ኣስተውዕል፡ ሓደ ክፋል ናይዚ ዓንቀጽ ገና ኣይተተርጎመን ኣሎ። ተርጎምቲ ድማ ይሰርሕሉ ኣለዉ። ንምሉእ እቲ ዓንቀጽ ብቋንቋኻ ንኸተንብብ ኣብ ቀረባ እዋን ተመለስ።

ምንጪ፡ Flickr
ዜና
ሕጂ IND ብዛዕባ ናይ ተር ኣፐል ቆጸራኻ መልእኽትታት SMS እውን ክሰደልካ ይኽእል እዩ
ዝተሓትመሉ ኣብ: 11/29/2023 12:00 ቅ.ቀ.
ምስ IND ኣብ ተር ኣፐል ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ዕድመ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብመልእኽቲ ተሌፎን (sms) ክዕድመካ እዩ።
ብዛዕባ ኣብ ተር ኣፐል ዝግበሩ ዝርርባት ጥራይ ኢኻ sms ትቕበል
IND ኣብ ተር ኣፐል ንዝካየዱ ዝርርባት ብዝምልከት ጥራይ እዩ ዕድመታት ዝልእከልካ። እዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት ድማ ብፖስታ ዝለኣኹ ዕድመታት ሓደ ሓደ ግዜ ስለ ዝጠፍኡ፣ ወይ ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ቦታ ስለዝቕይሩ ናብቲ ቅኑዕ ቦታ ስለዘይበጽሑ እዩ። እቲ sms ከም ዕለት፣ ቦታን ሰዓትን ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ናይቲ ምስ IND ዘለካ ቆጸራ ዝሓዘ እዩ። IND፣ ቅድሚ እቲ ቆጸራ ብመንገዲ sms መዘኻኸሪ እውን ክሰደልካ እዩ።
ብመንገዲ SMS ምስ IND ርክብ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ
እቲ ተሌፎናዊ መልእኽቲ ‘no-reply-sms’ [መልሲ ክትህበሉ ዘይከኣል መልእኽቲ] እዩ። እዚ ማለት ምስ IND ንምርኻብ መልሲ ክትህበሉ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ስለዚ ከምኡ ምስ እትገብር ብIND ኣይንበብን እዩ።
መስርሕ ዑቕባ