ሲቪካዊ ምውህሃድ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን፣ ከምኡ እውን ዕድሜኻ ካብ 18 ክሳብ 67 ዓመት ምስ ዝኸውንን፣ ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ኢኻ። ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ እውን ክትመሃር ኢኻ። እዚ ድማ 'ሲቪካዊ ምውህሃድ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሲቪካዊ ምውህሃድ ግዴታ እዩ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።
ቀንዲ ነጥቢታት
.

ሲቪካዊ ምውህሃድ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
'ሲቪካዊ ምውህሃድ' ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር እትገብሮ ነገር እዩ። ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ እውን ትመሃር ኢኻ። እዚ ሲቪካዊ ምውህሃድ ከም ንቡር እንተበዝሐ 3 ዓመታት እዩ ዝወስድ። ድሕሪ ሲቪካዊ ምውህሃድካ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

ስርዓት ሲቪካዊ ምውህሃድ 2021
እንተድኣ ካብ Dienst Uitvoering Onderwijs (DUO) ኣብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ወይ ድሕሪኡ ብዛዕባ ግዴታ ሲቪካዊ ምውህሃድ ደብዳቤ መጺኡካ፣ ንዓኻ ስርዓት ሲቪካዊ ምውህሃድ 2021 ይምልከተካ እዩ ። ኣብዚ ገጽ እዚ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ስርዓት ሲቪካዊ ምውህሃድ 2013
እንተድኣ ካብ Dienst Uitvoering Onderwijs (DUO) ቅድሚ 1 ጥሪ 2022 ብዛዕባ ግዴታ ሲቪካዊ ምውህሃድ ደብዳቤ መጺኡካ፣ ንዓኻ ስርዓት ሲቪካዊ ምውህሃድ 2013 እዩ ዝምልከተካ። ኣብዚ ገጽ እዚ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።