ምርጫ ኤውሮጳ ንኽካየድ ሓደ ወርሒ ተሪፍዎ ኣሎ። ኔዘርላንዳውያን ዕለት 6 ሰነ 2024 ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ንዝውክልዎም ሰባት ድምጾም ክህቡ እዮም። እቲ ዝምረጽ ባይቶ ድማ ኣብ መስርሕ ሕጊ ኤውሮጳ፣ ንኣብነት ንፍልሰትን ዑቕባን ብዛዕባ ዝምልከቱ ሕግታት ብዙሕ ጽልዋ ኣለዎ።
ኣብ እዋን ምርጫ ኤውሮጳ፣ መን ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ መንበር ከም ዝረክብ ተድምጽ። ኣብቲ ባይቶ ብድምር 720 ሰባት ኣለዉ። ሕግታት ኤውሮጳ ከተኣታትዉ፣ ክቕይሩ ወይ ዝተወሰኑ ሕግታት ኣይንደልን ክብሉ ድማ ይኽእሉ። እዚ ሓጋጊ ስልጣን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ባይቶ ኤውሮጳ ምስ
ኣብ ምርጫ ኤውሮጳ ድምጺ ብምሃብ ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ ኣብ ዝወጽእሉ እዋን መን ከም ዝውክለካ ትውስን። እዞም ሕግታት ንኹለን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ዝርከባ ሃገራት ግዴታ እዮም። እዚ ማለት ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ገዛእ-ርእሰን ሕግታት ኣብ ዘውጽኣሉ እዋን ንሕጊ ኤውሮጳ ክኽተላ ኣለወን ማለት እዩ። እቲ ባይቶ ንኻልኦት ከም
ኩሉ ዕድሚኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ እትርከብ ሓንቲ ሃገር ዜግነት ዘለዎ ሰብ ናይ ምድማጽ መሰል ኣለዎ። ብድምር ድማ ኣስታት 360 ሚልዮን ኤውሮጳውያን ናብ መድመጺ ነቚጣ ክኸዱ ይኽእሉ። በዚ ምርጫ ኣውሮጳ 1 ኣብ ዓለም ካብ ዝካየዱ ዝዓበዩ ምርጫታት እዩ። ድምጺ ክትህብ ዝፍቀደልካ እንተድኣ ኮይኑ ነዚ ዝምልከት ደብዳቤ ኣብ ገዛኻ ክመጽኣካ እዩ። እዚ ናይ ድምጺ ካርድኻን፣ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢኻ ኣበይ ከተድምጽ ከም እትኽእል ሓበሬታን ዝሓዘ እዩ።
ምርጫ ኤውሮጳ ኣብ ነፍስወከፍ 5 ዓመት እዩ ዝካየድ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ መወዳእታ ግንቦትን መጀመርታ ሰነን ድማ ይካየድ። ኣብዚ ዓመት ምርጫ ኤውሮጳ ኣብ ኔዘርላንድ ሓሙስ 6 ሰነ 2024 እዩ ክካየድ። ክሳብ 9 ሰነ ኣብ ዘለዉ ዝቕጽሉ መዓልታት ድማ ካልኦት ኣባላት ሃገራት ናብ ምርጫ ክኸዳ እየን።
ኣብ እዋን ምርጫ፣ ኣባላት ናይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ካብ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሕጹያት ኢኻ ትመርጽ። ኣብታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሃገርካ ንጡፍ ካብ ዝኾነ ሰልፊ ጥራይ ኢኻ ክትመርጽ እትኽእል። እቶም ዝምረጹ ሕጹያት ካብ ካልኦት ሃገራት ምስ ዝመጽኡ መሳርሕቶም ብሓባር ኣብ ባይቶ ይሰርሑ። ኣብ ሓደ
ህዝቢ ኔዘርላንድ፣ ናይ ኔዘርላንድ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣባላት ካብ ዝኾኑ ሕጹያት ጥራይ እዩ ክመርጽ ዝኽእል። ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ዝህልዉ ኔዘርላንዳውያን ወከልቲ ድማ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ኔዘርላንድ እዩ ዝምርኮስ።
ንኣብነት ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ዝምረጹ ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኤውሮጳ ብዛዕባ ፍልሰትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከቱ ሕግታት ክውስኑ እዮም። ሓድሽ ባይቶ ኤውሮጳ ድሕሪ ምምስራቱ ድማ ብዛዕባ ዑቕባን ፍልሰትን ሓደስትን ዝያዳ ዝተረሩን ሕግታት ክተኣታተዉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ መን ናብ ባይቶ ዝምረጽ ኣብ ምዃኑ ዝምርኮስ እዩ።
ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ካብ 10 ሰነ ጀሚሩ ክፍለጥ እዩ። ሽዕኡ ኣየኖት ሰልፊታት ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ መንበር ከምዝረኸባ ክፍለጥ እዩ። ብድሕሪኡ በቲ ባይቶ ሓደስቲ ስምምዓት ንኽግበሩን ሓደስቲ ሕግታት ኣብ ተግባር ንኽውዕሉን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። መጀመርታ ኤውሮጳ ብዛዕባ እዞም ሕግታት ስምምዓት ክትገብር ኣለዋ። ድሕሪኡ ድማ ከም ኔዘርላንድ ዝኣመሰላ ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ገዛእ-ርእሰን ሃገራዊ ሕግታት ንምትዕርራይ እውን ግዜ ክረኽባ እየን።
እዚ ሕጂ ዘሎ ባይቶ ኤውሮጳ፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብዛዕባ ፍልሰትን ዑቕባን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኣጽዲቑ ነይሩ እዩ። ሕጂ ነዞም ሕግታት ከጽድቖም ዘለዎ ኮሚሽን ኤውሮጳ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ገና ምናልባት ቅድሚ እቲ ምርጫ ኣብ ግንቦት 2024 ክግበር ይኽእል እዩ።
እዞም ሕግታት እንተድኣ ሓሊፎም ኣብ ኤውሮጳ ዝያዳ ጽኑዕ ፖሊሲ ዑቕባ ክህሉው እዩ። ድሕሪኡ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብዚ ሓድሽ ፖሊሲ ክተሓባበራ ኣለወን። ስለዚ ምርጫ ኤውሮጳን እቲ ናይ ወርሒ ግንቦት 2024 ውሳኔን፣ ኣብ ልዕሊ ዑቕባን ፍልሰትን ኣብ ኤውሮጳ ኣገደስቲ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን እቶም ሓደስቲ ሕግታት ኣብ ኩሉ ተግባራዊ ክሳብ ዝኾኑን ብዛዕባ እዞም ሕግታት ገለ ንኸተስብህልን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።