ምንጪ፡ Unsplash
ዜና

ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን ኣብ ሶርያ ንዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ከምብሓድሽ ክግምግም ኣለዎ

ዝተሓትመሉ ዕለት: 11 ሕዳ 2026 18:00

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ብዕለት 11 ሕዳር 2026 ብዛዕባ ኣብ ሶርያ ዘሎ ጸጥታ ኣገዳሲ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። ሚኒስተር ዕቑባን ፍልሰትን ነቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ከምብሓድሽ ክግምግም ኣለዎ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ኣንብብ።

ሚኒስተር ንሶርያ ብዛዕባ ዝምልከት ፖሊሲ እኹል መብርሂ ኣይሃበን

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣሳድ፣

ብዛዕባ ሶርያ ዝምልከት ሓድሽ
ኣውጺኡ ነይሩ። ብመሰረት
ግን፣ እዚ ፖሊሲ እዚ ስለምንታይ ቅኑዕ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ብእኹል መንገዲ ኣየብርሆን፣ ይብል እቲ ኣብ 11 ሕዳር 2026 ዝተዋህበ ብይን። 

ሚኒስተር ኣብ ሶርያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ከእቱ ነይርዎ፡   ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ድኹም እዩ፣ ብዙሓት ስደተኛታት ድማ ደጊም ዝምለሱሉ ገዛ የብሎምን። ስለዚ ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ ሶርያ ዳግማይ ክምርምሮ ኣለዎ። ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ነዚ ብዕለት 11 ሕዳር 2026 ወሲኑ። 

እቲ ብይን ንገምጋም ኩነታት ጸጥታ ሶርያ ዝምልከት እዩ

ቤት-ምኽሪ መንግስቲ፣

ንኩነታት ጸጥታ ሶርያ ብግቡእ ከምዘይገምገመ ወሲኑ። እዚ ድማ ነቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍጸም ዓመጽ ዝምልከት እዩ። እዚ ዓመጽ እዚ፣ ሰባት ብውልቆም ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ዋላ እኳ እንተዘይኮኑ፣ ክትንክፎም ወይ ክሃስዮም ዝኽእል ዓመጽ እዩ። 

ብመሰረት ቤት-ምኽሪ መንግስቲ፣ IND ነዚ ሓደጋ ኣብ ዝገምገመሉ እዋን፣ ነቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እኹል ግምት ኣይሃበን።  

ስለዚ እቲ ብይን ንሕቶ ዑቕባ ናይ 1 ሶርያዊ ሰብኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኻልኦት ሶርያውያን ሓተትቲ ዑቕባ እውን ኣገዳሲ እዩ። 

ሚኒስተር ብዛዕባ ኩነታት ሶርያ ኣስፊሑ ክርእይ ኣለዎ

ብመሰረት እቲ ሚኒስተር፣ ድሕሪ ውድቀት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስርዓት ኣብ ሶርያ ሓድሽ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ድማ ኣብ ሰነ 2025 ንሶርያ ዝምልከት ሓድሽ ፖሊሲ ሃገር ኣቚሙ። 

እቲ ፖሊሲ እቲ፣ ኣብ መላእ ሶርያ ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍጸም ዓመጽ ከምዝነከየ ይገልጽ። እዚ ማለት ካብ ሶርያ ዝመጸ ሰብ ብሰንኪ እታ ሃገር ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ ብቐጥታ ሓለዋ ኣይረክብን ማለት እዩ። ሓደ ሓታቲ ዕቑባ ብውልቁ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ እውን ከረድእ ወይ ከብርህ ኣለዎ። 

ሕጂ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ፣ እቲ ሚኒስተር ኣብ ሶርያ ፈጺሙ ሓድሽ ኩነታት ከምዘሎ ዝወሰዶ ግምት ብዝምልከት ብእኹል መንገዲ መብርሂ ከምዘይሃበ ወሲኑ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ፣ እቲ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ካብቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ኩናት ሓድሕድ ተነጺሉ ክረአ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እቲ ሚኒስተር ነቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን፣ ከምኡ እውን እቲ ናይ ቀደም ስርዓት ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝገበሮ ወይ ከይገበሮ ዝተረፈ ዘኸተሎ ሰብኣዊ ሳዕቤናትን ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ። 

ሚኒስተር ብዛዕባ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከምብሓድሽ ክውስን ኣለዎ

ሕጂ IND ብዛዕባ ናይቲ ክሲ ዝመስረተ ሶርያዊ ሰብኣይ ሕቶ ዕቑባ ሓድሽ ውሳነ ክህብ ኣለዎ። IND ከምኡ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ንኹሉ ኣገዳሲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ ሶርያ ከምብሓድሽ ክግምግም ኣለዎ። 

ኣብዚ መዳይ እዚ IND ኣብቲ ብዛዕባ ሶርያ ዘሎ ህሉው ፖሊሲ ሃገር ጥራይ ክምርኮስ ኣይክእልን እዩ። ብመሰረት ቤት-ምኽሪ መንግስቲ፣ እቲ ገምጋም ምሉእ ኣይነበረን። 

በዚ ውሳነ እዚ፣ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ባዕሉ ሶርያ ማዕረ ክንደይ ውሑስቲ ወይ ዘይውሑስቲ ምዃና ኣይገልጽን እዩ። ነቲ ኩነታት ከምብሓድሽ ክግምግምን፣ ስዒቡ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕቶ ዕቑባ ሓድሽ ውሳነ ክህብን ናይ ሚኒስተር ዕቑባን ፍልሰትን ሓላፍነት እዩ። 

ንኻልኦት ሶርያውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዘኸትሎ ሳዕቤን ገና ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኮነን

እዚ ብይን እዚ፣

ኣብ ዝተባህለሎም ናይ ሶርያውያን ጉዳያት ዕቑባ ሳዕቤን ኣለዎ። ኣብዞም ጉዳያት እዚኦም ዝተዋህቡ ውሳነታት ክስረዙ ትጽቢት ይግበር። እዚ ማለት ድማ IND ነዞም ሕቶታት ከምብሓድሽ ክምርምሮም ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ድማ ንኣስታት 500 ጉዳያት ዝምልከት ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ብተወሳኺ ንሶርያ ዝምልከት ፖሊሲ ሃገር ክስተኻኸል ትጽቢት ይግበር። ብዛዕባ ሶርያ ዝምልከት ሓድሽ

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ወይ ጥሪ ክወጽእ እዩ። ብድሕሪኡ ሓድሽ ፖሊሲ ሃገር ክተኣታቶ ይኽእል እዩ። 

እዚ ብይን እዚ፣ ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ ሶርያ ብቐጥታ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ እዮም ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሶርያ ዘሎ ደረጃ ዓመጽ ዝለዓለ ምዃኑ እንተተገምገመ እውን፣ ሓተትቲ ዕቑባ ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ብውልቆም ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ከረድኡ ምናልባት የድልዮም ይኸውን እዩ። ስለዚ ውልቃዊ ኩነታቶም ምግላጽ ክቕጽሉ ኣገዳሲ እዩ። 

IND ብሶርያውያን ንዝቐረቡ ሕቶታት ዑቕባ ምንጻግ ንግዚኡ ኣደናጒይዎ ኣሎ

IND ብሶርያውያን ንዝቐረቡ ሕቶታት ዑቕባ ምንጻግ ንግዚኡ ኣደናጒይዎ ማለት ደው ኣቢልዎ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ብዕለት 11 ሕዳር 2026 ብቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ዝተዋህበ ውሳነ እዩ። RvS፣ ሚኒስተር ንኩነታት ሶርያ ብዝምልከት ብዝበለጸ ከብርህን ክግምግምን ዘለዎ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ። ስለዚ IND ንግዚኡ ብሶርያውያን ዝቐረቡ ሕቶታት ዑቕባ ብዝምልከት ኣሉታዊ ውሳነታት ኣይክወስድን እዩ። IND ኣወንታዊ ውሳነታት ክህብን፣ ቃለ-መሕትታት ምግባር ክቕጽልን ግን ይኽእል እዩ። IND ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝቐርቡ መመልከቲታት ዝምልከት ውሳነ ምሃብ እውን ክቕጽል ይኽእል እዩ። IND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ሓድሽ መብርሂ ክህብ ትጽቢት ኣለዎ። ብድሕሪኡ IND መዓስ ኣሉታዊ ውሳነታት ምሃብ ክጅምር ከምዝኽእል ንጹር ክኸውን እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?