ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ወግዓዊ በዓላት እዮም። ኣብዚ ዓመት መዓልቲ ዕርገት ኣብ ሓሙስ 9 ግንቦት፣ ጴንጠቆስጠ ድማ ኣብ 19ን 20ን ግንቦት 2024 እዮም ዝውዕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ዝበዝሑ ሰባት ምስራሕ ኣየድልዮምን እዩ፣ ነዞም በዓላት ድማ የብዕሉ።
ትሕቲ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኔዘርላንድ ሃይማኖታውያን ከምዘይኮኑ ይጠቕሱ። ኮይኑ ግን መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ንበዓላት ክርስትና ዕርገትን ጴንጠቆስጠን የብዕሉ እዮም። እዞም በዓላት ብዘይኣመንቲ እውን ይኽበሩ እዮም። ኣብዚ ታሕቲ ነፍስወከፍ በዓል ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከምዝኽበር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ መዓልቲ ዕርገት ኣመንቲ ክርስትና ኢየሱስ ናብ ሰማይ ከም ዝኸደ ይዝክሩ። ብባህሊ ድማ ድሕሪ በዓል ፋሲካ ኣብ መበል 40 መዓልቲ ይኽበር። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ፋሲካን ዕርገትን ኣብ ውሽጢ 40 መዓልታት እምነት ክርስትና ኣብ ምድሪ ከም ዘስፋሕፍሖ ይገልጽ። ሎሚ ዓመት ዕርገት ሓሙስ 9 ግንቦት እዩ ዝበዓል።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዕርገት ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም እዩ ተፈጺሙ፣ ኣብኡ ድማ ኢየሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ እምነት ክርስትና ክዝርግሑ ነገሮም። ደቀ-መዛሙርቱ እናተዓዘቡ ድማ ኢየሱስ ንሰማይ ዓረገ ካብ ትርኢት ዓይኒ ድማ ተሰወረ። እዚ ድማ መወዳእታ ህላወ ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ኮይኑ እዩ ዝረኣይ።
ኣብ መዓልቲ ዕርገት ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስቲያናት ፍሉያት ኣገልግሎታት ይካየዱ እዮም። ወግዓዊ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እውን ስለዝኾነ፣ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ወይ ካብ ትምህርቲ ነጻ እዮም። ኣብ ገለ ቦታታት ከም ሰልፊታት፣ ምርኢታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ይውደቡ እዮም። እዚ ፍጻመታት ክርስትያን ንዘይኮኑ ሰባት ዝኸውን እውን እዩ።
ጴንጠቆስጠ ድሕሪ ፋሲካ ኣብ መበል 50 መዓልቲ ይፍጸም። ኣብ ኔዘርላንድ ጴንጠቆስጠ ኣብ ክልተ መዓልታት እዩ ዝበዓል። ሎሚ ዓመት ሰንበት 19ን ሰኑይ 20 ግንቦትን እዩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ደቀ-መዛሙርቲ ኢየሱስ መልእኽቱ ንምስፋሕፋሕ ትብዓት ከምዝረኸቡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ስለዚ ድማ እዮም ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ንጴንጠቆስጠ ከም መፈለምታ ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝርእይዎ።
ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትአን ክርስትያናዊ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ጴራቅሊጦስ ሰንበትን ሶኑይን ፍሉይ ኣገልግሎታት ቤተ-ክርስትያን የካይዳ። ጴንጠቆስጠ ኣብ ኔዘርላንድ ሃገራዊ በዓል እኳ እንተኾነ ነፍስወከፍ ሰብ ብሰፊሑ ዘብዕሎ ኣይኮነን። ዘይከም በዓል ፋሲካ ንኣብነት።
ልክዕ ከም መዓልቲ ዕርገት፣ ጴንጠቆስጠ እውን ኣብ ህዝባዊ ህይወት ብዙሕ ኣይረኣይን እዩ። ኣብ ጴንጠቆስጠ ዝግበር ፍሉይ ስልማት ወይ ዝብላዕ መግቢ የለን። ዋላ እኳ ገለ ኔዘርላንዳውያን ክሳብ ሕጂ ባህላዊ ሕብስቲ ጴንጠቆስጠ ዝሰርሑ እንተኾኑ።
ዋላ እኳ እዞም በዓላት ኩሉ ግዜ ብዓይኒ ብዝረኣይ ዝጽንበሉ እንተዘይኮኑ ኣብ ኔዘርላንድ ወግዓዊ ህዝባዊ በዓላት እዮም። እዚ ማለት ድማ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብዞም በዓላት ነጻ እዮም ማለት እዩ። እንተኾነ ግን ኩሉ ሰብ ካብ ስራሕ ነጻ ኣይኮነን። ነጻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ርግጸኛ ክትከውን ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ንኣስራሒኻ ሕተት።
ኣብ ኩሎም እዚኦም በዓላት ብዙሓት ድኳናት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እየን ዝዕጸዋ ወይ ዝኽፈታ። ዕዳጋኻ ክትገብር ከም እትኽእል ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ከባቢኻ ንዝርከብ ድኳን ናይ ስራሕ ሰዓታት ሕተት።