
VluchtelingenWerk ከምኡ እውን ቀይሕ መስቀል ካብ ረቡዕ 15 ሓምለ ጀሚሮም ዳግማይ ኣብ ተር ኣፐል ክህልዉ እዮም
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ናይ ቀይሕ መስቀል ከምኡ እውን VluchtelingenWerk ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ጎኒ እቲ ማእከል ምዝገባ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ቤት-ጽሕፈት ኮይኖም ክሰርሑ እዮም። ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣብ ቅድሚ እቲ ማእከል ምዝገባ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ሳዕሪ ኣይክህልዉን እዮም። እዚ ንዓኻ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ኣንብብ።
ሰብኣውን ዘላቕን መዕቆቢ ምቕራብ ኣድላዪ ኮይኑ ይቕጽል
ብመሰረት
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን VWN ምስ ቀይሕ መስቀል ብሓባር ኣብ ተር ኣፐል ካብ ዝርከብ ጎልጎል ተኣልዮም
VWN ከምኡ እውን ቀይሕ መስቀል ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ምሃብ ሓገዝ ኣቋሪጾም
ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ናይ ማእከል ምዝገባ ጎልጎል ድሮ ንነዊሕ እዋን ብዙሕ ወጥሪታትን ዘይውሑስ ኩነታትን ክረኣይ ጸኒሑ እዩ። ስለዚ ድማ VWN ከምኡ እውን ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 10 ሓምለ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ከብሉ ወሲኖም። ንሳቶም ንዓኻን ንሰራሕተኛታትን ውሑስ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዮም ሓገዝ ክህቡ ዝኽእሉ።
VWN ከምኡ እውን ቀይሕ መስቀል ኣብቲ ጎልጎል ዘይርከቡ ብሰንኪ ምዃኖም፣ ኣብቲ ቦታ ዝግበር ሓገዝ እውን ደው ኢሉ።
እዚ ማለት ድማ፡
ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ጎልጎል ሕቶታት ክትሓቶም ኣይትኽእልን፤
ድሕሪ ደጊም ሓደ ሰብ ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክርእዩ ኣይክእሉን፤
ድሕሪ ደጊም ካብቲ ጎልጎል ካልእ ሓገዝ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ኣይክእሉን ማለት ነይሩ።
ኣብቲ ሜዳ ብኸመይ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ድሕነት ተረጋገጽ?
ብዝተኻእለ መጠን ውሑስ ንኽትከውን ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡
ንብረትካ ብቐረባ ተኸታተሎ፤ ከምኡ እውን ንበይኑ ኣይትግደፎ።
ብዝተኻእለ መጠን ምስ ስድራ-ቤትካ፣ ቤተሰብካ፣ ኣዝማድካ ወይ ካልኦት እትኣምኖም ሰባት ጽናሕ።
ንሓድሕድኩም ተሓጋገዙ። ናይ ነንሓድሕድኩም ንብረት ተኸናኸኑ፣ ከምኡ እውን ሰራሕተኛታት ናይ COA ሰባት ኣብ ዝጽውዕሉ እዋን ነንሓድሕድኩም ንገሩ።
ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ኣይትኺድ።
ካብ COA ወይ ካልእ ወግዓዊ ውድብ ሓበሬታ ሕተት።
እንተድኣ ሓሚምካ ወይ ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ ብቕልጡፍ ንገር።
ባትሪ ንነዊሕ እዋን ምእንቲ ክጸንሕ፣ ተሌፎንካ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ጥራይ ተጠቐመላ።
ኩሉ ግዜ ኣገደስቲ ሰነዳትካ፣ ተሌፎንካን ገንዘብካን ኣብ ውሑስ ኣቐምጦም። እንተድኣ ዝከኣል ኮይኑ ኩሉ ግዜ ምሳኻ ሓዞም።
መምርሒ ወግዓውያን ውድባት ተኸተል።
ተወሳኺ ሓገዝ የድልየካ ድዩ?
ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም፣ ብቕልጡፍ ን
ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓገዝ ከድልየካ/ኪ ይኽእል፡
ሓሚምካ፤
ነፍሰጾር እንተድኣ ኮይንኪ፤
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኻን፣ ብዘይ ወለዲ ዝተጓዓዝካን ምስ እትኸውን፤
ምስ ቆልዑት ዘለኻ እንተድኣ ኮይንካ፤
ስንክልና ምስ ዝህልወካ፤
ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ምስ ዝህልወካ፤
መድሃኒት ትጥቀም እንተድኣ ኮይንካ፤
ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰምዓካ፤
ብኻልእ ምኽንያት ዝያዳ ተቓላዒ ማለት ተኣፋፊ ምስ እትኸውን።
ናይ ሕክምና ወረቓቕቲ ወይ ካልእ ኣገዳሲ ሰነዳት ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ምሳኻ ኣቐምጦም፣ እንተድኣ ተሓቲትካ ድማ ኣርእዮም።
ምስ ኣዕሩኽትኻ፣ መሓዙትካ ወይ ምስ ቤተሰብካ ዲኻ ትቕመጥ?
ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ድሕሪ ምቕራብካ፣ ምስ ኣዕሩኽትኻ፣ መሓዙትካ ወይ ቤተሰብካ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር እዚ ብናይ ገዛእ-ርእስኻ ርከሳ ማለት ሓላፍነት እዩ።
ስምካ ኣብ ዝጽዋዓሉ እዋን እንተድኣ ዘይተረኺብካ COA ተሓታቲ ኣይኮነን።
ስምካ እንተድኣ ተጸዊዑን፣ እንተድኣ ዘይተረኺብካን ስምካ MOB (Met Onbekende Bestemming vertrokken 'ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከይዱ') ተባሂሉ ይምዝገብ። ብድሕሪኡ ከም ‘ዘየለኻ’ ተቖጺርካ ከም ብሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከተቕርብ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።
ካብ VWN ሓገዝ ንምርካብ ዲጂታላዊ ናይ ምምኽኻር ሰዓታት
ኣብ እዋን ዲጂታላዊ ምኽሪ፣ ንኹነታትካ ብዝምልከት ውልቃዊ ወይ ሕጋዊ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣስተውዕል፡
ነዚ ንምግባር
የድልየካ እዩ።V-nummerናይ ማይክሮሶፍት ቲምስ ኣፕ (Microsoft Teams-app) የድልየካ።
ሰራሕተኛታት ናይ VWN ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ድሮ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ዘቕረብካ ምስ እትኸውን ጥራይ እዩ።