
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ንኽትከይድ ምስ ዝድርኸካ ክትፈልጦ ዘለካ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ኣብቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣዝማድ እንተድኣ ኣለዉኻ ኮይኖምን፣ ከምኡ እውን ናብኡ ክትከይድ እንተድኣ ደሊኻን፣ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካዮ ወይ መንበሪ ፍቓድካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ታሕቲ እንታይ ኣብ ግምት ከተእትዎ ከም ዘለካ ኣንብብ።
ኣብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ዝጠፍኡ ኣዝማድ
ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኣባላት ስድራ-ቤት ትደልይ ምስ እትህሉው፣ ምስ
ብተሌፎን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻበዓል-መዚ ምሕደራ ሓደጋን ህጹጽ እዋንን ቱርኪ (AFAD)ቀይሕ መስቀል ኣብ ቱርኪን ሶርያን ንዝጠፍኡ ኣዝማድ ንምድላይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣስተውዕል፡ እቲ ከባቢ ድኹም ተበጻሕነት ዘለዎ እዩ፣ ከምኡ እውን ህጹጽ ሓገዝ ገና ሕጂ እዩ ዝጅምር ዘሎ። ስለዚ ቀይሕ መስቀል ብኡ ንብኡ ክሕግዘካ ዘይክእል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዝርዝር መወከሲ ናይ AFAD ኣብቶም ጒድኣት ዝበጽሖም ከባቢታት ቱርኪ
ብዛዕባ ሓደ ናይ ቱርኪ ዞባ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ AFAD ርክብ ክትገብር ምስ እትደልይ፣ ኣብዚ ታሕቲ ዝርዝር ቁጽሪ ተሌፎናት ኣሎ፡
AFAD Adana: 0090 (0) 322 227 2854
AFAD Adiyaman: 0090 (0) 416 216 1231
AFAD Antep: 0090 (0) 342 428 1118
AFAD Diyarbakir: 0090 (0) 412 326 1156
AFAD Hatay: 0090 (0) 326 112 0000
AFAD Malatya: 0090 (0) 422 212 8432
AFAD Maras: 0090 (0) 344 221 4991
AFAD Mardin: 0090 (0) 582 212 3740
AFAD Urfa: 0090 (0) 414 313 7290
ቀይሕ መስቀል
ኣነ ቱርካዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ቱርኪ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ
ናብ ቱርኪ ምምላስ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምጽናሕካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።እዚ
ኣብ ታሕቲ ንውልቃዊ ኩነትካ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ፡
ኣነ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪተ ኣለኹ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክምለስ ደልየ ኣለኹ
ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ክትርከብ እንተድኣ ዘይክኢልካ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ደው ክብል ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ካብ ኔዘርላንድ ምስ እትወጽእን ንIND ዘየፍለጥካ ምስ እትኸውንን።
IND ናብ ኔዘርላንድ
ኣይህብን እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ናብ ቱርኪ እንተድኣ ተጓዒዝካ፣ ናብ ኔዘርላንድ ክትምለስ ከም እትኽእል ውሕስነት የለን።መምለሲ ቪዛ
ኣነ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለኒ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክምለስ ደልየ ኣለኹ
ናብ ቱርኪ እንተድኣ ተጓዒዝካ፣ IND ነቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክስርዞ ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ሓደጋ ናብ እትወድቀሉ ሃገር ብምምላስካ እዩ።
IND ናብ ኔዘርላንድ
ኣይህብን እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ናብ ቱርኪ እንተድኣ ተጓዒዝካ፣ ናብ ኔዘርላንድ ክትምለስ ከም እትኽእል ውሕስነት የለን።መምለሲ ቪዛ
ኣነ ሶርያዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ሶርያ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ
ናብ ሶርያ ምምላስ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምጽናሕካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።እዚ
ኣብ ታሕቲ ንውልቃዊ ኩነትካ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ፡
ኣነ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪተ ኣለኹ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ሶርያ ክምለስ ደልየ ኣለኹ
ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ክትርከብ እንተድኣ ዘይክኢልካ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ደው ክብል ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ካብ ኔዘርላንድ ምስ እትወጽእን ንIND ዘየፍለጥካ ምስ እትኸውንን።
IND ናብ ኔዘርላንድ
ኣይህብን እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ናብ ሶርያ እንተድኣ ተጓዒዝካ፣ ናብ ኔዘርላንድ ክትምለስ ከም እትኽእል ውሕስነት የለን።መምለሲ ቪዛ
ኣነ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለኒ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ሶርያ ክምለስ ደልየ ኣለኹ
ናብ ሶርያ እንተድኣ ተጓዒዝካ፣ IND ነቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክስርዞ ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ሓደጋ ናብ እትወድቀሉ ሃገር ብምምላስካ እዩ።
IND ናብ ኔዘርላንድ
ኣይህብን እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ናብ ሶርያ እንተድኣ ተጓዒዝካ፣ ናብ ኔዘርላንድ ክትምለስ ከም እትኽእል ውሕስነት የለን።መምለሲ ቪዛ
ኣነ ሶርያዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ቱርኪ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ
ከም ሶርያዊ ስደተኛ መጠን ነቶም ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካ፣ ናብ ቱርኪ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ናብ ሶርያ ክትከይድ ዘይትኽእል፣ ግን ከኣ ናብ ቱርኪ ክትከይድ እትኽእለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ሶርያ ኣብ ሓደጋ ብምህላውካ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ስለ ዘመልከትካ እዩ።
ኣብ ኩነትካ ነየኖት ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ከም ዘለካ ኣብ ታሕቲ ኣንብብ፡
ኣነ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪተ ኣለኹ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክኸይድ ደልየ ኣለኹ
ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ገና ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ምናልባት ካብ ቆንስል ቱርኪ ናብ ቱርኪ ንምኻድ ቪዛ ኣይትረክብን ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ምዃን ሓደ ካብቲ ናብ ቱርኪ ቪዛ ንምርካብ ዘድልይ ጠለብ እዩ።
ሕጂ’ውን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ክነስኻ ናይ ቱርኪ ቪዛ ንምርካብ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ምናልባት መመልከቲኻ ክንጸግ እዩ። እቲ ናይ ቪዛ መመልከቲ እንተወሓደ 200 ዩሮ ወጻኢ ዝሓትት እዩ። ናይ ቪዛ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉ ድማ ገንዘብካ ኣይምለሰልካን እዩ።
ኣነ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለኒ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክምለስ ደልየ ኣለኹ
ሕጋዊ ናይ ቱርኪ ቪዛን ሕጋዊ ናይ ሶርያ ፓስፖርትን ምስ ዝህልወካ ነዚ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ፓስፖርት እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ናይ ስደተኛ ፓስፖርት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ቆንስል ቱርኪ፣ ኣብ ቱርኪ ስድራ-ቤት ወይ ኣዕሩኽ/መሓዙት ከም ዘለዉኻ ከተረጋግጽ እንተድኣ ክኢልካ ንመመልከቲኻ ብዝቐልጠፈ ከመስርሖ እዩ።
ናይ ሶርያ ፓስፖርት እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ክሳብ ንፈልጦ መንግስቲ ኔዘርላንድ ነቶም ናይ ገዛእ-ርእሶም ናይ ሶርያ ፓስፖርት ዘይብሎም ሶርያውያን ሓተቲ ዑቕባ ናይ መገሻ ሰነድ ክህብ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ምናልባት ካብ ቆንስል ቱርኪ ናብ ቱርኪ ንምኻድ ቪዛ ኣይትረክብን ኢኻ። ሕጋዊ ፓስፖርት ዘለካ ምዃን ሓደ ካብቲ ናብ ቱርኪ ቪዛ ንምርካብ ዘድልዩ ጠለባት እዩ።
ገና ቅኑዕ ናይ መንበሪ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ምናልባት ካብ ቆንስል ቱርኪ ናብ ቱርኪ ንምኻድ ቪዛ ኣይትረክብን ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ምዃን ሓደ ካብቲ ናብ ቱርኪ ቪዛ ንምርካብ ዝጥለብ ቅድመ-ኩነት እዩ።
ካብ ቱርኪ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እንተድኣ ወጺእካን፣ ናይ ምእታው እገዳ እንተሃልዩካን፣ ምናልባት ካብ ቆንስል ቱርኪ ቪዛ ኣይትረክብን ኢኻ።
ሕጂ’ውን ነቶም ቅድመ-ኩነታት ከየማላእካ ናይ ቱርኪ ቪዛ ንምርካብ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ምናልባት መመልከቲኻ ክንጸግ እዩ። እቲ ናይ ቪዛ መመልከቲ እንተወሓደ 200 ዩሮ ወጻኢ ዝሓትት እዩ። ናይ ቪዛ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉ ድማ ገንዘብካ ኣይምለሰልካን እዩ።
ቅድመ-ኩነታት ቪዛ ቱርኪ
ኣገደስቲ መርበባት-ሓበሬታ
ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዞባ ንኽትፈልጡን፣ ናይ መምለሲ ቪዛ ንምሕታትን ኣገደስቲ መርበባት-ሓበሬታ ኣለዉ፡