዚ እዩ እዚ ውሳነ ኣዝዩ ዘሕምም።”
ጣሃ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታሪኹ ኣካፊሉ
ጣሃ ብዕለት 30 ሰነ 2026 ኣብ ቅድሚ
“ ስመይ ጣሃ ይበሃል፣” ኢሉ ንኣባላት ባይቶ ነገሮም። “ወለደይ ዘይብለይ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ኮይነ ናብ ኔዘርላንድ መጺአ። ከም በጽሒ ሰብ ዘይኮነስ፣ ከም ቆልዓ እየ ድሕንነት ደልየ መጺአ።"
ንጣሃ እታ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበረት ህሞት ኣገዳሲት እያ ነይራ። ምኽንያቱ ድማ ኩሉ ነገር ብኡንብኡ ስለዝተፈትሐ ዘይኮነስ፣ ታሪኹ ኣብ ወግዓዊ ቦታ ስለዝተሰምዐ እዩ።
“ንዓይ ብዛዕባ መንበሪ ጥራይ ኣይኮነን፣” ይብል ጣሃ። “ብዛዕባ ድሕነት፣ ናጽነት፣ ሰብኣውነትን መጻኢ ህይወተይን እዩ።”
'ኔዘርላንድ ንዓይ ሰላም ማለት እያ ነይራ'
ጣሃ ካብ ሶርያ ዝመጸ እዩ። ኣብ ማእከል ውግእን ፍርሕን ዘይርጉጽነትን እዩ ዓብዩ። ንቡር ቁልዕነት ኣይነበሮን።
“ሓደ ቆልዓ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ፣ ክጻወት፣ ምስ ስድርኡ ድማ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ፣” ይብል። “ንእስነተይ ግን ዝተፈለየ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ቀጻሊ ክንግዕዝ ነይሩና።”
ጣሃ ከም ካልኦት ቆልዑት ኣብ ሶርያ ትምህርቱ ክውድእ ኣይከኣለን። ካብ ንኡስ ዕድሚኡ ስራሕ ክጅምር ነይርዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዋላ ቆልዓ እንከሎ፣ ቆልዑት ብሓቂ ክሓስቡሉ ብዛዕባ ዘይብሎም ነገራት ይሓስብ ነይሩ።
“ብዛዕባ ስራሕ፣ ገንዘብን ብህይወት ምንባርን ሓሲበ፣” ይብል። “ኣእምሮይ ኩሉ ግዜ ኣብ ድሕነት ዘተኮረ እዩ ነይሩ።”
ጣሃ እናዓበየ ምስ ከደ፣ ኣብ ሶርያ መጻኢ ከም ዘይብሉ እናተሰምዖ ከደ። ስለዚ ድማ እዩ ዝነቐለ። ንበይንኑ።
ንበይንኻ ናብ ኔዘርላንድ ጒዕዞ
ጣሃ ካብ ሶርያ ክወጽእ ከሎ ወዲ 16 ዓመት እዩ ነይሩ። ወለዱ ምስኡ ክኸዱ ኣይከኣሉን። እቲ ናብ ኤውሮጳ ዝነበረ ጉዕዞ ከቢድን ሓደገኛን እዩ ነይሩ።
ብዝተፈላለያ ሃገራት ኣቢሉ ተጓዒዙ። ሓደ ክፋል ናይቲ ጉዕዞ ብባሕሪ እዩ ነይሩ። ነዚ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። “ባሕሪ ኣፍሪሑኑ ነይሩ፣” ድማ ይብል። “ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኣብ መንገዲ ዝያዳ ካብ ሰባት እየ ዝፈርሕ ነይረ።”
ጣሃ ኣብ ለካቲት 2024 ናብ ኔዘርላንድ ኣትዩ። ዑቕባ ድማ ሓቲቱ። ኣብቲ እዋን እቲ ገና ትሕቲ ዕድመ እዩ ነይሩ። “ፈሪሐ፣” ይብል። “ግን ድማ ክሕይል ኣለኒ ዝብል ስምዒት ነይሩኒ። ኣብ ጎነይ ዝኾነ ሰብ ኣይነበረንን።ኣቦይ ኣይነበረን፣ ኣደይ ኣይነበረትን። ኩሉ ባዕለይ ክገብሮ ነይሩኒ።”
ጣሃ ኣብ ኔዘርላንድ ከም ብሓድሽ ጀሚሩ
ጣሃ ኣብ ኔዘርላንድ ንመጀመርታ ግዜ ሰላም ተሰሚዕዎ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ኣብ
“ጌጋታት ክገብር እየ ኢለ ኣይፈራሕኩን፣” ይብል ጣሃ። “እንተድኣ ተዛሪበ እመሃር ኢለ ሓሲበ። ስቕ እንተድኣ ኢለ ዋላ ሓንቲ ኣይመሃርን እየ።”
ጣሃ ደረጃ ብደረጃ ሓድሽ ህይወት ሃኒጹ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ሄንገሎ ኣብ ዝርከብ ROC Twente ናይ መጀመርታ ዲፕሎማኡ ረኺቡ። ብተወሳኺ ናይ ስራሕ ልምምድ ብምግባር ምስ ስንኩላን ኣብ ክንክን ጥዕና ክሰርሕ ጀሚሩ።
“ስራሕ ብልቢ እየ ዝሰርሕ፣” ብምባል ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እውን ነጊሩ። “ትምህርቲ ክቕጽል፣ ስራሕ ክቕጽል፣ ከምኡ እውን ነቲ ውሑስ ቦታ ዝሃበኒ ሕብረተሰብ ተመሊሰ ገለ ነገር ከበርክተሉ እየ ዝደሊ።”
እቲ ዘይርጉጽነት ቀጺሉ
ጣሃ ናብ ቤት-ትምህርቲ እናኸደን እናሰርሐን እንከሎ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ
“ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢለ ክነሰይ፣ ርእሰይ ግን ኣብ ክፍሊ ኣይከውንን፣” ይብል። “እንታይ ክጋጥመኒ እዩ እናበልኩ ይሓስብ? ክጸንሕ ይፍቀደለይ ድዩ? ክወጽእ ኣለኒ ድዩ?”
ጣሃ ኣብ መደረኡ እቲ ዘይርጉጽነት ኣዝዩ ከም ዝጸለዎ ገሊጹ። ጸቕጥን ወጥሪን ጥዕናዊ ጸገማትን ኣስዒቡሉ። “ኣብ ናተይ ዕድመ ሓሳበይ ብዛዕባ ምምሃር፣ ምዕባይን ምስራሕን መጻኢ ምህናጽን ክኸውን ይግባእ ነይሩ። ኩሉ ዝሃነጽክዎ ሃንደበት ክጠፍእ ይኽእል እዩ ኢለ መዓልታዊ ምፍራሕ ክኸውን ኣይግባእን።”
ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ጣሃ መንገዱ ቀጸለ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ተማሂሩ። ናብ ቤት-ትምህርቲ ከይዱ። ሰሪሑ። ክሳተፍ ድማ ፈቲኑ። “ኔዘርላንድ ካብ ሓደስቲ መጻእቲ እትሓቶ ክገብር ፈቲነ፣” ይብል። “ቋንቋ ምምሃር፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ምኻድ፣ ምስራሕ፣ ምስታፍ፣ ሓላፍነት ምውሳድ።”
'እቲ ምንጻግ ዘሕምም እዩ'
ጣሃ ብዕለት 12 ሰነ ብዛዕባ ዘመልከቶ ዑቕባ ኣሉታዊ ውሳነ ተቐቢሉ። IND ንእስልምና ከም ዝሓደጎ ንዝሃቦ መግለጺ ተኣማንነት ዘለዎ ኮይኑ ረኺብዎ። ይኹን እምበር፣ IND ብሰንኪ እዚ ናብ ሶርያ ምስ ተመልሰ ውልቃዊ ሓደጋ ዘጋጥሞ ኮይኑ ኣይረኸቦን። ካብዚ ሓሊፉ ብመሰረት IND ኣብ ሃማ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ኔዘርላንድ ሓለዋ ማዕረ ከውህቦ ዝኽእል ሕማቕ ኣይኮነን። ጣሃ ካብዚ ዝተፈልየ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። "ኣብ ሶርያ መንነተይ ክሓብእን፣ ምስ ሃይማኖታዊ ትጽቢታት ኣብ ከባቢየይ ናይ ዘለዉ ሰባት ከስተኻእልን ከይግደድ እፈርሕ እየ።"
ናብ ስራሕ ዳርጋ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነቲ ውሳነ ኣንቢብዎ። ኣብ መጀመርታ ስቕ በለ። ጸኒሑ ግን ኣብታ መዓልቲ ክበኪ ግድን ነበረ። "ኣነ ስራሕ ኣልቦ ኮይነ ኮፍ ኢለ ኣይጸናሕኩን” ይብል ጣሃ። “ብኣንጻሩ ኣብዚ ሕብረተሰብ ንኽሳተፍ፣ ንኽመሃር፣ ንኽሰርሕን ንፉዕ ሰብ ንክኸውንን ኩሉ ገይረ እየ። ስለዚ ድማ እዩ እዚ ውሳነ ኣዝዩ ዘሕምም።”
ንጣሃ ኩሉ ዝሃነጾ ሃንደበት ዘይርጉጽ ኮይኑ ይስምዖ፡ ቤት-ትምህርቱ፣ ስርሑ፣ መሳርሕቱ፣ ኣዕሩኽቱን መጻኢኡን።
'ሰብኣዊ ኣረኣእያ ክህሉው እሓትት'
ጣሃ ኣባላት ባይቶ ኣብ ጉዳይ ውልቃዊ ዑቕባኡ ክውስኑ ከምዘይክእሉ ይፈልጥ እዩ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ታሪኹ ከካፍሎም ደለየ። ምኽንያቱ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዘይርጉጽነት ንኸምኡ ዝኣመሰሉ መንእሰያት እንታይ ከም ዝገብሮም ከርኢ ስለ ዝደለየ፡ “ነቲ ቋንቋ ዝመሃሩ ዝነበሩ መንእሰያት። ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ ዝነበሩ መንእሰያት። ክሰርሑ፣ ክሳተፉ፣ ተመሊሶም ገለ ከበርክቱ ዝደልዩ መንእሰያት።”
ስለዚ ድማ እዩ ምሕጽንታኡ ዝጀመረ።
ጣሃ መጻኢኡ እንታይ ከም ዝመስል ገና ኣይፈለጠን። ብተስፋ ክቕጽል ግን ይፍትን። “ኣነ ድንጋጸ ኣይኮንኩን ዝሓትት ዘለኹ” ይብል። “ሰብኣዊን ቅኑዕን ኣረኣእያ እየ ዝሓትት ዘለኹ። ሕግታት፣ ኣሃዛትን ፋይላትን ጥራይ ኣይትርኣዩ። ብድሕሪኦም ንዘለዉ ሰባት እውን ርኣዩ።"
መልእኽቱ ንጹር እዩ፡ ንድሕነቱ ብዕቱብ እዩ ዝሰወዶ። ንጥዕንኡ ብዕቱብ ይወሰዶ። ንመጻኢኡ ብዕቱብ ይውሰዶ። “ተስፋ ምግባር ይቕጽል ኣለኹ፣” ይብል ጣሃ። “ብቕንዕና እየ ዝቕጽል። ታሪኸይ ምንጋር ድማ ክቕጽል እየ።”