ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Gezinshereniging op luchthaven Schiphol.

ምንጪ፡ Selma van der Bijl

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ነዚ ከተዋድድ ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 1:53 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘቕረብካዮ መመልከቲ ጸዲቚ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ይፍቀደሉ እዩ። እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ቪዛ ክወስድ ኣለዎ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ኣብ ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ሃገር ንዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝኸውን ቪዛ ንኸዳሉው መምርሒ ክህብ እዩ። ኣብታ ሃገር ኤምባሲ ኔዘርላንድ የለን ድዩ? ስለዚ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ከምኡ ክገብር ኣለዎ። እቲ ቪዛ ድማ ይበሃል።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ድሕሪ እቲ ካብ IND ዝተዋህበ ኣወንታዊ ውሳኔ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ነቲ MVV ክወስዶ ኣለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ገደብ-ግዜ ናብ 6 ኣዋርሕ፣ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ድማ ናብ 9 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ኤምባሲ ንኽትበጽሖ ኣጸጋሚ ምስ ዝኸውን።

ኣብቲ ካብ IND ዝተዋህበ ኣወንታዊ ውሳኔ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ነቲ MVV ብኸመይ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዝገልጽ መምርሒታት ተጠቒሱ ይርከብ። እቲ ውሳኔ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ክገይሽ ከም ዝኽእልን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሐ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎን ዝገልጽ መምርሒታት እውን ዝሓዘ እዩ።

ምናልባት መዕቆቢ ከተዋድድ ኣለካ

ምስ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብሓባር ክትነብረሉ እትኽእል ብቚዕ ገዛ ገና የብልካን ድዩ? ምስ IND ቆጸራ ድሕሪ ምግባርካ፣ ብቐጥታ መዕቆቢ ንኸተዋድድ እውን ምስ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብቲ ምስ IND ዘለዎ ቆጸራ 1 መዓልቲ ኣቀዲሙ ናብ መዕቆቢ ናይ COA ክኸይድ ይኽእል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልክት

ኣብዚ መርሓ ስጉምቲ