ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



መስርሕ ውህደት ስድራቤት ዝካየደሉ መገዲ እዚ ዝስዕብ እዩ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 13/3/2023 12:32 ድ.ቀ.

ንናይ ውህደት ስድራቤት ዝጠልብ ምልክታኻ ኣታዊ ምስ ገበርካ፣ Immigration and Naturalization Service (IND) ክምርምሮ ኣለዎ። IND ኣብ ጉዳይ እቲ ዘቕረብካዮ ንውህደት ስድራቤት ዝጠልብ ምልክታ ውሳነ ከሕልፍ ካብ ሓያሎ ኣዋርሕ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ክወስደሉ ይኽእል።

መመልከቲኻ ድሕሪ ምጽዳቚ

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኽግበር

ብቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን (IND)
ምስ ተፈቕደ፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክጎዓዙ ይኽእሉ እዮም። እቲ ካብ IND ዝመጸካ ደብዳቤ፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑ ኣበይ ክሕብሩ ከም ዘለዎም ክሕብረካ እዩ። ከም ንቡር ኣሰራርሓ ድማ ኣብኡ ንኣስታት 4 መዓልታት ይጸንሑ። ብሰንኪ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ፣ ኣብዚ እዋን ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። 

ኣባላት ስድራ-ቤትካ ካብ IND ን 5 ዓመት ዘገልግል undefinedዝመንጨወ መንበሪ ፍቓድundefined ይረኽቡ። undefinedዝመንጨወundefined ማለት እቲ ዝጸንሕሉ እዋን ኣብ ናትካ መንበሪ ፍቓድ ዝምርኮስ እዩ ማለት እዩ።

ኣስተውዕል: ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝመንጨወ ናይ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ሃልይዎምን፣ IND ንፍቓድ ዑቕባኻ እንተሰሪዝዎን ወይ እንተድኣ ዘየሐደሶ፣ IND ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ መንበሪ ፍቓድ እውን ክስርዞ እዩ።

እቲ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና እንተድኣ ኣብቂዑ፣ IND ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መንበሪ ፍቓድ ክስርዞ እውን ይኽእል እዩ፡ እዚ ማለት ኣባል ስድ፦ቤትካ ድሕሪ ደጊም ምሳኻ ዝምድና የብሉን ማለት እዩ። ከምኡ እውን ኣባል ስድራ-ቤትካ ውላድካ እንተድኣ ኮይኑን፣ ኣብ ውሽጢ 1 ዓመት ድማ ገዛእ-ርእሶም ክኢሎም ክነብሩ ምስ ዝኾኑን፣ IND ፍቓዶም ክስርዞ ይኽእል እዩ።

ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናይ ባዕሎም ርእሱ-ዝኸኣለ መመልከቲ ዑቕባ ከቕርቡ ይደልዩ ድዮም? ከምኡ ምስ ዝኸውን ብዛዕባ እዚ ምስ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ርክብ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ዝስዕብ VluchtelingenWerk (VWN) ክገብረልካ ይኽእል፡

  • ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሓበሬታ ይህብ፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ብዝምልከት ይሕግዝ።

  • ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ኣብ ክንዳኻ ምስ IND ርክብ ይገብር።

  • ካብ IND ብዛዕባ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ብዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ይሕግዝ።

  • ሓደ ሓደ ግዜ VluchtelingenWerk፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽኡ ንዝገብርዎ ገለ ክፋል ወጻኢታት መጎዓዝያ ንምኽሓስ ዝኸውን ኣበርክቶ ንምርካብ፣ ካብ ማዕከን ስደተኛታት ኔዘርላንድ ንምሕታት ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

  • ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑን፣ ኣብ ምምሕርዳር ከተማ ንዓኹም ዝኸውን መንበሪ ገዛ ምስ ዝህሉን፣ ንግብራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ይሕግዝ። ንኣብነት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋትን ኣበልን ንምሕታት። ወይ ድማ ውዕል መድሕን ጥዕና ኣብ ንምግባርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-ትምህርትን ንምምዝጋብን።

  • ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ተነጺጉን፣ ይግባይ ክትብል እንተደሊኻን፣ VluchtelingenWerk ጠበቓ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።