• ጀምር
  • ዑቕባ ዝሓተትካ ምስ እትኸውን ሕጂ ምስ እትፈልጦም ሰባት ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ
ሓደ መንእሰይ ኣብ ዝቕንየሉ ናብ እተአንግዶ ሰበይቲ ኣንፈት ፍሽኽ ይብል።
ምንጪ፡ Kick Smeets / COA

ዑቕባ ዝሓተትካ ምስ እትኸውን ሕጂ ምስ እትፈልጦም ሰባት ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 15/1/2024 8:44 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ መዕቆቢ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ንኽትቕንይ ምኻድ ድማ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ምስ ቤተሰብን ኣዕሩኽቲን ምቕናይ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ መዕቆቢ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
COA
ዲኻ ትነብር፣
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
ድማ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ምስ እትፈልጦም ሰባት ን3 ኣዋርሕ ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። COA ነዚ 'ደንቢ ግዝያዊ ምቕናይ' ኢሉ ይጽውዖ። ንምቕናይ ኣብ እትኸደሉ እዋን ደጊም ኣብ COA ዓራት ኣይክህልወካን እዩ። እንተኾነ ግን ሰሙናዊ ናብ COAን
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ ምልላይ መንነትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን (AVIM)
ምሕባር ክትቅጽል ኣለካ። ነዚ ተሌፎን ብምድዋል ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነዚ ንምግባር ናብቲ መዕቆቢ ቦታ ምኻድ ኣየድልየካን እዩ።

ንምቕናይ ምኻድ ኣብ ልዕሊ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። ንነዊሕ ግዜ ምጽባይ ኣየድልየካን እዩ፣ ኣብ ዝርዝር መጸበዪ እውን ኣይትኣቱን ኢኻ። COA ብመንገዲ እቲ 'ደንቢ ግዚያዊ ምቕናይ' ኣብ መዕቆቢ ቦታ ንዘሎ ጻዕቂ ሰብ ክቕንስ ጥራይ እዩ ዝደልይ።

ንግዚኡ ንምቕናይ ንምኻድ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ምስ ቤተሰብ ወይ ኣዕሩኽ ንግዚኡ ክትቕንይ እንተደሊኻ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • ኣብ መስርሕ ዱብሊን እትርከብ ኣይኮንካን፣ ከምኡ እውን ካብ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ውሕስቲ መበቆል ሃገር
    ኣይኮንካን መጺእካ።

  • ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ።  

  • ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN) ኣለካ። 

  • ቆልዑት ዘለዉኻ ምስ እትኸውን፣ እቲ እትቕንየሉ ቦታ ኣብ ጥቓ እቲ ደቅኻ ዝመሃርሉ ቤት-ትምህርቲ ክኸውን ኣለዎ። ብኸምዚ መንገዲ ደቅኻ ቤት-ትምህርቲ ከይቐየሩ ምምሃር ክቕጽሉ ይኽእሉ።  

  • እቲ እትቕንየሉ ቦታ ኣብ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ወይ ኣብ ጥቕኡ ሓኪም ኣለካ። ወይ ድማ ኣብ ሓኪም ናይቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ንኽትምዝገብ ተኽእሎ ኣለካ።

  • ጽዑቕ ሕክምናዊ ፍወሳታት ወይ ዝተሓላለኸ ክንክን ጥዕና ኣየድልየካን እዩ። 

ኣብ እዋን ምቕናይካ እዚኦም መሰላት ኣለዉኻ

ኣብ እዋን ምቕናይካ ገና እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዉኻ፡

  • ናይ መነባብሮን መግቢን ኣበል ካብ COA። ዕድሜኻ 21 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ንግዚኡ ኣብ ሰሙን ተወሳኺ 75 ኤውሮ ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ገንዘብ ምስ ብዙሓት ኣባላት ስድራ-ቤት ክትቕንይ ምስ እንትኸውን ዝወሓደ እዩ።

  • ካሕሳ ናይ ክንክን ጥዕናኻ። ኣብ እትቕንየሉ እዋን ናይ ገዛእ-ርእስኻ ሕክምናዊ ክንክን ንኸተዋድድ ኣየድልየካን እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ትሕቲ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ደንቢ ሕክምናዊ ክንክን ንሓተትቲ ዑቕባ (RMA)
    ኢኻ እትምደብ። ናብ ሓኪምካ ወይ ሆስፒታል ንምኻድ እውን ገንዘብ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ነዚ ንምርካብ ድማ ናብ COA ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንምቕናይ ክትከይድ እንተድኣ ኮይንካ ነዚ ከዋድድ ኣለካ 

ምስ ኣዕሩኽትኻ ወይ ቤተሰብካ ክትቕንይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ምስ ናይ COA ኮንታክትፐርሶንካ ርክብ ግበር፣ ወይ ናብ ሰደቓ-ሓበሬታ ኪድ። ሰራሕተኛታት ናይ COA ንምቕናይ ክትከይድ ንኽትክእል እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ክገልጹልካ እዮም። COA፣ ንግዚኡ ንምቕናይ ንምኻድ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምግምጋም ኣቐዲሙ ምሳኻ ዝርርብ ክገብር እዩ። COA መሰላትካን ግዴታታትካን እውን ክገልጸልካ እዩ።

COA ንግዚኡ ንኽትቕንይ ክትከይድ ከም እትኽእል ምስ ዝውስን ንስኻን እቶም ዘአንግዱኻ ሰባትን 'ስምምዕ ግዝያዊ መቐነዪ ቦታ' ክትፍርሙ ኢኹም። እቲ ምቕናይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ጥቕሚታት ማሕበራዊ ደገፍ ወይ ኣበላት ብዝምልከት። ናይ COA ኮንታክትፐርሶንካ ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ዝገልጽ ደብዳቤ ክህበካ እዩ። ነዚ ደብዳቤ ድማ ነቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ትህቦም። ንሳቶም ድማ ነቲ ደብዳቤ ምስ ኣንበብዎ ክፍርምሉ ኣለዎም። እዚ ኣካል ናይቲ ስምምዕ እዩ።

እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ተዋድድ፡

  • ኣብቲ ንግዚኡ እትቕንየሉ ኣድራሻ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ትምዝገብ። እዚ ምቕናይ ድሕሪ ምጅማርካ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ክግበር ኣለዎ።

  • ናይ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ኣማኻሪ እውን ኣለካ ድዩ? ስለዚ ንናይ VWN ኣማኻሪኻ እውን ንግዚኡ ንምቕናይ ትኸይድ ከምዘለኻ ሓብሮ።

  • ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ናይቶም ዘአንግዱኻ ሰባት ክትምዝገብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብኡ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ምቕናይ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ምናልባት ከተናውሖ ትኽእል ኢኻ

ን3 ኣዋርሕ ድሕሪ ምቕናይካ ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዲኻ ዘለኻ? ገዛ ንኽትረክብ ድማ ገና መሰል የብልካን ድዩ? ስለዚ ምስ ኣዕሩኽትኻ ወይ ቤተሰብካ ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ምንዋሕ ኣብ COA ኢኻ እተመልክት። 

ንስኻ፣ ቤተሰብካ ወይ ኣዕሩኽትኻ ደጊም ኣብቲ ቦታ ክትቕንይ ኣይትደልዪን ዲኹም? ስለዚ ኣብ COA ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ዳግማይ ቦታ ክወሃበካ እዩ። እዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካሉ ቦታ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ምቕናይካ ሕቶ ዑቕባኻ ተነጺጉ ድዩ? ስለዚ ናብ መዕቆቢ ናይ COA ክትምለስ ኣለካ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?