ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ንውህደት ስድራቤት እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት የድልዩኻ እዮም

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/3/2023 8:44 ቅ.ቀ.

ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ከተመልክት እንከለኻ፣ ሓያሎ መረጋገጺ ሰነዳት ናብ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትሰድድ ኣለካ። እዚኦም መንነት ኣባል ስድራ-ቤትካን፣ ኣብ መንጎኻን እቲ ኣባል ስድራ-ቤትካን ዘሎ ዝምድና ስድራ-ቤትን ዘረጋግጹ ሰነዳትን እዮም።

እዚኦም እቶም ከተቕርቦም ዘለካ ሰነዳት እዮም፡

  • ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳእለ ናይ ፓስፖርት ስእሊ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ናይ ፓስፖርት ስእሊ እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ ድማ ካልእ ንጹር ስእሊ ናይ ገጹ/ጻ ክትጽዕን ማለት ኣፕሎድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  • ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መረጋገጺ መንነት (ፓስፖርት ተመራጺ እዩ)። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታ ብእንግሊዝኛ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ መረጋገጺ መንነት ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጎም ኣለዎ። ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትርጉም ከተካትት ኣለካ። ብዛዕባ መንነትን ዝወድቀሉ ግዜን ናይቲ ሰነድ መንነት ዘርእይ ዝርዝር ዝሓዘ ገጻት ድማ ጸዓን ማለት ኣፕሎድ ግበሮም። ነቶም ናይ መገሻ ማሕተም ዘለዎም ገጻት እውን ኣፕሎድ ግበሮም።

  • ጠቕላላ ዝተመልአ undefinedክታም ኣፕሎድundefinedundefined።

  • ጠቕላላ ዝተመልአን ዝተፈረመን undefinedመግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበንundefined። መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ገበናዊ ታሪኽ ከም ዘይብሉ ዝሕብር መግለጺ እዩ። መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን ዘድልይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዕድሚኡ 12 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

ኩሎም ሰነዳት ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፡ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ዝተጻሕፉ ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ሰነዳት ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ እንተድኣ ኮይኖም፣ ሓደ ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ኣተርጓሚ ነዞም ሰነዳት ክትርጉሞም ኣለዎ። እቶም ክትመርጾም እትኽእል ተርጎምቲ ኣብ undefinedመዝገብ ቃለ-መሓላ ዝፈጸሙ ኣተርጎምትን ተርጎምትንundefined(Rbtv) ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዘለካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ዝምልከት ሰነዳት እውን ከተቕርብ ኣለካ፣ ከም ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት፣ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ወይ ናይ ስድራ-ቤት ክብሪ መዝገብ ዝኣመሰሉ። እቲ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከት መመልከቲ ቅጥዒ ኣየኖት ሰነዳት ከተቕርብ ከም ዘለካ ብልክዕ ይገልጽ እዩ። እዚ መመልከቲ ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ንምምልካት ገንዘብ ዝሓቱ መመልከቲታት ብመንገዲ ካልእ ናይ IND ቅጥዒ ንምምልካት ይከኣል እዩ። ኣስተውዕል:IND ንነፍስወከፍ ሃገር ዝተፈላለየ ሰነዳት እዩ ዝሓትት። IND ብዛዕባ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ብዝምልከት ንዝሓተካ ሕቶታት፣ ኩሉ ግዜ ኣብ እዋኑ መልሲ ክትህብ ኣገዳሲ እዩ።