
ምንጪ፡ Selma van der Bijl
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ነዚ ከተዋድድ ኣለካ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘቕረብካዮ መመልከቲ ጸዲቚ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ይፍቀደሉ እዩ። እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ቪዛ ክወስድ ኣለዎ
መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ድሕሪ እቲ ካብ IND ዝተዋህበ ኣወንታዊ ውሳኔ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ነቲ MVV ክወስዶ ኣለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ገደብ-ግዜ ናብ 6 ኣዋርሕ፣ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ድማ ናብ 9 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ኤምባሲ ንኽትበጽሖ ኣጸጋሚ ምስ ዝኸውን።
ኣብቲ ካብ IND ዝተዋህበ ኣወንታዊ ውሳኔ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ነቲ MVV ብኸመይ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዝገልጽ መምርሒታት ተጠቒሱ ይርከብ። እቲ ውሳኔ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ክገይሽ ከም ዝኽእልን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሐ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎን ዝገልጽ መምርሒታት እውን ዝሓዘ እዩ።
ምናልባት መዕቆቢ ከተዋድድ ኣለካ
ምስ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብሓባር ክትነብረሉ እትኽእል ብቚዕ ገዛ ገና የብልካን ድዩ? ምስ IND ቆጸራ ድሕሪ ምግባርካ፣ ብቐጥታ መዕቆቢ ንኸተዋድድ እውን ምስ