
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝህቦ ደገፍ ምናልባት ደው ከብሎ ክግደድ እዩ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን፣ IND ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንዘመልክቱ ኣብ መዕቆቢ ቦታት ንዝርከቡ ሰባት ክሕግዞም ከምዘለዎ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ካብ 1 ታሕሳስ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ድማ ድሕሪ ደጊም ነዚ ዝህቦ ደገፍ ዝኸውን ምወላ ኣይክረክብን እዩ። እቲ ሚኒስተር ነዚ ናብ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ እዩ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን ቫን ዊል [Van Weel]፣
IND ነዚ ብኸመይ ክገብሮ ምዃኑ ገና ንጹር ኣይኮነን። IND ንሕቶታት ዑቕባ ኣብ እዋኑ ንምምስራሕ ካብ ዝጽገም ድሮ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ IND ንዝቐርቡ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲታት ንምግምጋም ዘሎ ናይ መጽባይ ግዜ እውን ሓደ ሓደ ግዜ 23 ኣዋርሕ ይበጽሕ።
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ብዛዕባ መመልከቲታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝህቦ ደገፍ እንተድኣ ኣቋሪጹ፣ ስደተኛታት ናይ ገዛእ-ርእሶም መመልከቲ ባዕላቶም ከቕርቡ ክግደዱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ኣብ ዝቕጽል እዋን ምስ ሚኒስትሪን INDን ምምይያጥ ክቕጽል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝኾነ ዜና ኣብ ዝህልወና ግዜ ድማ ኣብ RefugeeHelp ክንዝርግሖ ኢና።
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማታት ኣቢሉ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ከምኡ እውን ምቛም ስድራ-ቤት) ዝህቦ ገደፍ ግን ክቕጽል ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ምምሕዳር ከተማታት ነዚ ንበይኑ ባዕላተን ስለ ዝኸፍላ እዩ።