ዓንቀጽ

ሓበሬታን ክንክንን ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 5/6/2026 10:52

ንጾታዊነት ዝምልከት ክንክንን ሓበሬታን ትደልይ ዲኻ? ንኣብነት ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፣ ዘይተደልየ ጥንሲ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት። ብዛዕባ ክንክንን ሓበሬታን ኣብ መዳይ ጾታዊነት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዚ ኣንብብ።

ጾታዊ ጥዕና ብዛዕባ ኣካልካን ስምዒትካን እዩ

ጾታዊ ጥዕና ማለት ኩሉ ሰብ ባህታ ዝመልኦን ውሑስን ጾታዊ ተመኩሮታት ዝህልዎን፣ ብዛዕባኡ ድማ ጽቡቕ ስምዒት ዝስምዖን ምዃን ማለት እዩ። ንጾታዊነት ብዝምልከት፣ ጾታዊ ጥዕና ምስ ኣካልካን ስምዒታትካን  ዝተሓሓዝ እዩ። ንብዙሓት ዛዕባታት ዝምልከት ድማ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ፡ 

  • ውሑስ ጾታዊ ርክብ

  • ምጥናስን፣ ንዓኺ ባህ ብዝብለኪ ኣገባብ ምጥናስን

  • ኣብ ዝምድና ብስምዒታዊ መዳይ ጽቡቕ ዝስምዓካ ምዃን

  • ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምርዳእን፣ ንጾታዊ ርክብ ፍቓድ ምሃብን

  • ጾታዊ ክንክንን ሓበሬታን ንስግረ-ጾታውያን ዝኾኑ ሰባት

እዚ ዓንቀጽ፣ መብዛሕትኦም ሰባት ጾታዊነት ብዝምልከት ንዝለዎም ሕቶታት ዝምልከቱ ዛዕባታት፡ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፣

፣ ከምኡ እውን ዘይተደልየ ጥንስን ዝምልከት እዩ።


ውሑስ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከይሕዘካን ሰብ ከይጠጥንስን ትደልይ ዲኻ፣ ወይ ድማ ንስኺ ባዕልኺ ከይትጠንሲ ትደልዪ ዲኺ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ ይግባእ። ውሑስ ጾታዊ ርክብ ወይ ውሑስ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ማለት ቅድሚ ወይ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ንኸይትጠንሲን፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከይትጥቓዕን ዝከላኸሉ ንዋት ምጥቃም ማለት እዩ።

ውሑስ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፣ ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልካን ንኸይትጠንሲ ወይ ሰብ ንኸይተጥንስ ዝከላኸል ጾታዊ ርክብ እዩ። ብተወሳኺ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት (SOA) ንኸይሕዘኩም ይከላኸለኩም። SOA ብዘይ መከላኸሊ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽም፣ ናብ ካልእ ሰብ ከተመሓላልፎም እትኽእል ተላባዕቲ ሕማማት እዮም። ልሙዳት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፡ ክላሚድያ፣ ጅግል፣ ናይ ብልዕቲ ጥረታት፣ ናይ ብልዕቲ ሀርፐስ፣ ፍንጣጣን ኤች.ኣይ.ቪን ይርከብዎም።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ውሕስነት ንኽስምዓኩም ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ፡

  • ዘይትደልይዎ ነገር ኣይትግበሩ፣ ከምኡ እውን እትደልይዎ ነገር ግበሩ። 

  • ንመጻምድትኻ/ኺ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትደልይ ምዃናን ዘይምዃናን ሕተት።

  • ጥንሲ ን/ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ብሓባር እንታይ ከም እትገብሩ ምስ መጻምድትኻ/ኺ ተመያየጡ። 

  • ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ምቹእነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ/ኪ፣ ንመጻምድትኻ/ኺ ንገራ/ርዮ ከምኡ እውን ኣቋርጽ/ጺ። 

ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ካልእ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣብዚ ኣንብቡ፡

ዘይተደለየ ጥንሲ ምስ ዘጋጥመኪ ከምዚ ክትገብሪ ትኽእሊ

ዘይተደልየ ጥንሲ ማለት ዘይደልኽዮ ጥንሲ ማለት እዩ። ክትጠንሲ ዘይትደልይሉ ሓያሎ ምኽንያታት ክህልወኪ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ካብ ዘይደልኽዮ ሰብ ስለ ዝጠነስኪ፣ እቲ ጥንሲ ብዘይ መደብ ስለ ዘጋጠመ ወይ ድማ ነቲ ቆልዓ ንኸተዕብይዮ ተኽእሎታት ስለ ዘይብልኪ። 

ዘይደለኽዮ ጥንሲ እንተድኣ ኣጋጢሙኪ፣ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራጺታት ክሕብረኪ ይኽእል እዩ፣ ከም በዓል ምዕቃብ ጥንሲ፣ ርዕመት ቆልዓን ምንጻል ጥንሲን ዝኣመሰሉ። ከምኡ እውን ዘድልየኪ ክንክን ንኽትረኽቢ ንውከሳ ከመሓላልፈኪ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ናብ ሓኪም-ማህጸን፣ ቤት-ጽሕፈት ርዕመት ቆልዑት ወይ ናብ ክሊኒክ ጥንሲ። እቲ ሓኪም ውሳኔ ንኽትወስዲ ከገድደኪ ኣይክእልን እዩ፣ ንዓኺ ንምሕጋዝን ሓበሬታ ንኽህበኪን እዩ ኣብኡ ዝርከብ። 

እዚ ናይ Fiom

መርበብ-ሓበሬታ፣ ዘይተወጠነ ጥንሲ ዘጋጠሞም ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዘድልዮም ሓበሬታን ደገፍን ክረኽቡ ንምሕጋዝ ዝተፈጥረ እዩ።

ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኔዘርላንድ ሕጋዊን ውሑስን እዩ። ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዳግማይ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ፣ ድሕሪ ሕክምና ጸገም ንኸጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ድማ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ክሳብ 24 ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ማለት ክሳብ እቲ ዕሸል ካብ ኣካልኪ ወጻኢ ብህይወት ክነብር ዝኽእለሉ ግዜ ጥንስኺ ክትንጽልዮ ትኽእሊ ኢኺ። ብተግባር ሓካይም ክሳብ 22 ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ እዮም ዝሕግዙኺ። ነቲ ጥንሲ ክትንጽልዮ እንተድኣ ወሲንኪ፣ ብዘይ ክፍሊት ዝወሃብ ስምዒታዊ ሓገዝ ኣሎ። ነቲ ምንጻል ጥንሲ ንኸተመስርሕዮ ምእንቲ ብስምዒታዊ መዳይ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ/ላ ሰባት ድማ ኣለዉ/ዋ።

ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚርኪ፣ ብመንገዲ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ምንጻል ጥንሲ ከተዋድዲ እውን ትኽእሊ ኢኺ። ስለዚ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ነቲ ጥንሲ ንምቚራጽ መድሃኒት (ናይ ምንጻል ጥንሲ ከኒና) ክእዝዝ እዩ። ነዚ ድማ ካብ ፋርማሲ ክትወስድዮ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ክሳብ 9 ሳምንታት ናይቲ ጥንሲ ኣብ ዘሎ ግዜ ይከኣል እዩ። ኩሎም ሓፈሻዊ ሓካይም ምንጻል ጥንሲ ኣይገብሩን እዮም። ብዛዕባ እዚ ንሓፈሻዊ ሓኪምኪ ሕተቲ።

ካብ 9 ሳምንታት ንላዕሊ ጥንሲ ምስ ዝህልወኪ፣ ብመንገዲ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ ኣይትኽእሊን ኢኺ። ኣብ ክሊኒክ ምንጻል ጥንሲ ወይ ሆስፒታል ግን ክግበር ይከኣል እዩ። ናብ ሆስፒታል ንምኻድ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ መወከሲ ደብዳቤ የድልየኪ እዩ። ናብ ክሊኒክ ምንጻል ጥንሲ ንምኻድ ግን እዚ ኣየድልየኪን እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዲኺ እትነብሪ ወይ እትሰርሒ? ስለዚ እቲ ሕክምና ዋላ ሓንቲ ወጻኢታት ኣይሓተኪን እዩ። ኣብ ክሊኒክ ምንጻል ጥንሲ ወይ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ብመንግስቲ እዩ ዝሽፈን (ብድጎማ)። መድሕን ጥዕናኺ ድማ ኣብ ሆስፒታል ንዝግበር ምንጻል ጥንሲ ክሽፍኖ እዩ።



እዚኦም መርበባት-ሓበሬታ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ክትጥቀመሎም ትኽእል

ኣብ soaaids.nl ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና፣ ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Sense.info

ንኹሎም ንጾታዊ ርክብ ዝምልከቱ ሕቶታትካ ይምልሰልካ። ብፍላይ ዕድመኻ ካብ 12 ክሳብ 25 ዓመት ምስ ዝኸውን እዚ መርበብ-ሓበሬታ ንኽትውከሶ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ማእከል ጾታዊ ዓመጽ

ንዝኾነ ኣሰቃቒ ጾታዊ ተመኩሮ ዘጋጠሞ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ይህብ - ብኢንተርነት ወይ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ። እቲ ጉዳይ ኣብ ቀረባ ግዜ ወይ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ብዘየገድስ።

Zanzu.nl

ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና ብቋንቋኻ ሓበሬታ ዝሓዘ መርበብ-ሓበሬታ እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና ንLHBTQIA+ ሰባት

SOA Aids Nederland፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንLHBTQIA+ ዝኾኑ ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ዝምልከት ሰፊሕ መምርሒ ጾታዊ ጥዕና ኣለዎ። ብተወሳኺ እዚ መምርሒ፣ ብዛዕባ ኔዘርላንድ ሰፊሕ (ድሕረ-ባይታዊ) ሓበሬታን፣ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝኸውን ብዛዕባ ጠቐምቲ ውድባት፣ መርበባት-ሓበሬታን ናይ ደገ ምዝንጋዕን ዝምልከቱ ምኽርታትን ይህብ። እቲ መምርሒ ብቋንቋታት እንግሊዝን ዩክሬንን

ይርከብ።

Man tot Man

፣ ምስ ደቂ-ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ንዝፍጽሙ ደቂ-ተባዕትዮ ምኽሪ ዝህብ መርበብ-ሓበሬታ እዩ። እቲ መርበብ-ሓበሬታ ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ክንክን ጥዕና፣ ጾታዊነት፣ ዝምድናታት፣ 'prep'፣ ከምኡ እውን ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ዕርክነት ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ብዙሕ ጠቓምን ግብራውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ንስግረ-ጾታ ዝዓለሙ ውድባት

  • ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ Transgender Netwerk

    ፣ ብዛዕባ ንስግረ-ጾታ ማለት ትራንስጀንደር ዝምልከቱ ዛዕባታት ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ገሊኡ ክፋላት ናይቲ መርበብ-ሓበሬታ ብቋንቋ እንግሊዝ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግን ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ። ብርግጽ ነቲ ሓበሬታ AI ወይ ካልእ መተርጎሚ መሳርሒ ተጠቒምካ ባዕልኻ ክትትርጉሞ ትኽእል ኢኻ። እዚ መርበብ-ሓበሬታ ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ንስግረ-ጾታ ናይ ዝዓለሙ ውድባት ዝርዝር እውን ክትክረብ ኢኻ።

  • Transvisie

    ። እዚ ንስግረ-ጾታ ማለት ትራንስጀንደርን ዝተፈላለየ ጾታ ንዘለዎም ሰባትን ዝጣበቕ ውድብ እዩ። ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ፣ ከም ክንክን ጥዕና፣ መድሕን ጥዕና፣ ድሕነት፣ ሕጊ፣ ሃይማኖት፣ ትምህርትን ስራሕን ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ንዓኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ዘተ ጉጅለታት ክትጽንበርን፣ ምስ ካልኦት ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስግረ-ጾታ ዝኾኑ ሰባት ክትራኸብን እውን ትኽእል ኢኻ። ብኢንተርነት ዝካየዱ ናይ ኣኼባ ጉጅለታት እውን ኣለዉ።

  • Trans in NL advieslijn

    ። ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዘይተቐመጥካን ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ስግረ-ጾታ ማለት ትራንስጀንደር ሰባት ከመይ ምዃኑ ክትፈልጥ ምስ እትደልይን፣ ነዚ ናይ ዋትስኣፕ መስመር ተጠቐም። ንኣብነት ስርዓተ ክንክን ጥዕና ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ? ኣድልዎ ምስ ዝግበረልካ ናበይ ክትከይድ ትኽእል? ወይ ምዝገባ ጾታኻ ብኸመይ ክትቅይሮ ትኽእል? እዚኦምን ካልኦት ብዙሓት ሕቶታትን ናብ መስመር ምኽሪ ትራንስጀንደር -Trans in NL advieslijn- ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ናብ 020-2446558 ናይ ዋትስኣፕ መልእኽቲ ስደድ፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት መልሲ ክትረክብ ኢኻ። ሕቶታትካ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ስጳኛ ወይ ፈረንሳ ክትሓትት ድማ ትኽእል ኢኻ።



እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር