ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ‘Pride’ ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም ናይ ፕራይድ ሰሙን ቀዳም 27 ሓምለ ብ ‘Pride March’ ክጅምር እዩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ቀዳም 3 ነሓሰ ድማ ፕራይድ በቲ ህቡብ 'Canal Parade' ይዛዘም።
ምንጪ፡ Shutterstock / 8H
ዜና

ኣብዚ ክረምቲ 'Pride' ኣብ ኔዘርላንድ ጸምብል

ዝተሓትመሉ ኣብ: 7/7/2025 12:00 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ፕራይድ 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም 'Pride March' ሰንበት 26 ሓምለ ክካየድ እዩ፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሰንበት 2 ነሓሰ ድማ ፕራይድ በቲ ህቡብ 'Canal Parade' ክዛዘም እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ፍጻመታት ከምዘለዉ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

መን ብምዃንካ ምሕባን

'Pride' ማለት ሓበን ማለት እዩ።

LHBTQIA+ ሰባት
ህላወኦም ንዘርእዩላ መዓልቲ ወይ ሰሙን ዝውክል ስም እውን እዩ። መን ምዃኖም ከም ዘሐብኖም እውን። ጾታዊ ምርጫኻ እንታይ ምዃኑ ወይ ግዳማዊ ትርኢትካ እንታይ ይመስል ኣገዳስነት የብሉን፡ እዚ እዩ ድማ ኣብ እዋን 'Pride' ዝጽምበል።

'Pride' ከም ተቓውሞ እኳ እንተጀመረ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ዝያዳ ጽምብል እናኾነ መጺኡ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ንLHBTQIA+ ሰባት ማዕረ መሰል ከም ዝህልዎም ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ገና ኣይተዛዘመን። ብዙሓት LHBTQIA+ ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ሓዊስካ ኣድልዎን ጎነጽን የጋጥሞም እዩ።

ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግብረሰዶማዊ ምዃን ገና ዘይሕጋዊ እዩ፣ እዚ ድማ ንብዙሓት ኣብኡ ዝርከቡ LHBTQIA+ ሰባት ኣዝዩ ሓደገኛ ይገብሮ፣ ከምኡ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ክሃድሙ ይፍትኑ። ስለዚ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ኣብ እዋን 'Pride' ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ይግበር።

'Pride' ካብ ተቓውሞ እዩ ተፈጢሩ 

ናይ መጀመርታ 'Gay Pride' ኣብ 1970 ኣብ ኒውዮርክ እዩ ተኻይዱ። እዚ ተቓውሞ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ፖሊስ መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ካብ ዝዘናግዕሉ ባር ክሰጒዎም ምስ ደለዩ፣ ግብረሰዶማውያን ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ትራንስቨስታይትን ተቓውሞ ገይሮም። ድሕሪ ናይ ዓመታት ምግፋዕን ጎነጽን ድማ LHBTQIA+ ሰባት ተቓውሞ ገይሮም ። እቲ ናዕብታትን ተቓውሞታትን ን6 መዓልታት ቀጺሉ። እዚ ድማ ናይቲ LHBTQIA+ ሰባት ማዕረ መሰል ንክረኽቡ ዝግበር ቃልሲ መፈለምታ ነይሩ።

ፕራይድ ኣምስተርዳም 2025፡ 'the message is love' ዝብል ጭርሖ ኣለዎ

ኣብ ፕራይድ 2025፣ 'LOVE' ማለት ፍቕሪ ዝብል ቴማ ሕመረት እዩ፣ ከም ምልክት ጾታዊ ፍቕሪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ምልክት ምትእስሳር፣ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን እውን። 'LOVE' ኣብ መንጎ ሰባት ንዘሎ ሓይሊ ስሕበት፣ ሰባት ነንሓድሕዶም ክህብዎ ንዝኽእሉ ደገፍን፣ ሰባት ብሓባር ንማዕረ መሰላት ንዝገብርዎ ቃልስን ዝውክል እዩ። ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 3 ነሓሰ ኣብ ኣምስተርዳም ናይ 'Pride' ግዜ እዩ።

ኣብ እዋን 'Pride' ኣብ ኣምስተርዳም ብዙሕ ክትርእዮን ክትገብሮን እትኽእል ነገራት ኣሎ 

ን2 ሳምንታት ናብ ጽምብላት፣ ምርኢታት፣ ትልሂታት፣ ናይ ዘተ ምሸታት፣ ፊልምታትን ዓውደ-መጽናዕትታትን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ካልኦት በጻሕቲ ዛንታታት ክትሰምዕን ናይ ባዕልኻ ዛንታ ከተካፍልን ድማ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት፣ ሰላማዊ ሰልፍታትን ሓባራዊ ጒዕዞታትን እውን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ብርግጽ ምስ ብዙሓት (ካልኦት) LHBTQIA+ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ነፍስወከፍ መዓልቲ ሰፊሕ መደብ ኣሎ።

ቀዳም 26 ሓምለ 2ይ ሰሙን፡ 'Pride Amsterdam' ይጅምር። ኣብታ መዓልቲ ብከተማ ኣብ ዝግበር ዓቢይ ሰልፊ ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ቮንደልፓርክ -Vondelpark- ትጽምብል፣ ትበልዕን፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ትገብርን።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ 'Pride' ብ 'Canal Parade' ክዛዘም እዩ።

እዚ ዓቢይን ሕብራዊን ዝኾነ ናይ ጀላቡ ሰልፊ ዓመታዊ ልዕሊ 300,000 በጻሕቲ ይስሕብ። ካብ ወጻኢ ሃገራት እውን ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ነዚ ክዕዘቡ ይመጽኡ። ኣብ ሰዓትካ ከም እትመጽእ ኣረጋግጽ፣ እንተዘይኮይኑ ቦታ ኣይርከብን እዩ። ኩሉ ሰብ ኣብ ድልድላት ወይ ኣብ ጎኒ መትረባት ኣብ ድሕሪ ነንሓድሕድ ደው ብምባል ድማ ይምልከት። ከተድንቀን እትኽእል 80 ጀላቡ ብእኡ ይጎዓዛ። ኩሉ ሰብ ድማ ምስ ነንሓድሕድ ይስዕስዕ፣ ይጽምብል፣ ይዝምርን ኣእዳው ንሰላምታ የወዛወዝን። ኣብ ጀላቡ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ወሰናስን እውን።

ብዙሓት ከተማታት ኔዘርላንድ 'Pride' ይጽምብላ እየን

'Pride' ግድን ኣብ ኣምስተርዳም ጥራይ ክትጽምብል ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኔዘርላንድ ናብ 'Pride' ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊአን ከተማታት 'Pride' ድሮ ተኻይዱ እዩ። ኣብዚ ክረምቲ ገና ኣብዚ ዝስዕብ 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ፡

Nijmegen

ናይ ናይመኸን መደብ ፕራይድ፣ 'Roze Woensdag' ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ መዓልቲ ረቡዕ 16 ሓምለ 2025 ክካየድ እዩ።

እቲ 'Vierdaagsefeesten' ዝበሃል ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሰልፊ ንኹሉ ዝኸውን ጽምብል እዩ።

ኣብ ናይመኸን ነፍስወከፍ ሳልሰይቲ ረቡዕ ናይ ወርሒ ሓምለ 'Roze Woensdag' እያ።

Zwolle

ናይ ዝቮለ ሰልፊ ፕራይድ 'Pride Parade' ሰንበት 24 ነሓሰ ክካየድ እዩ።

ኣብታ መዓልቲ ድማ ኣብ ፈስቲቫል ፕራይድ ዝቮለ ኣብ ዝካየዱ መደባት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

Rotterdam

ካብ መስከረም 19 ክሳብ 28 መስከረም 2025፣ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዘለዎ ሰሙን ፕራይድ ሮተርዳም 'Rotterdam Pride Week' ክካየድ እዩ።

ፈስቲቫል ፕራይድ ሮተርዳም

ቀዳም 27 መስከረም ክካየድ እዩ።

ቦታ ኣብ Willemsplein፣ ከም መዛዘሚ ፍጻመ ናይ ፕራይድ ሰሙን።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር