ምንጪ፡ Wikimedia Commons
ዜና

ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ ክተኣታተዉ እዮም

ዝተሓትመሉ ዕለት: 1/24/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ብዛዕባ ሓደስቲ ሕግታት ዑቕባን ፍልሰትን ተሰማሚዐን ኣለዋ። እዚ ዓንቀጽ እዚ ኣየኖት ሕግታት ምዃኖምን፣ ንዓኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ዝገልጽ እዩ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ስደተኛታት ንምቕባል ብሓባር ይሰርሓ እየን። እንተኾነ ግን ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ እዚ ምትሕብባር ሕጂ ዝኸደሉ ዘሎ ኣገባብ ዕጒባት ኣይኮናን።

ንኣብነት እተን ሃገራት፣ ስደተኛታት ከም በዓል ግሪኽ ወይ ጣልያን ብዝኣመሰሉ ግዳማዊ ዶባት ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትውሉ መንገዲ ብዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ይደልያ እየን።

ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ እንተወሓደ ክሳብ 2026 ተግባራዊ ኣይክኾኑን እዮም

ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ብኸመይ ምትሕብባር ከማሓይሽ ከም ዝደልይ ብ23 ታሕሳስ 2023 ተሰማሚዑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን ብሓቂ ሓደስቲ ሕግታት የለዉን።

ሕጂ ሃገራት ኤውሮጳ ብልክዕ እንታይ ዓይነት ሕግታት ከምዘድልያ ብዝምልከት ምስ ነንሓድሕደን ክመመያየጣ እየን። እዞም ምይይጣት ጽቡቕ እንተድኣ ከይዶም፣ እቶም ሓደስቲ ሕግታት ክሳብ 2026 ኣይክትግበሩን እዮም። ክሳብ ሽዕኡ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣይቅየርን እዩ።

ውጥናት ሕብረት ኤውሮጳ እዚኦም እዮም 

ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ኣገደስቲ ውጥናት ሕብረት ኤውሮጳ ኣየኖት ምዃኖም ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

  • ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃድሙ ሰባት ዝቐልጠፈ ውሳኔታት ክወስድ ይደልይ እዩ። እዚ ድማ 1ይ ገምጋም ይበሃል፣ እንተበዝሐ ድማ 7 መዓልታት ይወስድ።

  • ኣብዚ ገምጋም፣ ኣሰር ኣጻብዕትን ስእልታትን ይውሰዱ፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ኢንተርነት ማዕከን ሓበሬታ ይኽዘኑ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ መስርሕ ዝቐለለ ክገብሮን፣ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ዑቕባ ንኸይሓቱ ክከላኸልን ይደልይ።

  • ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ውሑሳት ሃገራት ንዝመጽኡ ሰባት ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ክግበር ይደልይ እዩ። እዚ መስርሕ እንተበዝሐ 9 ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል። ብኸምዚ መንገዲ እዛ ሃገር ብመሰረት ሕብረት ኤውሮጳ ውሕስቲ እንተድኣ ኮይና፣ ሰባት ብቕልጡፍ ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ውሑሳት ናይ ዝብለን ሃገራት ዝርዝር ንምድላው ድማ ብሓባር ይሰርሕ ኣሎ።

  • ኣብ እዋን እዚ መስርሕ ሰባት ንግዚኡ ኣብ ሓደ ዓይነት ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ግዳማዊ ዶባት ኤውሮጳ ክቕየዱ ይኽእሉ።

  • እዞም ካብ ውሑሳት ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘይብሎም እንተድኣ ተረጋጊጹ፣ ናብ መበቆል ሃገሮም ከምዝምለሱ ክግበር ይከኣል።

  • ሕጂ ስደተኛታት ዝመጽእወን ሃገራት ንኹሎም ስደተኛታት ክከናኸና ኣለወን። ንኣብነት ጣልያንን ግሪኽን ብዙሓት ስደተኛታት የአንግዳ እየን። እዚ ስምምዕ እንተድኣ ጸዲቑ ግን ኩለን ሃገራት ስደተኛታት ንኸአንግዳ ክግደዳ እየን። ወይ ድማ ውሑዳት ስደተኛታት ዘአንግዳ ሃገራት፣ ነተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘአንግዳ ሃገራት ገንዘብ ይኸፍላ።

  • እታ ኣብ ኤውሮጳ ስደተኛታት ዝመጽእዋ ሃገር ሕጂ እውን ሓደ ሰብ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓትት ዝፍቀደሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትምርምር ኣለዋ።

  • ሕግታት

    እናተረረ ይኸይድ ኣሎ። ስደተኛታት ድሮ ኣብታ ዝኣተውዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ተመዝጊቦም እንተድኣ ኮይኖም ድማ ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንክኸዱ ዝያዳ ከቢድ ይኸውን። 

  • ሕብረት ኤውሮጳ ንስደተኛታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝሓሸ ከመቓርሖም ይደልይ።

እዞም ውጥናት ገና ብናይ ኤውሮጳ ስርዓተ-ሕጊ ክጸድቑ ኣለዎም።

እዞም ውጥናት ሕግታት ቅድሚ ምዃኖም፣ ባይቶ ኤውሮጳን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ነቶም ውጥናት ከጽድቕዎም ኣለዎም። ምርጫ ኤውሮጳ ንዕለት 6 ሰነ 2024 ክካየድ እዩ። እዞም ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ቅድሚ እቲ ምርጫ ይግምገሙ ከምዘለዉ ድማ ሕብረት ኣውሮጳ ይገልጽ።

ስለዚ ቅድሚ ምርጫ ኤውሮጳ ኣየኖት ውጥናት ኣብ ሕጊ ኤውሮጳ ከም ዝኣትዉ ክግለጽ እዩ።

እቶም ሓደስቲ ሕግታት እንተድኣ ተኣታትዮም ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም

ብሰንኪ እዞም ሓደስቲ ሕግታት ካብ 2026 ጀሚሩ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ንምሕታት ምናልባት ዝያዳ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ውሕስቲ ሃገር ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ዶባት ንኽቕየዱ ዘሎ ዕድል እውን ዝዓበየ ይኸውን። ኣብ ኤውሮጳ ዝካየዱ መስርሓት ዑቕባ ድማ ዝነውሐ ግዜ ክወስዱ እዮም።

እንተኾነ ግን እዞም ሳዕቤናት ብኸመይን መዓስን እቶም ሓደስቲ ውጥናት ተግባራዊ ይኾኑ፣ ከምኡ እውን እዞም ውጥናት ኣብ ውሽጢ ስርዓተ-ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ክተኣታተዉ ይኽእሉ ድዮም ኣብ ዝብል ዝምርኮሱ እዮም።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር