ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • ጀምር
  • ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ IND ምምልካት
ሰለስተ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ነንሓድሕደን ይዘራረባ
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland

ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ IND ምምልካት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 11:17 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣባላት ስድራ-ቤትካ ነቶም ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ቅድመ-ኩነታት የማልኡ ድዮም? ስለዚ ኣብ IND ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ገጽ ድማ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ፣ መመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ትጅምሮ

ንመመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ብምጅማር፣ ነቲ መመልከቲ ከም ናይ "ምጥርናፍ ስድራ ዑቕባ" መመልከቲ ገይርካ ከተቕርቦ ከም እትኽእል ተረጋግጽ። ነዚ መመልከቲ ብምቕራብ ብዙሓት ጽኑዓት ዝኾኑ ጠለባት ከተማልእ ኣየድልየካን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብነጻ እዩ።

ንመመልከቲኻ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብዙሕ ሰነዳት የድልየካ እዩ። ዋላ እውን ገና ኩሉ ዘድልይ ሰነዳት ዘይብልካ ምስ እትኸውን ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ናብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድሒርካ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ንስድራ-ቤታዊ ዝምድናኹም ዘረጋግጹ ሰነዳት ከተቕርብ ኣለካ።

ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብኽልተ ኣገባባት ናብ IND ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡

  • ብኢንተርነት

  • ብጽሑፍ ብፖስታ

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝግበር ደገፍ

ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ናይ ካልእ ውድብ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

VWN ነዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል

ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይኽእል፡

  • ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሓበሬታ ይህብ።

  • ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብ ምምላእ ይድግፈካ።

  • ኣብ እዋን መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ክንዳኻ ምስ IND ርክብ ይገብር።

  • ካብ IND ብዛዕባ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ብዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ይድግፈካ።

  • ሓደ ሓደ ግዜ VWN፣ ካብ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ማዕከን ስደተኛታት
    ብዝርከብ ኣበርክቶ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ንዝገብርዎ ገለ ክፋል ወጻኢታት መጎዓዝያ ዝኽሕስ እዩ።

  • ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑን፣ ኣብ ምምሕርዳር ከተማ ንዓኹም ዝኸውን መንበሪ ገዛ ምስ ዝህሉን፣ ንግብራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ይድግፈካ። ንኣብነት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋትን ኣበልን ኣብ ምሕታት። ወይ ድማ ውዕል መድሕን ጥዕና ኣብ ምግባርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-ትምህርትን ንምምዝጋብን።

  • ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ተነጺጉን፣ ይግባይ ክትብል እንተደሊኻን፣ VWN ጠበቓ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልክት