ንጉስን ንግስትን ናይ ኔዘርላንድ ኣብ እዋን መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ኣደባባይ ዳም ኣብ ኣምስተርዳም ኣኽሊል ዕምባባ የንብሩ።
ምንጪ፡ Marco De Swart
ዜና

ኣብ እዋን መዓልቲ ዝኽሪ 4 ግንቦት ንግዳያት ኲናት ምዝካር

ዝተሓትመሉ ኣብ: 29/4/2025 12:00 ቅ.ቀ.

ነፍስወከፍ ዓመት ዕለት 4 ግንቦት ኔዘርላንድ ንግዳያት 2ይ ኲናት ዓለም ሓዊሱ ንግዳያት ኲናት ትዝክር። እዚ ድማ መዓልቲ ዝኽሪ ይበሃል። ኣብዚ ዓንቀጽ፣ መዓልቲ ዝኽሪ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ከም እተስተብህልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን 2ይ ኲናት ዓለም ኔዘርላንድ ኣብ መንጎ 1940ን 1945ን ብጀርመን ተታሒዛ ነይራ። ኣብቲ እዋን እቲ ልዕሊ 100,000 ኔዘርላንዳውያን ኣይሁድ ብጀርመናውያን ጎበጥትን ኔዘላንዳውያን ተሓባበርቶምን ተኣሲሮም ከምኡ እውን ተቐቲሎም። ብዘይካ ኣይሁድ ካልኦት ውሑዳን ጉጅለታት እውን ተኣሲሮምን ተቐቲሎም እዮም።

ኣንጻር ጀርመናውያን ተቓውሞታት ምግባር ከቢድ መቕጻዕቲ ዘስዕብ እዩ ነይሩ። ጀርመናውያን ጎበጥቲ ወይ ኔዘላንዳውያን ተሓባበርቶም ሓደ ሰብ ኣብ ተቓውሞ ይነጥፍ ከምዘሎ እንተድኣ ፈሊጦም መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ይእሰሩ፣ ይሳቐዩ ወይ ይቕተሉ ነይሮም።

ብዕለት 5 ግንቦት 1945 እቲ ጎበጣ ኣብቒዑ። ካብ ፈተውቲ ሃገራት ዝመጹ ወተሃደራት ንኔዘርላንድ ድሕሪ ምሕጋዞም ድማ ጀርመን ኢዳ ሂባ። ስለዚ ኢና ድማ ነፍስወከፍ ዓመት መዓልቲ ሓርነት ኣብ ዕለት 5 ግንቦት ነብዕል።

ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ሰባት ን2 ደቓይቕ ጸጥ ይብሉ

ምሸት 4 ግንቦት ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ሰብ ሰዓት 20፡00 ንግዳያት ኲናት ንምዝካር ን2 ደቓይቕ ስቕታ ክገብር እዩ።  ኣብተን 2 ደቓይቕ ድማ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ዝተቐትሉ ኣይሁድ ኔዘርላንዳውያንን ካልኦትን ንዝክር።

እቲ ስቕታ፣ ነቶም ንናጽነት ኔዘርላንድ ዝተቓለሱ ሰባት ኣኽብሮት ንምርኣይ እውን እዩ። ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቶም ገና ሕጂ እውን ኣብ ኲናትን ዓመጽን ዝከላበቱ ዘለዉ ሰባት ንምሕሳብ።

ሃገራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ኣደባባይ ዳም ኣብ ኣምስተርዳም እዩ ዝካየድ

እቲ ኣብ ኣምስተርዳም ዝካየድ ሃገራዊ ዝኽሪ ኣብ ኔዘርላንድ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ዝኽሪ ፍጻመ እዩ። ኣብ እዋን እቲ ሃገራዊ ዝኽሪ መደረታት ይቐርብን ግጥሚ ይንበብን። ንጉስን ንግስቲን ኣብቲ ኣብ ዳም -Dam- ዝርከብ ሓወልቲ ኲናት ብስም ኩሉ ህዝቢ ኔዘርላንድ ኣኽሊል ዕንባባ ከንብሩ እዮም። ንጉስ ንግዳያት ኲናት ዝዝክረሉ መደረ እውን ከስምዕ እዩ።

NOS
ነዚ ካብ ሰዓት 19፡30 ጀሚሩ ብቐጥታ ብመስመር NPO1 ብተሌቪዥን ከመሓላልፎ እዩ። ብኸምዚ ድማ ኩሉ ሰብ ነቲ ዝኽሪ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክከታተሎ ይኽእል።

እቲ ኣብ ቅርዓት ዳም ዝግበር ሃገራዊ ዝኽሪ ብነጻ ንኽትበጽሖ ዝከኣል እዩ። ቦታ ምሕዛእ ወይ ኣቐዲምካ ምምዝጋብ ድማ ኣየድልይን እዩ።

ኣብ መላእ ሃገር ድምጺ ኣልቦ ሰልፍታትን ናይ ዝኽሪ ምርኢታትን ይካየዱ

ሓያሎ ከተማታትን ገጠራትን ናይ ዝኽሪ መደባት የዳልዋ እየን። ኣብዚ እውን ሰባት ኣብ ሓወልቲታት ኲናት ኣኽሊል ዕንባባታት የንብሩ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ድማ ሰባት ኣብ ናይ ስቕታ ሰልፊታት ይሳተፉ። ብተወሳኺ ንግዳያት ኲናት ክብሪ ንምሃብ ኣብ መላእ ሃገር ኣስተምህሮታትን ናይ ዝኽሪ ምርኢታትን ይዳለዉ።

ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ጎደና ነዚ ከተስተብህል ኢኻ

  • ሰባት ንባንዴራ ኔዘርላንድ ኣብ ገዝኦም ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ይሰቕልዋ። ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ምስቓል ኣብ ሓዘን ከም ዘለኻ ዘርእይ እዩ። ኣብ ዕለት 5 ግንቦት ድማ መዓልቲ ሓርነት ንምጽምባል ሰባት ነታ ባንዴራ ብንቡር ይሰቕልዋ።

  • ዳርጋ ኣብ ኩሉ ህዝባዊ ቦታታት ሰዓት 20፡00 ስቕታ ኣሎ። ነፍስወከፍ ሰብ ስቕታ ክገብርን፣ ኣብ መኪና ይኹን ብሽክለታ ዘይምዝዋርን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ እውን መራሕቲ መካይን ኣውቶቡሳቶም ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው የብሉ። ኣብ ኣብያተ-መግብታትን ካፈታትን ድማ ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ሰዓት 20፡00 ምስ ቀረበ ናይ 2 ደቓይቕ ስቕታ ዝግበረሉ ግዜ ምዃኑ ይነግሩ።

ጽምብል ሓርነት ኣብ መዓልቲ ሓርነት

ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ሃገራዊ በዓል 'መዓልቲ ሓርነት' ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር