
ክረምታዊ ዕረፍቲ ጀሚሩ ኣሎ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን፣ ደስ ብዝብሉ ክረምታዊ ንጥፈታት ናይ ምዝንጋዕ ግዜ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ክረምታዊ ዕረፍቲ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ማለት ቆልዑት ካብ ትምህርቲ ነጻ እዮም ማለት እዩ። ሕጂ ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ህድኣት ክህሉው እዩ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትገብሮም እትኽእል ብዙሓት ዘዘናግዑ ንጥፈታት ድማ ኣለዉ። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ክረምታዊ ዕረፍቲ ክትፈልጦም ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት ክትረክብ ኢኻ።
ክረምታዊ ዕረፍቲ ብዝምልከት ኔዘርላንድ ኣብ 3 ዞባታት ትኽፈል
ናይ ቤት-ትምህርቲ ክረምታዊ ዕረፍቲ ብዝምልከት፣ መንግስቲ ንኔዘርላንድ ኣብ 3 ዞባታት ይኸፍላ፡ ሰሜን፣ ማእከላይን ደቡብን። ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣብ ሓደ ዕለት ኣይጅምርን እዩ።
ኣብ ኣየናይ ዞባ ከም እትነብር ኣይትፈልጥን ዲኻ? ንቤት-ትምህርቲ ናይ ውላድካ ሕተት። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ እውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ 2026፣ ዕለታት ናይ ክረምታዊ ዕረፍቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ዞባ ሰሜን (Regio Noord)፡ ካብ ቀዳም 4 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 16 ነሓሰ 2026። ናይ መወዳእታ መዓልቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዓርቢ 3 ሓምለ እዩ። ቀዳመይቲ መዓልቲ ትምህርቲ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሰኑይ 17 ነሓሰ እያ።
ዞባ ደቡብ (Regio Zuid)፡ ካብ ቀዳም 11 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 23 ነሓሰ 2026። ናይ መወዳእታ መዓልቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዓርቢ 10 ሓምለ እዩ። ቀዳመይቲ መዓልቲ ትምህርቲ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሰኑይ 24 ነሓሰ እያ።
ዞባ ማእከል (Regio Midden)፡ ካብ ቀዳም 18 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 30 ነሓሰ 2026። ናይ መወዳእታ መዓልቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዓርቢ 17 ሓምለ እዩ። ቀዳመይቲ መዓልቲ ትምህርቲ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሰኑይ 31 ነሓሰ እያ።
ደቅኹም ኣብ እዋን ክምረታዊ ዕረፍቲ ነጻ እዮም
ናይ ቤት-ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ዕጹዋት እየን፣ ደቅኻ ድማ ነጻ እዮም፣ እንተኾነ ግን ንስኻን መጻምድትኻን ስራሕ ክትቕጽሉ ዘለኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ባዕላቶም እዮም ደቆም ዝጸንሕሉ መውዓሊ ዘዋድዱ፣ እዚ ድማ ብዘይ በጽሒታት ንበይኖም ኣብ ገዛ ምእንቲ ከይኮኑ እዩ።
ክትሰርሕ ዘለካን ንደቅኻ ክትሕዞም ዘይትኽእልን እንተድኣ ኮይንካ፣ መውዓሊ ሕጻናት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ፡
ውላድካ ናብ መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ (BSO) ክኸይድ ይኽእል
መብዛሕትኡ ግዜ ንውላድካ ኣብ ሰሙን ሓያሎ መዓልታት ናብዚ ክትወስዶ ይከኣል እዩ። ዋላ ውላድካ ንቡር መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ (BSO) ዘይጥቀም ምስ ዝኸውን እውን። ዝተፈላለዩ ዓይነታት መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ ብዝምልከት ንቤት-ትምህርቲ ናይ ደቅኻ ሕተት። BSO ገንዘብ ይሓትት እዩ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ እዚ
ንደቅኻ ኣላዪት ሕጻናት ክትቆጽር ትኽእል ኢኻ
ብርግጽ ውላድካ ሓሓሊፉ ኣብኡ ሓንቲ መዓልቲ ከሕልፍ ዝኽእል እንተኾነ ንኣዕሩኽትኻ/መሓዙትካ ወይ ንፈለጥትኻ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተድኣ ዘይተኻኢሉ፣ ኣላዪት ሕጻናት ንኽትቖጽር ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኣብቲ ከባቢ ንፍዕቲ ኣላዪት ሕጻናት ዝፈልጡ ካልኦት ወለዲ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ኣላዪት ሕጻናት ምግባር ገንዘብ ይሓትት እዩ። እዚ ክንደይ ምዃኑ ኣብ ዕድመ ናይታ ኣላዪት ሕጻናት፣ ክትመጽኣሉ ዘለዋ ግዜን፣ ኣብ ንጥፈታት ናይቲ ስራሕን እዩ ዝምርኮስ። እታ ኣላዪት ሕጻናት ባይታ ከተጽርይ፣ ክዳውንቲ ክትሓጽብ ወይ ክትክሽን እውን ዘለዋ ምስ እትኸውን ዝያዳ ምኽፋል ርትዓዊ እዩ። ከምኡ እውን እታ ኣላዪት ሕጻናት ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ምስ ዝህልዋ።
ንሓደ ተማሃራይ ከም ኣላዪት ህጻናት እንተመሪጽካዮ፡ እቲ መጠን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይፈላለ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ክንደይ ቆልዑ ከምዘለዉኻ፡ ዕድመ ናይታ ኣላዪት ህጻናት፡ ከምኡ’ውን እታ ኣላዪት ህጻናት ኣብ ድራርን ድቃስን ክትሕግዝ የድልያ ድዩ ኣይድልዮን ይምርኮስ። ብሰዓት ክትከፍሉ ወይ ኣብ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ክትሰማምዑ ትኽእሉ ኢኹም።
ንባዕልኻ ዕረፍቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዝሰርሕ ሰብ ብመሰረት ሕጊ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክረክብ መሰል ኣለዎ። ነዚ ዕረፍቲ ኣቐዲምካ ካብ ኣስራሒኻ ምሕታት ግዴታ እዩ። ዕረፍትኻ ኣብ ክረምቲ ንኽትወስድ ድማ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ነዚኦም ደስ ዝብሉ ነገራት ክትገብር ትኽእል
ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት ዝሰርሑ ወለዲ ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ንገለ ሳምንታት ዕረፍቲ ይወስዱ። ገለ ስድራ-ቤታት ድማ ኣብ ውሽጢ ኔዘርላንድ ወይ ናብ ወጻኢ ሃገራት ይጓዓዛ።
ካልኦት ስድራ-ቤታት ድማ ኣብ ገዛ ይጸንሑ። ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን ምስ ደቅኻ ዜዘናግዕ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ንኣብነት ናብ መናፈሰኢ ቦታ፣ መጻወቲ ቦታ፣ መሐንበሲ፣ መካነ እንስሳታት ወይ መዘናግዒ ፓርክ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ብሓባር ብሽክለታ ክትዝውሩ፣ ፒክኒክ ክትገብሩ ወይ ኣብ ቀረባኹም ነጻ ንጥፈት ክትደልዩ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዙሓት ንጥፈታት ብነጻ ወይ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ዝሓትቱ እዮም። ስለዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር ከተማኻ፣ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ወይ ማእከል ማሕበረሰብ እውን ተወከስ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ንሕጻናት ዘዘናግዑ ንጥፈታት ኣብኡ ይርከብ እዩ።
ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል፡
ኣብ ሓደ ቦታ ክትሕንብስ ክትከይድ ትኽእል። ኣብ መሐንበሲ ጋብላ ወይ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ። ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ ምሕንባስ መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻ እዩ። ብግቡእ ኣስተብህል፡ ምሕንባስ ኣብ ዝፍቀደሉን እቲ ማይ ቚጽጽር ኣብ ዝግበረሉን ቦታታት ጥራይ ሓንብስ።
ብዛዕባ ኣብ ተፈጥሮ ብውሑስ ምሕንባስ ዝገልጽ ዓንቀጽና እውን ኣንብብ።ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኪድ። ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ ኣብ እዋን ክረምቲ ንቆልዑት ከም ዛንታ ምዝንታው፣ ስነ-ጥበብን ኢደ-ጥበብን ወይ ጸወታታት ቋንቋ ዝኣመሰሉ ነጻ ንጥፈታት የዳልዋ እየን።
ናብ ቤተ-መዘክር ኪድ። ኣብ ኔዘርላንድ ገሊኦም ኣብያተ-መዘክር ብነጻ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ገሊኦም ኣብያተ-መዘክር ንኹሉ ሰብ ብነጻ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንቆልዑት ነጻ እዮም። ንኣብነት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናብቲ ኣብ ኣምስተርዳም ዝርከብ ቤተ-መዘክር ራይክስ - Rijksmuseum - ብነጻ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ሳላ
'እንቋዕ ናብ ቤተ-መዘክር ብደሓን መጻእኩም' ዝብል ወፍሪ ፣ ስደተኛታት ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-መዘክር ኔዘርላንድ ብነጻ ክበጽሑ ይኽእሉ።ናብ ናይ ቆልዑት መካነ እንስሳታት ብጽሑ። ናይ ቆልዑት መካነ እንስሳታት መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻ ወይ ብሕሱር ዋጋ እዩ። ንብዙሓት ቆልዑት እዚ ንገለ ሰዓታት ዘዘናግዕ እዋን ዘሕልፍሉ ቦታ እዩ። ቆልዑት ንእንስሳታት ክዕዘቡ ይኽእሉ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክደርዝዎምን ወይ ክምግቡዎም ይኽእሉ። ብዛዕባ እንስሳታትን ህይወት ሕርሻን እውን ዝያዳ ይመሃሩ። ገሊኦም ናይ ቆልዑት መካነ እንስሳታት ተወሳኺ ንጥፈታት የዳልዉ እዮም። ስለዚ ኣቐዲምካ ኣብ ከባቢኻ ናይ ዝርከብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ቆልዑት መካነ እንስሳታት ተመልከት።
FutureLand ኣብ ሮርተዳም። FutureLand ኣብ ከባቢ ሮተርዳም ኣብ ዝርከብ Maasvlakte ይርከብ። እዚ ማእከል ሓበሬታ ብዛዕባ ካልኣይ ማስቭላክተ 'Tweede Maasvlakte' ከምኡ እውን ወደብ ሮተርዳም እዩ። ኣብኡ ድማ እቲ ወደብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ንወደብ ዝኸውን ሓድሽ መሬት ብኸመይ ከም ዝተፈጥረን ትመሃር። እዚ ድማ ነቲ ምብጻሕ ንቆልዑትን ወለድን መሳጥን መሃርን ይገብሮ። ናብ ማእከል ሓበሬታ ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዑደት፣ ጉዕዞ ብጃልባ ወይ ጕዕዞ ቅሪተ-ኣካላት ዝኣመሰሉ ተወሳኺ ንጥፈታት እውን ኣለዉ። ንገሊኦም ንጥፈታት ክፍሊት ኣሎ።
ናይ ቆልዑት ክረምታዊ መዘናግዒ ኣብ ኣሰን። ኣብ ኣሰን (Assen) ኣብ እዋን ክረምቲ፣ ናይ ቆልዑት ክረምታዊ መዘናግዒ ማለት 'Kids Zomervermaak' ኣሎ። ኣብ 2026 እዚ ካብ 4 ሓምለ ክሳብ 15 ነሓሰ ክካየድ እዩ። ኣብ ማእከል ከተማ ኣሰን ድማ እዩ ዝካየድ። ኣብ ዝተፈላለየ ቅርዓታት ንቆልዑት ዝኸውን ንጥፈታት ኣሎ፣ ከም ስፖርት፣ ጸወታ፣ ህንጻ፣ ስነ-ጥበብን ኢደ-ጥበብን፣ ትያትርን ካልእ ዘዘናግዕ ንጥፈታትን ዝኣመሰለ።
ክረምታዊ ጽምብላት ኣልምከርክ። ክረምታዊ ጽምብላት ኣልምከርክ - Zomerfeesten Almkerk - ኣብ ኣልምከርክ ዝካየድ ናይ ገጠራት ጽምብላት እዩ። ኣብ 2026፣ እቲ ክረምታዊ ጽምብላት ካብ 3 ክሳብ 15 ነሓሰ ክካየድ እዩ። እዚ ኣብ ኣልምከርክ ዝካየድ ጽምብላት፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ Altena እዩ ዝካየድ። ንነኣሽቱንን ዓበይትን ዝኸውን ንጥፈታት ኣሎ፡ ማለት ስፖርት፣ ሙዚቃ፣ ፈጠራዊ ንጥፈታት፣ ከምኡ እውን ናይ ድግስ ምሸታት ኣሎ።
መዓልታት ሚርፓል - Meerpaaldagen - ኣብ ድሮንተን። Meerpaaldagen ኣብ ድሮንተን (Dronten) ዝካየድ ዓቢይ ጽምብል እዩ። ኣብ 2026፣ እቲ Meerpaldagen ኣብ ነሓሰ 13፣ 14ን 15ን ክካየድ እዩ። እቲ ቦታ ኣብ ድሮንተን ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ Meerpaalplein ከምኡ እውን SuyderSee እዩ። ሙዚቃ፣ ናይ ዕዳጋ ጎደናታትን መዘናግዒ ሕጻናትን ኣሎ። ስለዚ ድማ ንስድራ-ቤታት እውን ደስ ዝብል እዩ።
ፈስቲቫል ሉሚየርፓርክ ኣብ ኣልመረ። ፈስቲቫል ሉሚየረፓርክ - Lumierepark - ኣብ ኣልመረ (Almere) ዝካየድ ብዙሐ-ባህላዊ ፈስቲቫል እዩ። ኣብ 2026 እቲ ፈስቲቫል ኣብ ዕለት 9 ነሓሰ ክካየድ እዩ። እቲ ቦታ ኣብ ኣልመረ ዝርከብ Lumierepark እዩ። ሙዚቃ፣ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ንቆልዑት ዝኸውን ንጥፈታትን ኣሎ። ቆልዑት ኣብ 'ቚሸት ሕጻናት' ክዘናግዑ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ቀደም ልምዲ ዝርኣየሉ መዓልቲ ዓጺድ ቡከል። ናይ ቀደም ልምዲ ዝርኣየሉ መዓልቲ ዓጺድ ቡከል - Auwerwetse Boekelse Oogstdag - ናይ ቀደም ሆላንድ ዘርእይ ኣብ ቡከል ዝካየድ ፍጻመ እዩ። ኣብ 2026 እዚ ፍጻመ ኣብ ዕለት 9 ነሓሰ ክካየድ እዩ። እቲ ቦታ ኣብ ቡከል ኣብ Mutshoek ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ እዩ። ቆልዑት፣ ሰባት ነቲ መሬት ብኸመይ ይሰርሕዎ ከም ዝነበሩ ክርእዩ ይኽእሉ እዮም። ናይ ጥንቲ ማሽናት፣ ስራሓት ኢደ-ጥበብን ንቆልዑት ዝኸውን ጥፈታት ድማ ኣሎ።