
ኣብዚ ክረምቲ 'Pride' ኣብ ኔዘርላንድ ጸምብል
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ፕራይድ 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም 'Pride March' ሰንበት 26 ሓምለ ክካየድ እዩ፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሰንበት 2 ነሓሰ ድማ ፕራይድ በቲ ህቡብ 'Canal Parade' ክዛዘም እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ፍጻመታት ከምዘለዉ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
መን ብምዃንካ ምሕባን
'Pride' ማለት ሓበን ማለት እዩ።
'Pride' ከም ተቓውሞ እኳ እንተጀመረ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ዝያዳ ጽምብል እናኾነ መጺኡ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ንLHBTQIA+ ሰባት ማዕረ መሰል ከም ዝህልዎም ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ገና ኣይተዛዘመን። ብዙሓት LHBTQIA+ ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ሓዊስካ ኣድልዎን ጎነጽን የጋጥሞም እዩ።
ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግብረሰዶማዊ ምዃን ገና ዘይሕጋዊ እዩ፣ እዚ ድማ ንብዙሓት ኣብኡ ዝርከቡ LHBTQIA+ ሰባት ኣዝዩ ሓደገኛ ይገብሮ፣ ከምኡ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ክሃድሙ ይፍትኑ። ስለዚ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ኣብ እዋን 'Pride' ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ይግበር።
'Pride' ካብ ተቓውሞ እዩ ተፈጢሩ
ናይ መጀመርታ 'Gay Pride' ኣብ 1970 ኣብ ኒውዮርክ እዩ ተኻይዱ። እዚ ተቓውሞ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ፖሊስ መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ካብ ዝዘናግዕሉ ባር ክሰጒዎም ምስ ደለዩ፣ ግብረሰዶማውያን ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ትራንስቨስታይትን ተቓውሞ ገይሮም። ድሕሪ ናይ ዓመታት ምግፋዕን ጎነጽን ድማ LHBTQIA+ ሰባት ተቓውሞ ገይሮም ። እቲ ናዕብታትን ተቓውሞታትን ን6 መዓልታት ቀጺሉ። እዚ ድማ ናይቲ LHBTQIA+ ሰባት ማዕረ መሰል ንክረኽቡ ዝግበር ቃልሲ መፈለምታ ነይሩ።
ፕራይድ ኣምስተርዳም 2025፡ 'the message is love' ዝብል ጭርሖ ኣለዎ
ኣብ ፕራይድ 2025፣ 'LOVE' ማለት ፍቕሪ ዝብል ቴማ ሕመረት እዩ፣ ከም ምልክት ጾታዊ ፍቕሪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ምልክት ምትእስሳር፣ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን እውን። 'LOVE' ኣብ መንጎ ሰባት ንዘሎ ሓይሊ ስሕበት፣ ሰባት ነንሓድሕዶም ክህብዎ ንዝኽእሉ ደገፍን፣ ሰባት ብሓባር ንማዕረ መሰላት ንዝገብርዎ ቃልስን ዝውክል እዩ። ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 3 ነሓሰ ኣብ ኣምስተርዳም ናይ 'Pride' ግዜ እዩ።
ኣብ እዋን 'Pride' ኣብ ኣምስተርዳም ብዙሕ ክትርእዮን ክትገብሮን እትኽእል ነገራት ኣሎ
ን2 ሳምንታት ናብ ጽምብላት፣ ምርኢታት፣ ትልሂታት፣ ናይ ዘተ ምሸታት፣ ፊልምታትን ዓውደ-መጽናዕትታትን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ካልኦት በጻሕቲ ዛንታታት ክትሰምዕን ናይ ባዕልኻ ዛንታ ከተካፍልን ድማ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት፣ ሰላማዊ ሰልፍታትን ሓባራዊ ጒዕዞታትን እውን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ብርግጽ ምስ ብዙሓት (ካልኦት) LHBTQIA+ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
ቀዳም 26 ሓምለ 2ይ ሰሙን፡ 'Pride Amsterdam' ይጅምር። ኣብታ መዓልቲ ብከተማ ኣብ ዝግበር ዓቢይ ሰልፊ ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ቮንደልፓርክ -Vondelpark- ትጽምብል፣ ትበልዕን፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ትገብርን።
ብዙሓት ከተማታት ኔዘርላንድ 'Pride' ይጽምብላ እየን
'Pride' ግድን ኣብ ኣምስተርዳም ጥራይ ክትጽምብል ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኔዘርላንድ ናብ 'Pride' ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊአን ከተማታት 'Pride' ድሮ ተኻይዱ እዩ። ኣብዚ ክረምቲ ገና ኣብዚ ዝስዕብ 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ፡
Nijmegen
እቲ 'Vierdaagsefeesten' ዝበሃል ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሰልፊ ንኹሉ ዝኸውን ጽምብል እዩ።
ኣብ ናይመኸን ነፍስወከፍ ሳልሰይቲ ረቡዕ ናይ ወርሒ ሓምለ 'Roze Woensdag' እያ።
Zwolle
ኣብታ መዓልቲ ድማ ኣብ ፈስቲቫል ፕራይድ ዝቮለ ኣብ ዝካየዱ መደባት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።
Rotterdam
ካብ መስከረም 19 ክሳብ 28 መስከረም 2025፣ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዘለዎ ሰሙን ፕራይድ ሮተርዳም 'Rotterdam Pride Week' ክካየድ እዩ።
ቦታ ኣብ Willemsplein፣ ከም መዛዘሚ ፍጻመ ናይ ፕራይድ ሰሙን።