ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Iemand zet een handtekening op een vel papier

ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland

ንውህደት ስድራቤት እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት የድልዩኻ እዮም

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/5/2023 12:55 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ከተመልክት እንከለኻ፣ ሓያሎ መረጋገጺ ሰነዳት ናብ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትሰድድ ኣለካ። እዚኦም መንነት ኣባል ስድራ-ቤትካን፣ ኣብ መንጎኻን እቲ ኣባል ስድራ-ቤትካን ዘሎ ዝምድና ስድራ-ቤትን ዘረጋግጹ ሰነዳትን እዮም።

ውልቃዊ ሰነዳት ምርካብ

IND ምስቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ውልቃዊ ሰነዳት ንኸተረክብ ይሓትት እዩ። እዞም ዝስዕቡ ናትካን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካን ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ኣለካ፡

  • ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳእለ ናይ ፓስፖርት ስእሊ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ናይ ፓስፖርት ስእሊ እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ ድማ ካልእ ንጹር ስእሊ ናይ ገጹ/ጻ ክትጽዕን ማለት ኣፕሎድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  • ቅዳሕ ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መረጋገጺ መንነት። እዚ ፓስፖርት እንተኾይኑ ይምረጽ። ናይቲ መረጋገጺ መንነት ብዛዕባ መንነትን ዘገልግለሉ ግዜን ሓበሬታታት ዘለዎም ገጻት ጸዓኖም ማለት ኣፕሎድ ግበሮም። ነቶም ናይ መገሻ ማሕተማት ዘለዎም ገጻት እውን ጸዓኖም።

  • ጠቕላላ ዝተመልአ 'ክታም ኣፕሎድ''።

  • ጠቕላላ ዝተመልአን ዝተፈረመን

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን'
    ። እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኽ ከም ዘይብሉ ዝሕብር መግለጺ እዩ። መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን ዘድልይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዕድሚኡ 12 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

ዝምድና ስድራ-ቤት ዘርእዩ ሰነዳት

ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ከም ዘለካ እውን ከተረጋግጽ ኣለካ። እዚ ብኸምዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ክግበር ይከኣል፡

  • ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት

  • ናይ ልደት ምስክር ወረቐት

  • ክብረ-መዝገብ ናይ ስድራ-ቤት

ኣብቲ ናይ IND መመልከቲ ቅጥዒ ኣየኖት ሰነዳት ብልክዕ ከም ዘድልዩኻ ተገሊጹ ክትረኽቦ ኢኻ። እዚ ቅጥዒ 'Aanvraag voor een 

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
Machtiging tot voorlopig verblijf
- nareizigers asiel' ይበሃል። ነዚ ቅጥዒ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ነቶም ሰነዳት ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ኣተርጉሞም

ኩሎም ሰነዳት ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ዝተጻሕፉ ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ሰነዳት ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ ድዮም? ስለዚ እዞም ሰነዳት

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቃለ-ማሕላ ብዝፈጸመ ተርጓሚ
ክትርጎሙ ኣለዎም።

እቶም ካብኣቶም ክትመርጽ እትኽእል ተርጎምቲ ድማ ኣብ 'Register beëdigde tolken en vertalers' (Rbtv) ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?