• ጀምር
  • ሕጂ IND ብዛዕባ ናይ ተር ኣፐል ቆጸራኻ መልእኽትታት SMS እውን ክሰደልካ ይኽእል እዩ
ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ህንጻ ቤት-ጽሕፈት IND።
ምንጪ፡ Flickr

ሕጂ IND ብዛዕባ ናይ ተር ኣፐል ቆጸራኻ መልእኽትታት SMS እውን ክሰደልካ ይኽእል እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 29/11/2023 2:59 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ምስ IND ኣብ ተር ኣፐል ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ዕድመ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብመልእኽቲ ተሌፎን (sms) ክዕድመካ እዩ።

ካብ IND ብፖስታን ብመልእኽቲ SMSን ዕድመ ክትቕበል ኢኻ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ሕጂ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዝምልከት ቀዳማይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ብመልእኽቲ ተሌፎን (sms) ክዕድመካ እዩ። ኣብ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ ምልላይ መንነትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን (AVIM)
ኣብ እትምዝገበሉ እዋን ንቁጽሪ ተሌፎንካ ክዕቅብዎን፣ ነዚ ናብ IND ከመሓላልፍዎን እዮም። ምስ IND ዝህልወካ ቀዳማይ ቃለ-መሕትትካ ንመዓስ ከም ዝተወጠነ ምስ ተፈልጠ ድማ IND ብተሌፎን መልእኽቲ (sms) ክሰደልካ እዩ። ብዘይካ sms ገና እቲ ንቡር ናይ ዕድመ ወረቐት እውን ክትቕበል ኢኻ።

ብዛዕባ ኣብ ተር ኣፐል ዝግበሩ ዝርርባት ጥራይ ኢኻ sms ትቕበል

IND ኣብ ተር ኣፐል ንዝካየዱ ዝርርባት ብዝምልከት ጥራይ እዩ ዕድመታት ዝልእከልካ። እዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት ድማ ብፖስታ ዝለኣኹ ዕድመታት ሓደ ሓደ ግዜ ስለ ዝጠፍኡ፣ ወይ ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ቦታ ስለዝቕይሩ ናብቲ ቅኑዕ ቦታ ስለዘይበጽሑ እዩ። እቲ sms ከም ዕለት፣ ቦታን ሰዓትን ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ናይቲ ምስ IND ዘለካ ቆጸራ ዝሓዘ እዩ። IND፣ ቅድሚ እቲ ቆጸራ ብመንገዲ sms መዘኻኸሪ እውን ክሰደልካ እዩ።

ብመንገዲ SMS ምስ IND ርክብ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ

እቲ ተሌፎናዊ መልእኽቲ ‘no-reply-sms’ [መልሲ ክትህበሉ ዘይከኣል መልእኽቲ] እዩ። እዚ ማለት ምስ IND ንምርኻብ መልሲ ክትህበሉ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ስለዚ ከምኡ ምስ እትገብር ብIND ኣይንበብን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?