ዜናዕዳጋ
ሰለስተ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ነንሓድሕደን ይዘራረባ
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland
ሓበሬታ
ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ IND ምምልካት
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 11:17 ቅ.ቀ.

ኣባላት ስድራ-ቤትካ ነቶም ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ቅድመ-ኩነታት የማልኡ ድዮም? ስለዚ ኣብ IND ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ገጽ ድማ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ፣ መመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ትጅምሮ

ንመመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ብምጅማር፣ ነቲ መመልከቲ ከም ናይ "ምጥርናፍ ስድራ ዑቕባ" መመልከቲ ገይርካ ከተቕርቦ ከም እትኽእል ተረጋግጽ። ነዚ መመልከቲ ብምቕራብ ብዙሓት ጽኑዓት ዝኾኑ ጠለባት ከተማልእ ኣየድልየካን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብነጻ እዩ።

ንመመልከቲኻ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብዙሕ ሰነዳት የድልየካ እዩ። ዋላ እውን ገና ኩሉ ዘድልይ ሰነዳት ዘይብልካ ምስ እትኸውን ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ናብ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድሒርካ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ንስድራ-ቤታዊ ዝምድናኹም ዘረጋግጹ ሰነዳት ከተቕርብ ኣለካ።

ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብኽልተ ኣገባባት ናብ IND ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡

  • ብኢንተርነት

  • ብጽሑፍ ብፖስታ

ብኢንተርነት፡ "ንኣባላት ስድራ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ"
ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND፣ ነቲ ናይ ኢንተርነት ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ።
ብጽሑፍ፡ "ንኣባላት ስድራ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ"
ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND፣ ነቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ ከተውርዶ ማለት ዳውንሎድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ምሉእ ብምሉእ ምስ መላእካዮ ድማ ናብ IND ትስዶ።

ደገፍ ኣብ እዋን ምምልካት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት

ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ናይ ካልእ ውድብ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

VWN ነዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል

ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይኽእል፡

  • ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሓበሬታ ይህብ።

  • ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብ ምምላእ ይድግፈካ።

  • ኣብ እዋን መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ክንዳኻ ምስ IND ርክብ ይገብር።

  • ካብ IND ብዛዕባ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ብዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ይድግፈካ።

  • ሓደ ሓደ ግዜ VWN፣ ካብ

    ማዕከን ስደተኛታት
    ብዝርከብ ኣበርክቶ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ንዝገብርዎ ገለ ክፋል ወጻኢታት መጎዓዝያ ዝኽሕስ እዩ።

  • ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑን፣ ኣብ ምምሕርዳር ከተማ ንዓኹም ዝኸውን መንበሪ ገዛ ምስ ዝህሉን፣ ንግብራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ይድግፈካ። ንኣብነት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋትን ኣበልን ኣብ ምሕታት። ወይ ድማ ውዕል መድሕን ጥዕና ኣብ ምግባርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-ትምህርትን ንምምዝጋብን።

  • ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ተነጺጉን፣ ይግባይ ክትብል እንተደሊኻን፣ VWN ጠበቓ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?